ካራካስ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤ ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ዝዀነ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ። ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

ምንጪ ስእሊ, X/Sec_Noem
ኣብ መወዳእታ 2025 ኣመሪካ፡ ኣብ ደቡባዊ ካሪብያን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዝዓበየ ወተሃደራዊ ምትእኽኻብ ኣበጊሳ።
እዚ ድማ ንፕረዚደንት ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
መንግስቲ ቬነዝወላ ኣመሪካ ነቲ መንግስቲ ንምውዳቕ ዝዓለመ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ኣለዓዒላ ኣላ ክብል'ዩ ከሲሱ።
"ምውፋር ዓቢ ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣንጻር ጀላቡ ዕጸ-ፋርስ ዝበሃል መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ነተን እገዳ ዝተገብረለን ዘይተጻረየ ነዳዲ ቬንዝወላ ናብ ወጻኢ ዝልእኻ ታንከራት ምሓዙን፡ ነቲ ወጥሪ ብዓቢኡ ኣጋዲድዎ ኣሎ፡" ይብል ክራይስስ ግሩፕ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ፕረዚደንት ቬነዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ምስ ኣመሪካ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ነዳድን "ኣብ ዝደለዩ ቦታን እዋንን" ንምዝርራብ ቍሩብ ምንባሩ ገሊጹ።
ማዱሮ ምስ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ቬነዙወላ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣመሪካ ኣብ ሃገሩ ንዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃሪማ ንዝብል መግለጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምላሽ ካብ ምሃብ እውን ተቘጢቡ።
እዚ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ብሲኣይኤ ዝተፈጸመ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይንገር።
ቅድሚ እቲ ቃለ መሕትት ማዱሮ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ምስ ዕጸፋርስ ቬነዙወላ ምትእስሳር ኣለወን ዝተባህላ ጀላቡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ብምግላጽ፡ ኣብቲ እተን "ጀላቡ ሓሽሽ ዝጽዕናሉ ከባቢ ዓቢ ፍንጀራ፡" ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ኣመሪካ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚራ ኣብ ልዕሊ እተን ዕጸፋርስ ጽዒነን ዝበሃላ ጀላቡ 30 መጥቃዕቲታት ብምፍጻም ኣብ ፓስፊክን ካሪብያንን ንዝርከባ መራኽብ ዒላማ ገይራ።
ብ2 መስከረም ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ኣብ ልዕሊ ጃላቡ ቨነዙወላ ፈላማይ መጥቃዕቲ ካብ እትፍጽም ንደሓር ልዕሊ 110 ሰባት ተቐቲሎም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰበስልጣን ኢራን ሰላማዊ ሰልፈኛታት ከይቅተሉ ኣጠንቂቑ።
ዋሽንግተን "ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ጽሑፍ፡ "ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ዋሽንግተን "ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ" ብምባል ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኢራን ምትእትታው ንምግባር ዝኣተዎ መብጽዓ "ሸለልትነትን ሓደገኛን" ክብል ገሊጽዎ።
ዓባስ ኣራግቺ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ዶባት ኣመሪካ ሃገራዊ ሓለዋ ምውፋሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሱ ልዕሊ ማንም ሰብ ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢ ዝፍጸም ገበናዊ መጥቃዕቲ ከምዘይጽወር ክፈልጥ ይግባእ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኢራን "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው ብሓይሊ ክትነጽጐ እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኢራን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት 27 ሕዳር 2025 ዝጀመረ ሰልፊታት ተቃውሞ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ። ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።ተወሳኺ ንባብ
ፕረዚደንት ቬነዙወላ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነዳድን ማዕድናትን ሃገሩ ክትወስድ ዝገበረቶ ፈተነ እዩ ክብል ኰኒኑ።
ኒኮላስ ማዱሮ፡ እቲ ኣብ ካራካስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት፡ "ንስትራተጂካዊ ጸጋታት ቬነዙወላ ብፍላይ ድማ ነዳድን ማዕድናትን ንምምንዛዕን" ከምኡ'ዉን "ፖለቲካዊ ናጽነት እታ ሃገር ብሓይሊ ንምስባር" ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ኵሎም ውጥናት ምክልኻል ሃገር "ኣብ ዝምልከቶ ግዜን ኣብ ትሕቲ ዝግባእ ኩነታትን" ክትግበሩ ኣዚዙ ኣሎ።
"ኵሎም ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓይልታት እታ ሃገር ውጥናት ምልዕዓል ከንቀሳቕሱን ነዚ ሃጸያዊ መጥቃዕቲ ክኹንኑን፡" ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ቬንዝወላ ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝዅንን ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ።
"ቬንዝወላ ነቲ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣቱ ዝፈጸሞ ኣዝዩ ከቢድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ይነጽጎን ይዅንኖን" ክብል ኣዊጁ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ቬንዙዌላ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዚዙ ክብሉ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዝዌላ ካራካስ ኣብ ሓያሎ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብ ወተሃደራዊ መሳለጥያት፡ ዳርጋ ብሓንሳብ ፍንጀራታት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ላ ካርሎታን ቀንዲ ወተሃደራዊ መዓስከር ፉርተ ቲዩናን ፍንጀራት ከምዝተፈጸሙን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ሓያሎ ሰባት ብዘይ ኤሌክትሪክ ተሪፎም ኣለው። ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ነፈርቲ ውግእ ከምዝበረራ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ኣለው።
እዚ ምዕባለታት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቬንዝወላን ዝያዳ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ህሞት ኮይኑ፡ ዋሽንግተን ኣብ ካሪብያን ኣብ ልዕሊ ዕጸፋርስ ሒዘን ፍጥነት ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን'ዩ።
ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተመርጸን ብውልቁ ድማ ብመንገዲ እታ ሃገር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ከምዝተዋፈረን ትገልጽ።
መንግስቲ ቬንዝወላ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዋሽንግተን ዝወሰደቶ ስጕምትታት፡ ምምንዛዕ እገዳ ዝተገብረለን መራኽብ ነዳዲ ዘጠቓልል ሽርሕታት ኣካል ናይቲ ንፕረዚደንት ማዱሮ ካብ ስልጣን ንምእላይን ዕቑር ነዳዲ ቬንዝወላ ንምቍጽጻርን ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሃምዛ ዓብዲ ባረን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሶማልያ ዋንግ ዩን ትማሊ ኣብ ሞቓድሾ ተራኺቦም፡ እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ሓድነትክልቲኣን ሃገራት ንምድልዳል ከምዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ኣምባሳደር ዋንግ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቻይና "ንመሬታዊ ሓድነት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ" ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኣህጉራዊ መሻርኽቶም ብምዃን ኣስታት 30 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ መጥቃዕቲ ከምዝቐተሉ ገሊጾም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ጃባድ ጎዳነ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 29 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉን፡ ንሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝዓለማ መካይንን ኣጽዋርን እውን ከምዘዕነዉን ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መንነቶም ዘይተፈልጠ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ከምዝተሳተፉን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ንዝገበርዎ ደገፍ ከምዘመስገኖምን ሓቢሩ።
ነቲ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ንምምካት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ወተሃደራት ኣብ ሶማልያ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈሩ እንከለዉ፡ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ድማ ደብዳብ ነፈርቲ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ዓይነት ደገፍ ይህባ።
ብፍላይ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ናይቲ ጉጅለ፡ መራሕትን ዕጡቓትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ ትፍለጥ።
ኣል-ሸባብ ካብ 2007 ጀሚሩ ናዕቢ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ፣ ነቲ ብዓለም ደረጃ ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ ንምውዳቕን ብጽኑዕ ሕጊ ሸሪዓ ዝምራሕ ምምሕዳር ንምቛም ዝሰርሕ ጉጅለ እዩ።
ምስ ዓለማዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣል-ሸባብ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝፍርሑ ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ሓደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, YONHAP/EPA/Shutterstock
ሃገራት ዓለም ንሓድሽ ዓመት 2026 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣፀምቢለን ተቐቢለንኦ ኣለዋ።
ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝዝርግሑ ዘለዉ ኣሳእል ድማ ውቁባትን ፍልይ ዝበሉን እዮም።
ገለ ካብኣቶም፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, DAN HIMBRECHTS/EPA/Shutterstock

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ምንጪ ስእሊ, ታይምስ ስኴር - ኒውዮርክ

ምንጪ ስእሊ, TOLGA AKMEN/EPA/Shutterstock

ምንጪ ስእሊ, Google Maps
ስዊዘርላንድ - ስኪ ክራንስ-ሞንታና መዘናግዒ ማእከል ኣብ ውሽጡ ኣብ ዝርከብ ባር ድሕሪ ዘጋጠመ ፍንጀራ ሓያሎ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ከም ዝቘሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ፍንጀራ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 01:30 ኣብ ውሽጢ ባር ከምዘጋጠመ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ገና ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል፡ ጽምብል ሓድሽ ዓመት ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ባር ሓዊ እናነደደ የርኢ።
ፖሊስ፡ ንስድራቤት እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ዝኸውን ናይ ሓገዝ መስመር ከምዘዳለወ ገሊጹ።
ክራንስ-ሞንታና ኣብ ማእከል ኣኽራናት ኣልፕስ ስዊዘርላንድ እትርከብ ምቾት ዘለዋ መዘናግዒ ኰይና፡ ካብ በርን ርእሰ ከተማ ስዊዘርላንድ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ርሒቓ ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽምብል ሓድሽ ዓመት ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝደመቐ ኵነታት እዩ ዝፍፀም።
ብዙሓት ግን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝካየድ ምድላዋት እቲ ዝያዳ ፍሉጥን መሳጥን ከምዝኾነ ይዛረቡ።
ሓድሽ ዓመት ምእታዉ ንምብሳር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ታይምስ ስኴር ተኣኪቦም ኣለዉ።
እቲ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ጽምብል ድማ ምውዳቕ ኩዕሶ ኮይኑ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ፍርቂ ለይቲ ሰዓት ምስዝኣክል ዝፍፀም እዩ።
እታ ዓባይ ክሪስታል ኩዕሶ ብመብራህቲታት ዝወቀበት እያ።
ሰዓት ምስኣኸለ ካብቲ ዝተሰቐለትሉ 42 ሜትሮ ዝቑመቱ ዓንዲ ከም እትወድቕ ይግበር።
እዚ ድማ ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2026 የበስር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኒውዮርክ ኣደባባይ ታይምስ (ታይምስ ስኴር) ንሓድሽ ዓመት ብዝቕበሉ ሰባት ተጨናኒቓ።
ፀብፃብ ሲቢኤስ ከምዝሕብሮ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ክተኣኻኸቡ ትፅቢት ይግበር።
መብዛሕቲኦም ሰባት ነቲ ኣብታ ከተማ ዝፍፀም ዓባይ ውቅብቲ ኵዕሶ ካብ ሓደ ልዕሊ 40 ሜትሮ ዝንውሓቱ ዓንዲ ናይ ምድርባይ ስነስርዓት ክሪኡ ኣብቲ ኣደባባይ ዝተረኸቡ እዮም።
እታ ዓባይ ኵዕሶ ብድሙቕ መብራህቲ ዝወቀበት ኮይና፡ ሓድሽ ዓመት ዝቕበሉሉ ሰዓት ምስዝኣክል ካብ ላዕሊ ክትወድቕ ይግበር።


ምንጪ ስእሊ, EPA
እታ ኩዕሶ እትወድቀሉ ሰዓት ክሳብ ዝኣክል ፍሉጣት ድምፃውያን ዝተረኸቡሉ ድግስ ሙዚቃ ኣብቲ ኣደባባይ ይካየድ ኣሎ።
ብርሑቕ ምብራቕ ዝፈለመት ሓዳስ ዓመተ 2026 ናብ ምዕራብ ብምግስጋስ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ከተማታትን ደበኽ ትብል ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock
ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ሃገራት ምብራቕ ነዛ ሓዳስ ዓመተ 2026 ድሮ ብሓጎስ ተቐቢለንኣ ኣለዋ!

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, EPA


ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, RITCHIE B TONGO/EPA/Shutterstock
ኪሪቲማቲ ሓዳስ ዓመት 2026 ዝተቐበለት ፈላሚት ደሴት ኮይና ኣላ።
እታ ኣካል ናይታ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ኪሪባቲ ዝኾነት ደሴት፡ ፈለማ ሓድሽ ዓመት ኣበሲራ።
እታ ብውቁብን ብተዛማዲ ዘይተበከለን ገማግም ባሕሪ ዝተሰለመት ደሴታዊት ሃገር ኣስታት 116 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ'ያ።
ሓያለ ሃገራት ሰላማዊ ውቅያኖስን ኣህጉር ኦሽያናን'ውን ሓድሸ ዓመት ክጽንብላ ጀሚረን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images