ጀሰ ጃክሰን፡ ሓዘኖም ዝገልጹ መራሕቲን ፍሉጣት ሰባትን ምስክርነት ይህቡ
ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ፍሉጣት ሰባትን ብሞት ጀሰ ጃክሰን ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።
ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ባራክ ኦባማ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ ሓዘን፡ ጃክሰን ንኣመሪካ ኣብ ምቕያር ወሳኒ ግደ ዝተጻወተ ምንባሩ ጠቒሱ።
"ረቨረንድ ጃክሰን ንልዕሊ 60 ዓመታት፡ ንገለ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ምንቅስቓሳት ለውጢ ዝመርሐ እዩ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣመጒስዎ።
ኣብ 2008 ኦባማ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝተመረጸሉ ለይቲ፡ ንመግለጺ ዓወቱ እናሰምዐ ክነብዕ ምርኣዩ ዘይርሳዕ ምስሊ ናይቲ ንዓመታት ንመሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝተቓለሰ ጃክሰን'ዩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ በወገኑ፡ ናብ ሰልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ኣቐዲሙ ከምዝፈልጦ ብምግላጽ፡ "ጥዑይ ሰብ'ዩ ነይሩ፡ ውልቃዊ ሓቦ ዝነበሮን. . .ብህዝቢ ዝፍቶን'ዩ ነይሩ" ከብል ገሊጽዎ።
ኣብ 90ታት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ቢል ክሊንተ ምስ ብዓልቲቤቱ ሂላሪ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ'ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።
"ረቨረንድ ጃክሰን ሰባዊ ክብሪ ንምድንፋዕ ዝሰርሐ'ዩ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ሰባት ዝሓሸ ናብራ ንክነብሩ'ውን ዕድላት ዝኸፈተ እዩ" ኢሎም።
ሓያለ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓለምን ሃይማኖታት'ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ብምቅላሕ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images



















