መጠንቀቕታ ሳይረን ኣብ እስራኤል ተሰሚዑ
ኣብ መላእ እስራኤል፡ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 08፡15፡ ስግኣት መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዝሕብር መጠንቀቕታ ደወላት ‘ሳይረን’ ተሰሚዑ።
እዚ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገበረቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ንንዩክለሳዊ መደባት ኢራን ንምግታእን ኲናት ንምክልኻልን ዘኽእል ስምምዕ ንብምብጻሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ግዜ ኰይኑ፡ ዝመጽእ ሰሙን እቲ ዘተ ክቕጽል ትጽቢት ነይሩ።
ኢራን ኣብቲ ዝርርብ ገለ ሕድገታት ከም ዝገበረት እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። እቲ ሰበስልጣን ኢራን ነቲ ዝቐረበ እማመታት ክቕበሉ እንተ ዘይኰይኑ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክግበር ምዃኑ ከፈራርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዙሕ ሕጉስ ከም ዘይኰነ ግን ትማሊ ገሊጹ ነይሩ።
ትራምፕ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝተኻየደ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወራር፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ክህነጽ’ኳ እንተ ኣዘዘ፡ ኣድላይነት ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ግን ክገልጽ ኣይከኣለን።
ኢራን ብወገና፡ ንዝፍጸም ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ብሓይሊ ግብረመልሲ ክትህበሉ ምዃና እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል - እስራኤል ካዝ፡ እቲ “መጥቃዕቲ ቅድመ-ምክልኻል”፡ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክወርድ ዝነበረ ስግኣታት ንምእላይ እዩ፡” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻማ፡ ናብቲ ናይ 12 መዓልታት ኲናት ኣምሪሑ። ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ምስ እስራኤል ኣብቲ ግጭት ብምጽንባር ንንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን ዒላማ ገይራ።
ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘስዕቦ ሓደጋ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ንዩክለሳዊ መደባት ኢራን ጥራይ ዘተኰረ ስምምዕ ተቓውሞኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።
ኢራን መደባት ባሊስቲክ ሚሳይል ንምድራት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓማስ፡ ኣብ ሊባኖስ ንሕዝቦላህ፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ምልሻታትን ኣብ የመን ከኣ ንሑቲን ንዝኣመሰሉ ወከልቲ ዕጡቓት እትገብሮ ደገፍ ከተቋርጽ ዝቐረበላ ሕቶ፡ ንልዑላውነታ ዝጥሕስ ብምዃኑ ብምግላጽ ነጺጋቶ እያ።












![ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞድ [ጸጋም] ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/2/27/cbebf14c-fe9a-4e3f-89ed-5dff5aa321ee.jpg.webp)












![ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ [ጸጋም] ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌድኦን ጢሞቲዎስ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/2/25/ee68b579-bc1f-4039-9232-06c46f352cd7.jpg.webp)

