
ምንጪ ስእሊ, Amhara Media Corporation
ጉዳይ ናይቲ "ወልቃይት" ክብል ዝገለጾ ሰፊሕ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኰነ እታ ክልል ከምዝተመዛበሉን፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተመሊሶም ናብረኦም ይመርሑ ከምዘለዉን ቀዳማይ ሚኒስር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
“ኣፀጊሙና ዘሎ ጉዳይ ወልቃይት እዩ” ዝበለ ኣብዪ፡ እቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋን ኲናት ከምናቱ ብምሓዝ ዘመሓድሮ ዘሎን ኣካል ክልል ትግራይ ዝኾነን ከባቢታት ዘላቒ ፍታሕ ክረክብ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።
እቲ ከባቢ ብሸነኽ ክልል ኣምሓራ ‘ወልቃይት’ ተባሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ብወገን ክልል ትግራይ ግን 'ወልቃይት' ንሓንቲ ወረዳ ምዕራብ ትግራይ ዝውክል ጥራይ እዩ።
"ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኹሉን፡ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም፤ ኣብ ከክንደኦም ኰይኑ ዝውስን የለን፤ ናብ ገዘኦም ተመሊሶም ብሕጊ አገባብ ይወስኑ- ዝብል ቅዋም እዩ ዘለና” ብምባል መርገጺ መንግስቲ ፌደራል ኣነጺሩ።
ኣብ ምጅማር ኲናት ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ተመዛቢሉ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ንመከራን ሕሰምን ተሳጢሑ ከምዝርከብ ይፍለጥ።
"እቲ ዘሸገረና ነገር፡ ኣብ ከባቢ ወልቃይት ዘሎ እዩ። ልክዕ ሓረስታይ ዘሪኡ ምህርቲ ከም ዝጽበ ኩሉ፡ ስደት፡ ምምዝባል፡ ስቓይ ዘሪኦም ካብ ካልኦት ሓይልታት ረድኤት ዝጽበዩ ሓይልታት ኣለው።
"ዝተመዛበለ ኣይትኸይድን ኢሎም ሒዞም፤ ተመዛበልቲ ዘይተመለስሉ ከባቢ እቶም ሰባት ክምለሱ ስለ ዘይደልዩ ዘይኰነ ተመዛበልቲ ትሕጃ ዝገበረ ፖለቲካ ብምህላዉ እዩ።
"ልክዕ ብምጽዋት ዝናበሩ፡ ብደቆም ዝልምኑ፡ ገለ ሰልፊታት ተመዛበልቲ ህልውናኦም ዘናውሕሎም እዮም" ክብል ንመራሕቲ ትግራይ ወቒሱ።
ብወገን ሰብመዚ ትግራይ፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ንክምለስ ('ስታተስኮ' ክረጋገጽ)፡ መንግስቲ ፌደራል ንክልል ኣምሓራ ብምግዳድ ከፈጽሞ ኣይክኣለን ዝብል ነቐፌታ'ዩ ዝስማዕ።
ኣብዪ ግን “ሕጂ’ዉን ኣብኡ ንዘሎ ሓይሊ ዘሕልፎ መልእኽቲ፡ ህዝቢ ናብ ገዝኡ ይመለስ ስርሑ ይስራሕ፡ ንሕና ድማ ፖለቲካዊ ክትዓትና ንቐጽል፤ ህዝቢ ግን ክሳቐ የብሉን ዝብል እዩ" ብምባል'ዩ ዝጽውዕ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት'ውን ርእይቶ ሂቡ።
"ሕጂ ኣብ ትግራይ ተዛማዲ ሰላም ኣሎ፤ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዘራሪበ እየ፡ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝደሊ፤ ሕጂ ካብ ዘለዎ መከራ ዘውጽኦ፡ ከም ካልኦት ከባቢታት ክለምዕ፡ ምስ ካልኦት ህዝብታት ብሰላም ክነብር እዩ ዝደሊ።
ኣብ ትግራይ ብብዝሒ ተወዳዳሪ ዘይብሎም ውድባት ፖለቲካ ከምዘለዉ ግን ድማ፡ ንህወሓት ካብ ምዕጃብ ሓሊፎም ካልእ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክሰርሑ ዘይኽእሉ እዮም ክብል ነቚፉ።
"እቲ ጸገም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ፡ መድረኽ እምበር ተዋሳኢ ክኸውን ዘይምኽኣሉ እዩ። ተቓወምቲ ሰልፊታት ትግራይ ተራ ዓጃቢ ተዋሳኢ እምበር፡ ተራ መሪሕ ተዋሳኢ ክጻወቱ ኣይኽኣሉን።
"ክልቲኦም ዘለውሉ ደረጃ ክቕየር እንተኽኢሉ ግን ብዙሕ ነገር ክቕየር እዩ ኢለ እሓስብ" ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር።
ምስቲ ናይ ሎምቕነ ዝነበረ ጐንፅታት ብዝተኣሳሰር፡ “እቲ ሕዚ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ከም ድምፂ ዑፍ ኢና ንቈፅሮ፤ መጠናዊ ትንኮያታት ይካየዱ ኣለዉ፤ ኢድኩም ኣክቡ ጥራይ ኢና ክንብል ንደሊ” ክብል ብምጥንቃቕ ትዅረት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቶም "ባንዳታት" ዝበሎም ከይኰነስ፡ ኣብቶም “ሰረት ኢትዮጵያ ዘናቓንቝ" ዝበሎም ግንብስም ዘይጠቐሶም ፀላእቲ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቶም ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልሶም ዘይምኽኣሉ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ምስ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ብዘይምቅዳዉ ስልጣኑ ኣረኪቡ ካብታ ክልል ዝወጸ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ግን ተመዛበልቲ ከይምለሱ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ምዃኑ'ዩ ዝኸስስ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጌታቸው፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ንኣምባሳደር ኣመሪካ ብምስናይ ናብ ሑመራ በጺሑ ምስቶም ነቲ ከባቢ ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰብመዚ ክልል ትግራይ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።