
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ኣብ ግብሪ ንምውዓል "ቦርድ ሰላም" ዝመስረተ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነታ ወሽመጥ ንምህናጽ ሓድሽ ውጥን ኣውጺኡ።
እቲ ኣብ ዋዕላ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ዳቮስ ዝቐረበ ውጥን፡ ንኣካላዊ ኣሰር ኲናት ዘህስስ'ዩ ዝመስል።
"ኣብ ቓዛ ዓቢ ዓወት ከነመዝግብ ኢና። ንክትዕዘቦ ዘገርም ክኸውን'ዩ" ክብል'ዩ ትራም ነቲ ዝወጸ ውጥን ዝገልጾ።
ሓንቲ ካብቲ ነቲ ውጥን ዘቕረቡ ሰብመዚ ዝኾነ ሰብኣይ ጓሉ፡ ጃረት ኩሽነር ብወገኑ፡ ህንጸት ቅድሚ ምጅማሩ እቲ ፍርስራስ ክጽረግ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
እቲ ኲናት ብ7 ጥቀምቲ 2023 ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ወሽመጥ ኣስታት 90,000 ቶን መዳፍዕ ከምዝወደቐ ኩሽነር ጠቒሱ። ብሰንኩ ድማ ኣስታት 60 ሚልዮን ቶን ዝግመት ፍርስራስ ተኾሚሩ ከምዘሎ የረድእ።
ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን (ማስተር ፕላን)፡ ሓድሽ ናይ መንበሪ፡ ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻን ቱሪዝምን ዞባታት ክህነጽ'ዩ።
እቲ ኣብ ዳቮስ ዝቐረበ ምስሊ ናይቲ ውጥን፡ ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝህሉ ዞባ ቱሪዝም ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎ 180 ነዋሕቲ ህንጻታት ክህነጽ ምዃኑ የመልክት።
ብዘይካ'ዚ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ቀዋሚ መንበሪ ኣባይቲ፡ 200 ማእከላት ትምህርቲ፡ 75 ትካላት ጥዕና፡ ከምኡ'ውን 180 ማእከላት ባህሊን ሃይኖትን ክህነጽ'ዩ።
"ካብ ውሽጠይ ናይ ልምዓት ህንጻ ሰብ እየ፡ ከባቢ ጥራይ ድማ'ዩ ዘገድስ" ዝብል ትራምፕ፡ ንወሽመጥ ቓዛ ፈለማ ምስራኣያ፡ "ነዛ ጽብቕቲ ቦታ ተመልከቱዋ። ንብዙሓት ሰባት እንታይ ክትከውን ምኻኣለት" ክብል ኣድናቖቱ ከምዝገለጸ'ዩ ዝዝክር።

ምንጪ ስእሊ, White House
መግለጺ ስእሊ, ማስተር ፕላን ዳግመ-ህንጻ ወሽመጥ ቓዛወጻኢ ናይቲ ዝሕሰብ ዘሎ ሰፊሕ-ዳግመ ህንጻ፡ በቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ናይቶ ቦርድ ዝኸፍልኦ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሽፈን'ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።
ድሮ፡ ብዘይካ ኣመሪካ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ባሕሬን፡ ግብጺ፡ እስራኤልን ቱርኪን ዝበላ ሃገራት ናብቲ ቦርድ ክጽንበራ ወሲነን ኣለዋ።
ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ግን፡ እታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ዝኣወጀት ሩስያ ኣባል ክትከውን ብምዕዳማን፡ እቲ ተበግሶ ንሕቡራት ሃገራት ዝትክእ ከይከውን ብምስጋእን ኣባላት ከምዘይኮና ይገልጻ ኣለዋ።
ብመሰረት ውጥን ሰላም ቓዛ፡ እቲ ትራምፕ ኣቦመንበሩ ዝኾነ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቦርድ ንክልተ ዓመታት ነታ ወሽመጥ ብምምሕዳር ንመስርሕ ዳግመ-ህንጻ ክመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ቦርድ፡ ነቲ ካብ ቓዛ ወጻኢ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዓለም ክከታተል ዝዓለመ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።