ቀጥታ, ብሪጣንያ ኣብ ኦማን ንዝርከቡ ዜጋታታ ተውጽእ፤ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤ ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ዝዀነ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ። ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ

    ውድብ ወለዶ ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, TGP

    ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ውዕል ፕሪቶርያን ዝጠሓሰ ዝበሎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምቅዋም፡ እቲ ውሳነ ንክእገድ ናብ ፌደራል ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተደሪኹ፡ ሓሙሽተ ክልላት መረፃ ትግራይ፡ ካብቲ ምምሕዳር እቲ ክልል ወፃኢ ኯይነን መረፃ ከካይዳ ምውሳኑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ቁጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።

    ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ስምረት ሓዊሱ፡ ብዙሓት ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም መግለፂ ኣውፂኦም ኣለዉ።

    እተን ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ተመዲቡለን ዘሎ ሓሙሽተ 'ክልላት' መረጻ፣ ሑመራ፡ ዓዲረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ክረም-ኦፍላን ራያ-ኣላማጣን እየን።

  2. በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ፍቓድ ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ

    ኣዲስ ስንዳርድ

    ምንጪ ስእሊ, AS

    በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ 17 ለካቲት 2028 ዓ.ም [ግ] ጀሚሩ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ማዕኸን ዜና ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ኣዲስ ስታንዳርድ ብኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብቋንቋታት እንግሊዝኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ዜና፣ ሰፋሕቲ ትንታነን ሓተታን በምቕራብ ዝፍለጥ ትካል ሚድያ እዩ።

    ኣብታ ሃገር፡ ነፃ ፕሬስ ኣብ ምዕበaይን፡ ዘይሻራዊ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕን፡ ንዝገበሮ እጃም ድማ ዓለማዊ ሽልማት ምርካቡ ይዝከር።

    እቲ በዓል መዚ ግን፡ ምኽንያት እቲ ስጉምቲ እንተረድእ፡ “ስነ-ምግባር ሚድያ፣ ሕግታት ኢትዮጵያን ሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት ክዝርግሕ ፀኒሑ” ክብል ከሲሱ።

    ተደጋጋሚ መአረምታን መጠንቀቕታታትን ከምዝተውሃቦን 'ካብ ጌግኡ ከምዘይተኣረመን' እውን ሓቢሩ።

    ዛጊድ ካብ ትካል መራኸቢ ብዙሓን ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተውሃበ መግለፂ የለን።

    በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ጋዜጠኛታትን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ተራእዩ ኣሎ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ወኪላት ሬድዮ ጀርመን ንኣዋርሕ ድሕሪ ምእጋዶም፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክልተ ካብቶም ሪፖርተራት ንሓዋሩ እንትኽልከሉ፡ ዝተረፉ ፍቓድ ረኺቦም።

    ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ድማ፡ እታ ብኢንተርነት እትሰርሕ ማዕከን ዜና ዋዜማ ሬድዮ፡ “ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣዋጅ ሚድያን፡ ከምኡ’ውን መምርሕን ሞያዊ ስነ-ምግባርን” ብዘይምኽባር፡ ፍቓዳ ከምዝተሰረዘ እቶም ሰብመዚ ኣፍሊጦም ነይሮም።

    እቲ በዓል መዚ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ስራሕ ፍቓድ ወኪላት ዓለማዊ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዘይሕደስ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

  3. ኲናት ዩክረይን ኣብ ራባዓይ ዓመቱ

    ሓደ ወተሃደራት ሚሳይል ክውንጨፍ እናተዓዘበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እቲ ብሩስያ ዝተኣወጀ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ዩክረይን ሎሚ ራባዓይ ዓመቱ ኣቚጺሩ።

    ሞስኮ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ዶባት ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት ኣጋርን መካናይዝድን ሓይልታታ ብምኽታት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ፈሊማ።

    ሰራዊት ሩስያ ኣብ ሓጺር መዓልታት ንመስመራት ምክልኻል ሰራዊት ዩክረይን ብምስባር ሓያሎ ከተማታት ብምቁጽጻር ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ተቓሪቡ ነይሩ።

    እንተኾነ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘይተኣደነ ኣጽዋር ክውሕዘሉ ዝጀመረ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ'ቲ ንቕድሚት ተወርዊሩ ዝነበረ ኣሃዱታት ሩስያ ብዝፈነዎ ጸረ-መጥቃዕቲ ከቢድ ክሳራ ንድሕሪት ክምለስ ድሕሪ ምግዳዱ ኪቭ ካብ ሓደጋ ድሒና።

    ዋላ'ኳ ሓይልታት ዩክረይን ጸኒዖም እንተ ተኸላኸሉ፡ ንማዕበላዊ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ሩስያ ክዓግትዎ ኣይክኣሉን። ሓያለ ከተማታት እታ ሃገር በቲ መጥቃዕትታት ዓንየን፡ ሰበን ገዲፉወን ዝኸዳ ኮይነን ይርከባ። ብፍላይ ትሕተ ቀርጺ ጸዓት ዩክረይን ከቢድ ዕንወት'ዩ ወሪዱ'ዎ ዘሎ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ሞስኮ ኣብቲ ክትውንኖ እትደሊ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ሰፊሕ ከባቢታት ተቖጻጺራ ኣላ።

    ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ፡ ብሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይተዓወተን።

    እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ከምዝብሎ ብወገን ዩክረይን ልዕሊ 55,000 ወተሃደራት ሞይቶም ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ግን ልዕሊ 180 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝሞቱ'ዩ ዘመልክት።

    ሩስያ ኣብቲ ኲናት ዝወረዳ ሰባዊ ክሳራ ብወግዒ ኣይገለጸትን፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ከምዝብሎ ግን ዛጊት ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ወተሃደራት ምዉታትን ቁሱላትን ከምዝኾነ ይግመት።

    ዘለንስኪ፡ እቲ ኲናት ብሰላም ከዕርፍ ዘለዎ ተወፋይነት ሎሚ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ሎ። እንተኾነ፡ ንሰላም ይኹን ምቕጻል ናይቲ ኲናት ዝውስን ቤተመንግስቲ ክረምሊን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

  4. ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ብሓደ ድምጺ ዝተቓወምኦ ውሳነ

    ሰልፊ

    ምንጪ ስእሊ, SM

    ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሰሓሕባ ከባቢታት ትግራይ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ዝብል ውሳነ 'ዘይሕገመንግስታዊ' እዩ ክብላ ዝነቐፋ ሓያሎ ውድባት ትግራይ፡ እቲ ውሳነ ብህጹጽ ክእረም ጻውዒት ኣቕሪበን።

    ነቲ ውሳነ ስዒቡ፡ ውድባት፡ ስምረት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውናት፣ ውድብ ሰብዓ እንደርታ፣ ውድብ ወለዶ ትግራይ፣ ባይቶናን ካልኦትን ናይ ተቓውሞ ድምፂ ኣስሚዐን ኣለዋ።

    እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዓብላሊ ውድብ ኰይኑ ኣብ ትግራይ ዝተንቀሳቐሰን ዝመርሐን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳነ "ኣዋጅ ኲናት፡" ክብል ብምግላጽ፡ "ንሕገመንግስቲ እዛ ሃገር ኮነ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዕሊ ዝጥሕስ፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡" ኢሉ።

    እቲ ቦርድ ትማሊ 23 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እተን 'ኣካታዕቲ' እናበለ ዝገልጸን ከባቢታት፡ ሕገመንግስታዊ ፍታሕ ክሳዕ ዝረኽባ፡ "ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ብዝዀነ መንገዲ ተወከልቲ ፈደራል ክመርጻ ኣለወን፡" ዝብል ውሳነ ካብ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ከም ዝተቐበለ ገሊጹ።

    እተን ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ተመዲቡለን ዘሎ ሓሙሽተ 'ክልላት' መረጻ፣ ሑመራ፡ ዓዲረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ክረም-ኦፍላን ራያ-ኣላማጣን እየን።

  5. ጫድ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዶባት ዓጽያ

    ስደተኛታት ሱዳናውያን ኣንስቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጫድ ምስ ሱዳን ዘለዋ ምብራቓዊ ዶባት ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።

    ኣፈኛ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ስጉምቲ ጸጥታ ዜጋታት እታ ሃገር ንምሕላው ዝተወስደ ምዃኑ ገሊጹ።

    "ንሰብኣዊ ምኽንያታት ጥራይ ዝምልከት ፍሉይ ሕድገታት" ክገብሩ ምዃኖም ግን እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ'ሎ።

    ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብታ ኣብ ከባቢ ዶብ እትርከብ ከተማ ኣል-ጣና ኣብ መንጎ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕን ካልኦት ዕጡቓትን ግጭት ተወሊዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

    ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሱዳናውያን ዶብ ሰጊሮም ናብ ጫድ ከምዝሃደሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

  6. ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ውድብ ስምረት: ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እንተዘይተኣሪሙ ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

    ኣቶ ጌታቸው ረዳ
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ውድብ ስምረት ኣቶ ጌታቸው ረዳ

    ብኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዝምራሕ ውድብ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ፡ ባይቶ ፈደረሽን ኣብ ጉዳይ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለለን ከባብታት ትግራይ: ዝሃቦ ውሳነ እንተዘይተኣሪሙ: ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

    ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘሰሓሕብ ሓሙሽተ ከባቢታት፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወፂኡ፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቐጥታ ክመርፃ ከምዝተወሰነ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ገሊፁ ኣሎ።

    ነዚ ስዒቡ ደብዳበ ተቓውሞ ዝፀሓፈ፡ ውድብ ስምረት፡ ኣብቲ ናብ ባይቶ ፌደሬሽንን ሃገራዊ ቦርድ መረፃን ዝፀሓፎ ደብዳበ፣ ነቲ ውሳነ "ዘይሕገ መንግስታዊ" ክብል ኮኒንዎ።

    እቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝተፈረመ ደብዳበ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተውሃበ ውሳነ፣ “ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዘዳኽም፣ ናፅነት ትካላት ዝዕፍን፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብግልፂ ዝጥሕስ እዩ” ብምባል፡ ደጊሙ ክረአ ይሓትት።

    ወሲኹ ድማ፡ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ “ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብቕሉዕ ይጣሓስ” ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

    እቲ ሕቶ ይግበአኒ ሕጋዊ መፍትሒ ከይረኸበ፡ "ብፌደራል መንግስቲ መረፃ ምክያድ" ዝብል ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ "ብሓይሊ ንምጉባጥ ዝግበር ፈተነ" ምዃኑ ገሊፁ።

    ወድብ ስምረት፡ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴረሽን ንቦርድ መረፃ ከም "ፖለቲካዊ መሳርሒ ክኸውንን ተኣማንነት እቲ መረፃ ኣብ ሕቶ ዘእቱን" ምዃኑ ስክፍታኡ ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ተግባራት ቦርድ ምርጫን "ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም" ብምባል፡ እቲ ውሳነ "ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይጸንዕን" እዩ ኢሉ።

    ውድብ ስምረት፡ እዚ ውሳነ እንተዘይተኣሪሙ ኣብ ከምዚ ዓይነት መረፃን ዝዀነ ተዛማዲ 'ዘይሕጋዊ' ተግባራትን ከምዘይሳተፍ ኣበ ደብዳበኡ ኣፍሊጡ።

  7. ዘዘራርብ ዘሎ ውሳነ ቦርድ መረፃ ኣብ ልዕሊ ዘሰሓሕቡ ከባብታት ሑመራ፣ ኣላማጣን ፀለምትን, "ሓደገኛ ውሳነ" ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

    ኣብ መረፃ ዝተሰለፉ

    ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለለንን ሰፋሕቲ ከባብታት፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወፃኢ ኰይነን፡ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀጥታዊ መረፃ ከካይዳ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

    ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ 16 ለካታት 2018 ዓ.ም [ግ]፡ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዝጠቀዖ መግለፂ፡ ነዚ ዘፍለጠ፡ ብመሰረት ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተውሃበ ውሳነ ተደሪኹ ምዃኑ ይገልፅ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እዚ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነ ብፅኑዕ እናኾነነ፡ እዚ ሓደገኛ ውሳነ ዘስዕቦ ዙርያ መለሽ መዘዝ ኣብ ግምት ኣትዩ ብኣግኡ ክእረምን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ብፅኑዕ ይሓትት" ብዝብል፡ ነቲ ውሳነ ነፂጉ ኣሎ።

  8. ኤርትራ በጺሑ ዝነበረ በዓል ስልጣን ስዑድያ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ ኣሎ

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ፡ ሎሚ ሰኑይ 23 ለካቲት ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዮን ጢሞትዮስ ተዛራሪቡ።

    ክልቲኦም ምኒስተራት ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘሎ ጉዳያት ጸጥታ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ይግለጽ ኣሎ።

    ኣሰይድ ወሊድ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ርክብ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጉዳይ ዞባዊ ጸጥታ ኣተኵሮም ምዝርራቦም ይዝከር።

    ነዚ ኣመልኪቱ ብወገን ኤርትራ ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ክልተኦም ወገናት ኣብቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ዝርኣዮ ዘሎ ዞባ፡ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀና ሃገራት ሰላምን ምርግጋእን ብዛዕባ ምርግጋጽ ዝምልከት ዓሚቝ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑድያን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን መዳያት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ንምንጥጣፍ ብግብሪ ክስራሕ ከም ዝተረዳድኡ የብርህ።

    ቅድሚ ክልተ ሰሙን እውን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልዑል ፈይሰል ቢን ፈርሓን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝተዘራረቡ ኣይርሳዕን።

    ምኒስተር ፈይሰል ቢን ፈርሓን ኣቐዲሙ እውን ናብ ግብጺ ዑደት ብምግባር፡ ምስ ጸጥታን ድሕነት ቀይሕባሕሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ሱዳንን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝተመያየጠ ተሓቢሩ ነይሩ።

    እዚ ዑደት ናይ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናብ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ተሃዋሲ መድረኽ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ስዑድያ ኣብዚ ዞባ ተራን ጽልዋኣን ከተዕቢ ብዕቱብ ትንቀሳቐስ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    ምኒስተራት ስዑድያን ኢትዮጵያን

    ምንጪ ስእሊ, MFA

    መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጊዴዮን ንምክትል ምኒስተር ስዑድያ ኣብ ዘዘራረበሉ
  9. ትራምፕ፡ ‘ኢራን ስለምንታይ ኢዳ ዘይትህብ' ክፈልጥ ከምዝደሊ ተዛሪቡ

    ዘተ ኣመሪካን ኢራንን

    ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ንምንታይ ንወተሃደራዊ ጸቕጢ ኣመሪካ ኢዳ ከምዘይሃበት ንምፍላጥ ድሌት ከምዘለዎ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

    ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ትማሊ ቀዳም፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ኒዩክለሳዊ ዝርርብ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

    እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣመሪካ ዋላ'ኳ፡ ንፅዕነት መርከብ ተዋጋእቲ ነፈርቲ፡ ናብቲ ከባቢ እንተፀገዐት፡ ኢራን ኢዳ ክትህብ ዘይከኣለትሉ ምኽንያት፡ ትራምፕ ክርዳእ ከምዝደሊ ገሊጹ።

    "ሎሚ ንግሆ ንፕረዚደንት ሓቲተዮ። ተስፋ ቀቢፁ’ዩ ክብል ኣይደልን። ምኽንያቱ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ስለዝፈልጥ። ኢራን ስለምንታይ ተስፋ ከምዘበፀት ግን ክፈልጥ ይደሊ"።

    ዊትኮፍ፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከምዘይተፍርን ከምኡ ከምይዘትገብር ጭቡጥ ስጉምትታት ክትሕንጽጽን ከምዝደሊ ገሊጹ።

    ዊትኮፍ ነዚ ዝገለጸ ክልተ ዙር ዝርርብ ክልቲአን ሃገራት ፍረ ዘይምፍራዩ ስዒቡ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ብሰሉስ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርርብ ኣካይደን ነይረን።

    ኣመሪካ ርኡይ ክፍተታት ከምዘሎ እኳ እንተገለጸት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ግን ኣብ "መሰረታዊ መትከላት" ከምዝተሰማምዑ ገሊፁ።

    ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ብጽሑፍ ሓሳብ ከተቕርብ ትጽቢት ዝገብሩ ዀይኖም፡ ኣራግቺ ድማ ኣብ ውሽጢ መዓልታት እማመ-ሓሳብ ብጽሑፍ ከምዘቕርብ ሓቢሩ።

  10. ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ ኢሉ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ፍሉይ ሓይሊ ከምዝሃነጸት ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ከምኡ ዝበለ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኸበረ መበል 65 ዓመት ምምስራት ፍሉይ እዚ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ዩ።

    ኣብይ ኣሕመድ፡ “ናትና ምድላው ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ሰላም ከምዝህሉ ምርግጋጽ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ነዘን ኣብዚ ዞባና ዘለዋ ሃገራት ከኣ ቀንዲ ደገፍን ዋልታን ምዃን’ዩ” ኢሉ።

    ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ኣብ ምድርን ጎቦታትን ዝግበር ዝነበረ ስልጠናታት ናብ ባሕሪ ከምዝተሰጋገረ ሓቢሩ።

    ኣብ ባሕሪ "ካብ ጫፍ ሶማልያ ክሳብ ጫፍ ምጽዋዕ" ኣብ ዘጋጥም ስግኣታት "ንኣሕዋትና ዝኾኑ ህዝብታት ደጊፍና” ግብረሽበራ ንምክልኻልን ልምዓት ንmእርግጋፅን፡ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንዞባ’ውን ዝኣክል ፍሉይ ሓይሊ ተሃኒጹ ኣሎ ኢሉ።

    ኣብቲ በዓል ብጀካ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢታ ማጆር ሺም ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ተረኺቡ ነይሩ።

  11. ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተሰማምዐ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ

    ምንጪ ስእሊ, Office of the President-Tigray

    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ “ትእዛዝ ከም ዘውረደን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ኣብ ናይ ቀደም ካምፕታት ሰሜን እዝ ክሰፈር ከም ዝተሰማምዐን፡” ዝገልጽ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ሓበሬታ ነጺጉዎ።

    ኣብቲ ሎሚ 21 ለካቲት ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓበሬታ፡ “ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ምውዛዕ ስትራተጂ ምንጩ ይዅን ከሳኽዖ ዝተደለየ ሽቶ ግልፂ ኰይኑ፡ እቲ ዝንዛሕዘሎ ሓበሬታግን ፍፁምሓሶት፡” ኢሉ።

    መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ “ግጉይ” ዝበሎ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝመንጨወ ብግልጺ ኣየቐመጠን።

    ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብ9 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምንቅስቓስ ብምግባር ገዚፍ ወታደራዊ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምፅጋዕ ናብ ካልእ ዙር ደማዊ ኲናት ንምእታው ኣብ ምህንዳድ ይርከብ፡" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

    ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ጸለምቲ ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ማይ-ዳጕሻ፡ ማንጫራን ካልኦትን ብኸበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከም ዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዝሓበሩ ዝዝከር እዩ።

    ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መበል 51 ምስረታ ሕወሓት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ኲናት ትግራይ ንኸብቅዕ ብሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘይምትግሩ፡ ስግኣት ሓድሽ ኲናት ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።

    ኣቦ መንበር ሰልፊ ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ንትግራይ "ክወራር" ይዳሎ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ሓይልታቶም ነብሶም ክከላኸሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

    ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ብ18 ለካቲት ዝዘርግሖ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥቃስ፡ እቲ ውዕል ንዂናት ትግራይ ዘብቅዐ'ኳ እንተዀነ፡ ብዅሉ ወገን ሓደገኛ ምንቅስቓሳት ይርአ ከም ዘሎ ስግኣቱ ገሊጹ።

    “ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡” ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

  12. ናሳ፡ ድሕሪ 54 ዓመታት ሰባት ናብ ወርሒ ክሰድድ እዩ

    ናሳ ድሕሪ 1972 ንፈለማ እዋን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ደቂ-ሰብ ናብ ዙርያ ወርሒ ክሰድድ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    እቲ ‘ኣርተሚስ II’ ዝተሰምየ ተልእኾ፡ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓባይ ኤስኤልኤስ ሮኬት ኣብ ካፕሱል ኦርዮን ኣስታት 10 መዓልታት ከሕልፉ እዮም። ኣብ ወርሒ ንዝግበር ምዕላብ ደቂ-ሰብ ንመጻኢ መንገዲ ዝጸርግ ከም ዝኸውን ድማ ሓቢሮም።

    ኵነታት ኣየር ምቹእ እንተዀይኑ ብ7 መጋቢት ናብ ዙርያ ወርሒ ጕዕዞኦም ክጅምሩ እዮም።

    ውሽጢ ናይታ መንኮርኰር ክንዲ ዓቐን ሓንቲ ሚኒባስ ኰይኑ፡ ኣርባዕተኦም ተልእኾኦም ክሳዕ ዝውድኡ ኣብኣ ኰይኖም ክበልዑ፡ ክሰርሑን ክድቅሱን እዮም።

    እቲ ተልእኾ ካብ ቅናት መሬት ጀሚሩ ናብ ወርሒ እዩ ከቕንዕ፣ ካብ ኣስታት 6,500 ክሳብ 9,500 ኪሎሜትር ካብ ልዕሊ ምድሪ ብምዃን ንሓያሎ ሰዓታት መጽናዕቲ ከካይዱን ኣሳእል ክወስዱን እዮም።

    ድሕሪ ናይ ኣስታት 10 መዓልታት ከኣ ኣብ ፓስፊክ ጕዕዞኦም ክዛዘም እዩ።

    እዚተልእኾ’ዚ፡ ነታ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ንዝዓልቡ ጠፈርተኛታት ዒላማ ዝገበረት ኣርተሚስ ሳልሳይ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ 2028 ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።

    ቻይናክሳዕ 2030 ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ክትዓልብ መደብ ከም ዘለዋ፡ እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ናብ ወርሒንምምላስ ዝግበር ዓለማዊ ውድድር ዘጕልሕ እዩ።

    ወዲ-ሰብ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዝረገጸሉ ብ20 ሓምለ 1969 እዩ፤ ነይል ኣርምስትሮንግ፡ ሚካኤል ኮሊንስን ኤድዋር ኣልድሪንን ብ16 ሓምለ ካብ መሬት ነቒሎም። እቲ ተልእኾ ‘ኣፖሎ 11’ ይበሃል።

    ዓቢይ መንኮርኰር፡ ብድሕሪኡ ድማ ዓባይ ከባብ ወርሒ ትርአ

    ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

  13. ሓድሽ ፀብፃብ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ ኣጠንቂቝ

    ዶ/ር መሓሪ ታደለ

    ምንጪ ስእሊ, Mehari Tadle Maru

    መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ እቲ ትካል ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ፡ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ፡ ኣብ ናይሮቢ ነቲ ፀብፃብ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን

    ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባር ዝተራእዩ መሰረታዊ ጉድለታት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዝነበረ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከምዘእቱ ሓድሽ ጸብጻብ ኣጠንቂቝ።

    እቲ ብዓለምለኻዊ ትካል 'ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ' ዝተሰናደአ፡ ኣስታት 80 ገፃት ዝሓዘ ፀብፃብ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ: ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናበይ ገፁ?” ብዝብል ኣርእስቲ እዩ ዕላዊ ዀይኑ።

    እቲ ስምምዕ፡ ፡ “ኣሉታዊ ሰላም” ዝበሎ ተዅሲ ደው ምባል ጥራይ ከም ዘረጋገፀ ይገልፅ።

    ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ውዕል ሕገ-መነግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ፣ ንዝተበደሉ ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅ፣ ዳግመ ህንፀትን ዘላቒ ዕርቂ ኣብ ምፍጣርን ዘጠቓልል “ኣወንታዊ ሰላም” ክፈጥር ከምዘይካአለ ይድምድም።

    ብመሰረት ርኽበታት ናይቲ መፅናዕቲ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ዳርጋ ብኹሉ መዳይ ‘ስርዓታዊ ውድቀት ኣተገባብራ ‘ኣጋጢምዎ ኣሎ።

    እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ንኣገባብ ምክትታልን ምርግጋጽን ሕብረት ኣፍሪቃ (MVCM) ብምንቃፍ፡ ድኹምን ውጽኢት ዘይብሉን ትካል ክብል ወቚሱ።

    እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ሕቶ ቀይሕ ባሕሪን ዝፍጠር ዘሎ ዞባዊ ውጥረት፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ከየእትዎ ስግኣት ከምዘሎ የጠንቅቕ።

    እቲ ጸብጻብ፡ ዳግማይ ኲናት ከይለዓል፡ ንምሉእን ኣድማዕን ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ዓለማዊ ተወፋይነትን ልዑል ደረጃ ዲፕሎማሲዊ ፃዕሪን ክግበር ይፅውዕ።

  14. ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ንሕልፈት ተፈሪዱ

    ዩን ሱክ ዪኦል

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብምልዕዓል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።

    ዩን ሱክ ዪኦል፡ ዝተዋህቦ ስልጣን ንዘይግባእ መዓላ ተጠቒሙሉ ብዝብል ካልእ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ'ዩ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ('ሕጊ ማርሻል') ንሓድነትን ንሕገ-መግስቲን እታ ሃገር ስለዝተፈታተነ ብሞት ክቕጻዕ'ዮም ጠሊቦም ነይሮም።

    እቲ ጉዳይ ንኮሪያውያን ዝኸፋፈለ ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30% ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ፕረዚደንት ነበር ገበነኛ ከምዘይኮነ ዝኣምኑ እዮም።

    ኣብ ከባቢ ቤትፍርዲ ዝተኣከቡ ደገፍቱ በቲ ብይን ከምዝጓሃዩን፡ ገለ ካብኦም ክነብዑ ከምዝተራእዩን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ተቓወምቱ ብወገኖም ብሞት ክቕጻዕ ጻውዒቶም ከቕርቡ ተሰሚዖም።

    ስለዚ ድማ'ዩ፡ እቲ ሎሚ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ውሳነ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ፍጻመ ከምዝኸውን ዝግመት ዘሎ።

  15. ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ

    ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ናብ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ ክብል ዓለምለኻዊ ትካል መጽናዕቲ ቅልውላዋት ኣጠንቂቝ።

    ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ብረቡዕ 18 ለካቲት ዝዘርግሖ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥቃስ፡ እቲ ውዕል ንኲናት ትግራይ ዘብቅዐ'ኳ እንተዀነ፡ ብዅሉ ወገን ሓደገኛ ምንቅስቓሳት ይርአ ከምዘሎ የነጽር።

    ብፍላይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪን፡ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ምስ ኤርትራ ክግበር ተዓንቂሩ ዘሎ ስግኣት ኲናት ከምዘተሓሳሰቦ ድማ ኣስፊሩ'ሎ።

  16. ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ንዘላ ጐስጓስ ነቒፋ

    ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል

    ምንጪ ስእሊ, shabait

    ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ንዘላ ጐስጓስ ነቒፋ።

    ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝኽተልዎ ዘለው ተጻባኢ ኣቃውማ'ዩ ዝበሎ ጐስጓት ኣፍ ደገ ባሕሪ ወቒሱ።

    ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምብጻሕ ንዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ድማ "መደናገሪን ድኹምን ስነ-መጐት" ከም መመኽነይታ ይጥቀሙ ኣለው ኢሉ።

    ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ክካየድ ንዝኽእል ኲናት ንምምኽናይ፡ "ዝደኸመ መወከሲታት ብዝሒ ህዝቢ" ከምኡ'ዉን እታ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ብምስኣና ንወጻኢታት ክፍሊት ወደብን ቁጠባዊ ክሳራን ተቓሊዓ እያ ዝብሉ ጥርዓናት ምቕራቦም ተቐባልነት ከምዘይብሉ እቲ ሚኒስተር ኣነጺሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ናይ ዋንነት መሰል ከምዘለዋን ክምጉት ይስማዕ እዩ።

    ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ብ17 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ምስ ዝገበረ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ብምዃን ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ መግለጺን ነቲ ጉዳይ ደጊሙ ኣልዒልዎ።

    ኣብ መንጐ እዘን ጐረባብቲ ሓዱሽ ኲናት ከይለዓል ዝብል ልዑል ስክፍታታት ከም ዘሎ ይፍለጥ።

    ይኹን'ምበር፡ ሃገሩ ነዚ ውጽኢት ከም ዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

  17. መራሕቲ ትግራይ: ን'ወራር' ሰራዊት ፌደራል ክንምክት ኢና ኢሎም፤ ኤርትራኸ እንታይ ኢላ?

    ኣባላት ሓይልታት ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, WOYEN

    መራሕቲ ትግራይ፡ 'ወራር' ኢሎም ንዝገለጹዎ ምንቅስቓስ ሰራዊት ፌደራል ክንምክት ኢና ኢሎም።

    ኣቦ መንበር ሰልፊ ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ሓይልታቶም ነብሶም ክከላኸሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

    መንግስቲ ፌደራል ድማ ንትግራይ "ክወራር" ይዳሎ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

    ኣብቲ ብረቡዕ ብክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተመሓላለፈ ጽንብል መበል 51 ዓመት ምስረታ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ፡ መንግስቲ ፌደራል "ንትግራይ ንምውራር ምድላዋትን ምውህሃድ ሃፍቲን፡" ይገብር ኣሎ ክብል ተሰሚዑ።

    እቲ ኣቦ መንበር ወሲኹ፡ "ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ሰማእታትን እናዘከርና፡ ነቲ ዝቃረብ ዘሎ ወራር ብዘተ ንምውጋድ ግቡእና ክንፍጽም ቃል ንኣቱ። ይኹን'ምበር ደሕንነትናን ህላወናን ንምሕላው፡ መስመር ሓሊፎም ንዘጥቅዑና ክንቃለስ ኢና፡" ኢሉ።

    ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ኰይኑ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ኲናት ትግራይ ንከብቅዕ ብሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘይምትግሩ፡ ስግኣት ሓድሽ ኲናት ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።

    ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብቲ ክልል ምትእኽኻብ ሓይልታት ፌደራልን ኣብ መንጐ መራሕቲ ዝርአ ምውሳኽ ናይ ቃላት ኲናትን ኣሎ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ኣንቀሳቒሱ ድዩ ኣየንቀሳቐን ንዝብል ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

  18. ናይ ሞት ፍርዲ ዘንጸላለዎ ፕረዚደንት ኮርያ ነበር

    ዩን ሱክ ዪኦል ንቤት ፍርዲ ቃሉ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብክስታት ምልዕዓል ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ሎሚ ፍርዱ ክቕበል እዩ።

    ዩን ሱክ ዪኦል፡ ዝተዋህቦ ስልጣን ንዘይግባእ መዓላ ተጠቒሙሉ ብዝብል ክሲ ገበኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ድሮ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ'ዩ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ('ሕጊ ማርሻል') ንሓድነት እታ ሃገር ስለዝተፈታተነ ብሞት ክቕጻዕ'ዮም ጠሊቦም ዘለዉ።

    እቲ ጉዳይ ንኮሪያውያን ዝኸፋፈለ ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30% ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ፕረዚደንት ነበር ገበነኛ ከምዘይኮነ ዝኣምኑ እዮም።

    ስለዚ ድማ'ዩ፡ እቲ ሎሚ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ውሳነ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ፍጻመ ከምዝኸውን ዝግመት ዘሎ።

  19. ልዕሊ 30 ሰባት ቀቲሉ ዝብሃል ዘሎ መርዛም ጋዝ 'ካርቦን-ሞኖኦክሳይድ'

    ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ሓያለ ሰባት ከቢቦም ይርኣዩ

    ኣብ ናይጀርያ ሞይቶም ዝተረኽቡ ብውሕዱ 33 ዓደንቲ ብመርዛም ጋዝ 'ካርቦን-ሞኖክሳይድ' ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ከባቢ ከተማ ዋዝ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕደና ቦታ'ዩ ኣብ እዋን ወጋሕታ ኣጋጢሙ።

    ከምቲ ዝብሃል ዘሎ እንተኾይኑ፡ እቲ መርዛም ጋዝ ኣብቲ መናፈሲ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ-መሬት ዝርከብ ጐዳጉዲ ተዋህሊሉ'ዩ ነቲ ጉድኣት ከውርድ ክኢሉ።

    እቶም ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ዝሓደሩ ሰራሕተኛታት ክፍደሱ ምስቀረቡ'ዮም ሃንደበት ክወድቁ ጀሚሮም። በቶም ክትክእዎም ዝኣተዉ መሳርሕቶም ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ።

    ሓደ ካብቶም ዝረኸብዎም ዝኾነ ሳፊያኑ ሃሩና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣስታት 20 ካልኦት በቲ ኩነታት ተጠቂዖም ናብ ሆስፒታላት ከምዝተወስዱ ጠቒሱ።።

    "ዝለሓዄ ጋዝ ካርቦን-ሞኖክሳይድ እዩ ቀቲሉዎም" ዝበለ ሃሩና፡ ቁጽሪ ምውታት 37 ምዃኑ ጠቒሱ።

  20. ዘተ ሰላም ሩስያን ዩክረይንን ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

    ልኡኻት ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ሰሉስን ረቡዕን'ዮም ኣብ ጀኔቫ ተራኪቦም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ልኡኻት ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ሰሉስን ረቡዕን'ዮም ኣብ ጀኔቫ ተራኪቦም

    ነቲ ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ንኽብል ኣብ ሞንጎ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

    እቲ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ፡ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ሎሚ ብስምምዕ ክድምደም’ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ሎሚ ክልተ ሰዓታት ጥራይ ምስ ተዘራረቡ’ዩ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

    ዋላኳ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ በቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ተስፋ ከምዘለዎ እንተገለጸ፡ ልኡኻት ሩስያን ዩክረይንን ግን እቲ ዘተ ‘ከቢድ’ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

    እተን ካብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት 2022 ጀሚረን ኣብ ኵናት ተጸሚደን ዘለዋ ዩክረይን ሩስያን፡ ኣብ ጉዳይ ዶብን ዝርዝራት ምቁራጽ ቶዅስን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ሓሳባት ከምዘለወን’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

    ኣብቲ ምዝርራብ ምትእምማን ክጥረ ከቢድ ምዃኑ ዝገለጸ ንሩስያ ወኪሉ ዝመጽአ ልኡኽ ቭላድሚር መዲንስኪካልእ ኣኼባ "ኣብ ቀረባ እዋን" ክካየድ ተስፋ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ፕረዚደንትዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ’ውን ብሰንኪፍልልይ መርገጺ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዘተ "ቀሊል ኣይኮነን" ክብል ገሊጽዎ።

    ዩክሬናዊተዛታዩ ሩስተም ኡሜሮቭ፡ እቲ ዘተ "ጽዑቕ" ምንባሩን፡ ምዕባለታት እኳ እንተነበረን "ኣብዚ ደረጃ'ዚ" ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይክእልን ኣፍሊጡ።

    ሩስተምኡሜሮቭ ብምስዓብ "ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ምትእስሳርን ምቅርራብ ንምፍጣርን እኹል ግዜ ዝሓትት ዝተሓላለኸ ስራሕ'ዩ" ይብል።

    ዘለንስኪ ምዝዛም እቲ ዝርርብ ቅድሚ ምግላጹ ኣቐድም ኣቢሉ ሩስያ "ድሮ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል ዝነበረ ዘተ ክትጎትት ትፍትን ኣላ" ክብል ከሲሱ።

    ልኡኻት ክልቲኤን ሃገራት ብሞንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ጥሪ ኣብ ኣቡዳቢ ተራኺቦም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።