ቀጥታ, ብሪጣንያ ኣብ ኦማን ንዝርከቡ ዜጋታታ ተውጽእ፤ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤ ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ዝዀነ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ። ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሱዳን ንኢትዮጵያ 'ምትዅታዅ' ትፍጽም ኣላ ብምባል ግብረ-መልሲ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ

    ወተሃደር ሱዳን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ወተሃደር ሱዳን

    ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ከባቢታት ክሃርማ ከም ዝጸንሓን ነቲ "ምትዅታዅ" ምላሽ ከም ዝህብ ከም ዘፈራርሐን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዳን (ሱና) ሓቢሩ።

    "መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምሉእ ለካቲትን መጀመርታ መጋቢትን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንዝርከቡ ቦታታት ዒላማ ብምግባር ካብ መሬት ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ድሮናት ክከታተል ጸኒሑ'ዩ። እዚ ተጻባኢ ኣካይዳ... ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ቅሉዕ ተግባር መጥቃዕቲ'ዩ፡" ክብል እቲ ማዕከን ዜና ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

    እቲ ምኒስትሪ ብተወሳኺ፡ "ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ ሳዕቤን ናይዚ ተጻባኢ ተግባራት ክእደቡ ኣጠንቂቑ፡"።

    ሱዳን ኣንጻር እቲ ዝተባህለ ምትዅታዅ፡ "ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ክትከላኸል" መሰል ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።

    ሱዳን ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንጐረቤታ ኢትዮጵያ ብምትእትታው ክትከስስ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

    ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶባትን፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሩባ ኣባይ ብዝሃነጸቶ ዓብዪ ግድብን ሓርፊፉ ጸኒሑ እዩ።

    እታ ሃገር፡ ንተነሓናሕቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ሱዳን ትድግፍ እያ ዝብል ክስታት እውን ይስማዕ እዩ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣባላት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቲ ተዋጋእትን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኢትዮጵያ ብገንዘብ ኢማራት ዓረብ ዝተሃንጹ ኣብ ዝተባህሉ መዓስከራት ይስልጥኑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ ነይሩ።

    ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን፤ ኢማራት ዓረብ ኣብ ግጭት ሱዳን ኢድ የብለይን ብምባል ንዝቐርበላ ክስታት ትነጽጎ።

  2. ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ተዓጽዩ

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኩዌት፡ “ኣብቲ ዞባ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ” ብምጥቃስ “ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ” ነቲ ኤምባሲ ከም ዝዓጽዎ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኤምባሲ “ኩሉ ስሩዕን ህጹጽን ቈንስላዊ ኣገልግሎታት ይዕጾ ኣሎ፡” ኢሉ።

    ብሰኑይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንኩዌት ሓዊሱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ብቕልጡፍ ክወጽኡ መኺሩ ነይሩ።

    እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብሰንኪ "ዝለዓለ ስግኣት ጸጥታ" ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ብምግላጽ፡ ኣመሪካውያን ብዝተኻእለ መጠን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣተሓሳሲቡ።

    ብሰኑይ ኣብ ኩዌት ሰለስተ ወተሃደራዊ ነፈተቲ ኣመሪካ ተሓምሺሸን እየን።

    ኣመሪካ፡ እተን ነፈርቲ 'ብናይ ወገን" ምልውዋጥ ተዂሲ ከም ዝተሃርማ እያ ገሊጻ።

    ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ እያ ኤምባሲ ኩዌት ዓጽያ።

  3. ታከር ካርልሰን፡ ኣመሪካ ንናታንያሁ ‘ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከተእትዎ’ ተማሕጺኑ

    ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶ ታከር ካርልሰን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶን ተሓላቒ ፖለቲካን ታከር ካርልሰን፡ ኣመሪካ ንእስራኤል “ኣይምልከተክን እዩ፡” ክትብላን ንበንያሚን ናታንያሁ ድማ "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከተእትዎ" ተማሕጺኑ።

    “ይቕረታ ግበሩለይ፡ እዚ ጸረ-ሴማውነት ኣይኰነን። ውሳነታት ናይቲ መራሒ ሃገር ንኣመሪካውያን ክቕተሉ ዝገብርን ንታሪኽን ዕድላትን ዓለም ዝጸሉን ዘሎ እዩ። ከምኡ’ውን ንመጻኢ ኣመሪካ።”

    ብምቕጻል፡ "ኣመሪካ ንመንግስቲ እስራኤል 'ኣይምልከተካን እዩ' ክትብሎ ኣለዋ፣ ...ካብዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ንላዕሊ ዋጋ ዘኽፈለ ምምሕዳር የሎን፡” ኢሉ።

    መሓዛ ትራምፕ ዝዀነ ካርልሰን፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከይውሰድ ጸቕጢ ገይሩ። ምእንቲ እዚ ድማ ናብ ዋይትሃውስ ብዙሕ ግዜ ብምኻድ ምስ ትራምፕ ከም ዝተራኸበ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።

    ኣፈኛ ባይቶ ማይክ ጆንሰን ዝርከቡዎም ሓያሎ መራሕቲ ኣመሪካ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ክትፍጽም ምዃና ስለ ዝፈለጡ፡ ነቲ ዋሽንግተን ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ቅድመ-ምክልኻል" ክብሉ ተጣቢቖም ነይሮም - ዋላ'ኳ መግለጺ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ካልእ ዝሕብር እንተ መሰለ።

    በንያሚን ናታንያሁ ክፍየት ኣይሁድ ገይሩ ናብ ታሕቲ እናጠመተ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስ ንበንያሚን ናታንያሁ፡ እስራኤል ንዶናልት ትራምፕ “ጐቲታ ናብ ግጭት ኣእትያቶ ድያ?” ክብል ምስ ሓተቶ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ስሒቑ።

    "ዶናልድ ትራምፕኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ መራሒ'ዩ። ንኣመሪካ ይበቅዕ ዝበሎ እዩ ዝገብር፡” ክብል መሊሱ።

    "ዋጋ ኲናት እፈልጥ እየ" ድሕሪ ምባል፡ "ሓድሓደ ግዜ ግን ካብቶም ዘጥፍኡና ሰባት ንምክልኻል ኲናት ከም ዘድሊ እግንዘብ እየ፡" ኢሉ።

    ኣቐዲሙ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ኣቐዲማ" መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ ምኽንያት፡ "እስራኤል ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ስለ ዝፈለጥና ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

    ሩቢዮ፡ "መጥቃዕትትት ቅድሚ ምጅማሮም መጀመርታ ስጕምቲ ወሲድና ደው እንተ ዘይኣቢልናዮም ዝያዳ ጕድኣት ከም ዝወርደና ንፈልጥ ነይርና፡” ክብል ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ቃለመሕትት ዘካየደ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ፡ ኣመሪካ ንዓመታት ናብ ዝጐትታ ግጭት ክትኣቱ ከም ዘይኰነት ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ንጹር ዕላማ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ “ኢራን ብፍጹም ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይህሉዋ፡” ምርግጋጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

    "ዶናልድ ትራምፕ፡ እዛ ሃገር ዓመታት ናብ ዝወስድ ግጭት ከእቱዋ ዝፈቕደሉ መገዲ የሎን፣ ናብ ከምቲ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዘጋጠመና ጸገማት ኣይክንኣቱን ኢና፡” ኢሉ።

    ቫንስ ብተወሳኺ፡ መሳለጥያታት ንዩክለር ኢራን ከምቲ እቲ ስርዓት ዝብሎ ንሰለማዊ መዓላ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዝተሃንጸ ምዃኑ ሓቢሩ።

  4. 'ኣዝዩ ዘፍርሕ ግዜ' - ነቲ ድሙቕ ሰማያት ዱባይ ናብ ደልሃመት ዝቐየሩ ሚሳየላት

    ዱባይ ንዓመታት ዕድላት ንግድን መገሻን ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ጽባቐን መስሓብን ኰይና እያ ፀኒሓ።

    ኣብ'ቲ ዘይርጉእ ሰፊሕ ዞባ ንዝርከቡ ነበርቲ እውን ውሑስ መዕቆቢ ኮይና ነይራ።

    ሚሳይላት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዱባይ ክዝምብዩ ምስ ጀመሩ ግን፡ ብዙሓታእ ብስንባደ ተዋሒጦም።

    ጓል ኣርባዓ ዓመት ሆፊት ጎላን ሓንቲ ካብኣቶም እያ።

    እታ እስራኤላዊ ካናዳዊ ጸላዊት ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ ልዕሌና ሚሳይላት ክዘንብበ ኣይለመድናን፡" ኢላ።

    "ብፍላይ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ'ቲ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ስንባደ እዩ ፈጢሩልና" ።

    መብዛሕትአን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ክሳብ ሕጂ ዝተዓገታ ክመስላ እንከለዋ፡ ገለ ካብቶም ፍሉጣት ህንጻታት ኢማራት ዓረብ ግን ተሃስዮም ኣለዉ ።

    ካብዚኦም ኣብቲ ምዕሩግ ከባቢ ፓልም ጁመይራ ዝርከብ ሆቴል ፌርሞንት ዘ ፓልምን ሆቴል ቡርጅ ኣል ዓረብን ይርከቡዎም።

  5. መሪሕነት ኢራን ንምእላይ ዝወጽአ መደብ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?

    ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ምሉእ ጸብለልታ ከምዘለወን ብምሕባር፡ ነፈርተን ኣብ ሰማያት ኢራን ከምድልየተን ኣብ ዝመረጸኦ ቦታ ክድብድባ ኣኽኢልወን ከምዘሎ'የን ዝገልጻ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ስለያን ሓበሬታን'ውን ምሉእ ዓብላልነት ስለዘለወን፡ ንሓያለ ሰብ መዚ ረኺበን ክቐትላ ከምዘኽኣለን ይሕብራ።

    ግን እንታይ እዩ እቲ ስትራተጂ? ሓደ ካብቲ መልሲ ምድንጋር ኣብ ምፍጣር ትኹረት ምግባር እዩ።

    ብዓቢኡ ምቕታል ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን፡ ነቲ ስርዓት ምቕያር ዝብል ሓሳብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ባይታ ንኽትግበር ክሕግዝ ድዩ ዝብል'ውን ክንዲ እምባ ዝኸውን ሕቶ'ዩ ዘልዕል።

    ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ብጸብለልታ ሓይሊ ኣየር ጥራይ ለውጢ ምምጻእ ከቢድ'ዩ፡ ኣመሪካ ከኣ ናብ ኢራን ኣጋር ሰራዊት ከተእቱ ክሳብ ሕጂ ድሌት የብላን።

    ኣመሪካ ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዛቶ ዘላ፡ ንጸጥታን ስለያን ኢራን ምውጋድ፡ እቲ ኣብ ጥሪ ተለዓዒሉ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞ ዳግማይ ጀሚሩ ንኽዕወት ዝልዓለ ዕድል ምፍጣር'ዩ።

    ኣሽሓት ብሞት ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝሓዘኑ፡ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓዘኖም ገሊጾም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  6. ዋጋ ጽዕነት ነዳዲ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ደዪቡ

    ኣጋንእ ነዳዲ ዝሓዘት ዓባይ መርከብ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ቻይና ዓቢይ ገንኢ ነዳዲ (ሱፐርታንከር) ንምጓዓዝ፡ 400,000 ዶላር ከም ዝበጽሐ ስቶክ ኤክስቸንጅ ግሩፕ ካብ ለንደን ኣረዲኡ።

    እዚ ዋጋ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካ ንኢራን ከተጥቅዓ ምዃና ካብ ተፈራርሓሉ ዝነበረት እዋን ብዕጽፊ ወሲኹ።

    ኢራን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝርከብ ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሕርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ገይራ እያ።

    ኣስታት ሓደ ሕምሲት ወይ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለም ብመጻብቦ ሕርሙዝ እዩ ዝሓልፍ።

    እዚ ክብረወሰን ዝሓዘ ዋጋ’ዚ፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ክስሕባ ናይ ዝኽእላ ዓበይቲ መራኽብ ዋጋ እዩ።

  7. ኣብ ቴህራን ዝርከብ ዓለማዊ ቅርሲ ዕንወት ወሪዱዎ

    ቤተመንግስቲ ጎለስታን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ቴህራን ዝርከብ ታሪኻዊ ቤተመንግስቲ ጎለስታን፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፡ ስነፍልጠትን ባህልን ውርሻ ዓለም (ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ቅርሲ፡ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ዕንወት ከም ዘጋጠሞ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

    ዩኔስኮ ብዛዕባ ሓለዋ ቅርስታት ስክፍታኡ ገሊጹ ኣሎ።

    ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ኣርግ ፍንጀራ ከም ዘጋጠመ ጸብጺበን ነይረን።

    ቤተ መንግስቲ ጎለስታን ኣብ ግዜ ስርወ መንግስቲ ቃጃር ከም ንጉሳዊ መንበሪ ነገስታት ኢራን ኰይኑ ዘገልገለ ኰይኑ፡ ድሒሩ ድማ ወግዓዊ መንበር ስርወ መንግስቲ ፓህላቪ ዝነበረ እዩ።

  8. ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ ብድሮናት ተሃሪሙ

    ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ድሮን ዝወረደ ዕንወት ዘርኢ ናይ ሳተላይት ምስሊ

    ምንጪ ስእሊ, Vantor

    ምኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ድሮናት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞ ኣረጋጊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ መግለጺ፡ “እቲ ውሱን መጠን ባርዕ ኣብቲ ህንጻ ንኡስ ንዋታዊ ዕንወት፡” ከም ዘውረደ ገሊጹ።

    ተልእኾ ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ጅዳ፡ ሪያድን ዳህራን ንዝርከቡ ኣብ ቦታኦም ዝዕቀብሉ ምልክታ ኣውጺኡ። ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ወተሃደራውያን መዓስከራት ዝግበር ኣገዳሲ ዘይኰነ ምብጻሓት ክድረት ከም ዘለዎ’ውን ይገልጽ።

    ትራምፕን መርበብ ኒውስነይሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮንን ዝሰዓበ ሞት ኣባላትን፡ ሃገሩ ‘ኣብ ቀረባ እዋን’ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ሓቢሩ።

    ኣመሪካ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ሽዱሽተ ኣባላት ክሞቱ እንከለዉ፡ 18 ድማ ከም ዝቘሰሉ ትማሊ ምሸት ኣፍሊጣ።

    ኒውስነይሽን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ትራምፕ ኣብ ባይታ ወተሃደራት ዘድልዩ ኣይመስለንን ከም ዝበለ ሓቢራ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ዓቢይ መጻረዪ ነዳዲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ገዚፍ ዕንወት ከም ዝወረዶ ካብ ዝረኸቦ ሓድሽ ናይ ሳተላይት ምስልታት ክርዳእ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

    እቶም ሎሚ ብቫንቶር ዝተቐድሑ ምስልታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ራስ ታኑራ ዝርከብ ማእከላይ ከባቢ ናይቲ መጻረዪ ነዳዲ ኣብ ዘለዉ መዝሓሊ ግምብታት ባርዕን ንዳድን ከም ዘርኢ ይሕብር።

    እቲ ቦታ፡ ንዋና ታንከር ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ መኽዘናት ብመስመራት ቱቦ ዘራኽብ ኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ 550,000 በርሚል ዝኸውን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።

    ኩባንያ ነዳዲ ኣራምኮ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ መጻረዪ ነዳዲ ንግዜኡ ክዓጽዎ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

  9. ሊባኖስ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ እስራኤል ይቕጽል

    ጸሊም ትኪ ዝፈጠረ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ደቡብ ከተማ በይሩት፡ ሊባኖስ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    እቲ ንጉጅለ ሕዝቦላህ ዒላማታት ዝገበረ ደብዳባት ኣየር ኣብ ደቡባዊ ክፋል ርእሰከተማ በይሩት ዝርከብዎም ሓያሎ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ዕጡቓት ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሮኬታት ድሕሪ ምውንጫፎም'ያ እስራኤል ሓያል ግብረመልሲ ክትህብ ተገዲዳ ዘላ።

    ኣስታት 200 ካልኦት ኣብቲ ደብዳባት ከምዝቖሰሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  10. ፕረዚደንት ትራምፕ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ብኣካል ዝሃቦ ፈላሚ መብርሂ

    ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎንን ተለፕሮምፕተርን መብርሂ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምእዛዙ ብኣካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐት ኢራን ንማእከላይ ምብራቕን ኣመሪካን "ዘይጽወር ስግኣት" ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ዘካይዶ ዘሎ "መጠነ-ሰፊሕ ስርሒታት" ይቕጽሎ ከምዘሎ'ውን ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

    ቴህራን ካብ ዋሽንግተን ንዝቐረበላ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል "ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን ሃቐናኣ ደው ምባል" ብምእባያ መጥቃዕቲ ከምዝኣዘዘ ድማ ይምጉት።

    "እቲ ዝሓሸን ናይ መወዳእታን ዕድል መጥቃዕቲ" ስለዝረኸቡ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ውን ትራምፕ ኣሚቱ።

    ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት "ንዓቕሚታት ሚሳይላት ኢራን ምዕናው" ከምኡ'ውን "ንሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ምድምሳስ" ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

    ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰሙን ከምዝቕጽል ትጽቢት'ኳ እንተነበሮም፡ ቀልጢፉ ይሰልጦም ከምዘሎ'ዩ ትራምፕ ዝዛረብ። እንተኾነ ግን "ኪኖኡ ናይ ምጽናሕ ዓቕሚ" ከምዘለዎም'ውን ኣይሓብአን።

    ትራምፕ፡ ኣብ ኲናት ንዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ናይ ክብሪ መዳልያታት ንምሃብ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተዳለወ ጽንብል'ዩ ነቲ መብርሂ ሂቡ።

  11. ኢማራትን ቐጠርን ሚሳይላት፡ ድሮናትን ነፈርቲን ኢራን ኣውዲቐን

    ድሕሪ መጥቃዕቲ ንሰማይ ዝዓርግ ጸሊም ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Muskaan Kataria

    ኢማራት ዓረብ ካብ ኢራን ዝተወንጨፈላ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ከምዘበርዓነት ገሊጻ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ሎሚ ጥራይ ትሽዓተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን 148 ድሮናትን ብጸረ-ኣየር ሃሪማ ኣውዲቓ ኣላ።

    እቲ ኲናት ካብ ዝፍልም ኣትሒዙ፡ 174 ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰ ተረጋጊጹ። ካብኡ 181 ብጸረ-ሚሳይላት ተሃሪሞም ክብርዕኑ እንከለዉ፡ 13 ኣብ ባሕሪ ከምዝወደቑ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ካብተን ናብ ኢማራት ዘቕንዓ 689 ድሮናት፡ 645 ክብርዕና እንከለዋ፡ 45 ኣብ መሬት እታ ሃገር ክዓልባ ክኢለን።

    ዛጊት ሰለስተ ሰባት ብመጥቃዕቲ ኢራን ክቕተሉ እንከለዉ፡ 68 ቆሲሎም ኣለዉ። ኣብ ንብረትን ኣባይትን ድሩት ዕንወት ከምዝወረደ'ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ'ሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ ቐጠር'ውን ክልተ ነፈርቲ ውግእ ሃሪማ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እተን ተሃሪመን ዝተሓምሸሻ ነፈርቲ ሱ24 'ዝዓይነተን ከምዝኾና ጠቒሱ።

    ብዘይካ'ዚ ሸውዓተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሓሙሽተ ድሮናትን ከምዘበርዓነ ገሊጹ።

  12. ብዓልቲቤቱ ንኣያቶላህ ኻመኒ ከምዝተቐትለት ተፈሊጡ

    ብዓልቲቤቱ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ከምዝተቐትለት መንግስታዊ ተለቪዢን እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

    ማንሶረህ ኾጃስተ ባገርዛደህ ኣብቲ ነቲ ኣያቶላህ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለት ቻነል ክልተ ናይታ መደበር ተለቪዢን ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ጠቒሱ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ከምዝጸንሐት ማዕከናት ዜና ኢራን ክሕብራ ጸኒሐን'የን።

    ኣብቲ ብቐዳም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ጓሉ፡ ወዲጓሉን ሰብኣይ ጓሉን ከምዝተቐትሉ'ውን ይፍለጥ።

    ኣያቶላህ ካመኒን ብዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቂ፣ ኣርባዕተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ዝወለዱ'ዮም ነይሮም።

  13. ቁጽሪ ኣብ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራት ኣመሪካ ከምዝወሰኸ ተረጋጊጹ

    ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ፐንታጎን ጋዜጣዊ መብርሂ እናሃበ

    ኣብቲ እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራት ኣመሪካ ናብ ኣርባዕተ ከምዝደየበ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

    ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተወሳኺ ክሳራት ክህልዎም ምዃኑ ኣሚቱ።

    "ተወሳኺ ክሳራታት ከጋጥመና ምዃኑ ትጽቢት ንገብር ኢና፡ ከምቲ ልሙድ ግን ክሳራታትና ንምንካይ ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።

    እቲ 'ኤፒክ ፊዪሪ' (ቅያ ነድሪ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰዓት 09፡45 ብኣቆጻጽራ ቴህራን ከምዝፈለመ እቲ ኣዛዚ ጠቒሱ።

    ኩሎም ክንፍታት ሓይልታት ኣመሪካ፣ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኮራት ማሪን (ምድረ-ማያውያን)፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ጠፈር፡ ከምኡ'ውን ሓለዋ ዶባት ምስ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለዎ ጀነራል ኬን ሓቢሩ'ሎ።

    ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ናብቲ ዞባ ይውሕዝ ከምዘሎ'ውን ኣብቲ ጋዜጣዊ መብርሂ ተዛሪቡ።

    ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት ብወገኑ፡ ብሞት እቶም ኣርባዕተ ወተሃደራት ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ "እዚ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ናይ ወለዶታት ነጥበ-መቐይሮ እዩ" ክብል ንሰራዊት ኣመሪካ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

    ህዝቢ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ጉልባብ ብምግባር ነቲ እስላማዊ ስርዓት ክዓልዎ ድማ ሄግሰት ኣተባቢዑ ኣሎ።

  14. ንኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተዋህበ መዘኻኸሪ

    ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርእሰከተማ ኣቡ-ዳቢ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ "ኣድላዪ ጥንቃቐታት" ክገብሩ ተማሕጺኑ።

    "ኣብ ምንቅስቓስኩም ኣድላዩ ጥንቃቐታት ክትገብሩ ንሕብር" ክብል ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ መዘኻኸሪ ኣጠንቂቑ።

    "ኩላትኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከይተሰናበድኩም፡ ብምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ ኣገዳስን እዋናውን ሓበሬታን መምርሒታትን [ተኸታተሉ]።

    "ብተወሳኺ ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፡ ስእልታት ይኹን ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት( Social media) ካብ ምልጣፍ ክትቁጠቡ ነዘኻኽር" ይብል እቲ ሓበሬታ ናይቲ ኤምባሲ።

    ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዱባይን ኣቡ-ዳቢን ከምዝርከቡ ይንገር።

    እቲ ሕጂ ብሰንኪ መጥቃዕትታት ኢራን ንጥፈታቱ ኣቋሪጹ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ቀንዲ መሰጋገሪ ዓለምለኻዊ በረራታት ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

  15. ቐጠር ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኢራን ፈሳሲ ጋዝ ምፍራይ ኣቋሪጻ

    ቐጠር ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኢራን ፈሳሲ ባህርያዊ ጋዝ (LNG) ምፍራይ ከምዘቋረጸት መንግስታዊ ትካል ጸዓት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    እቲ ስጉምቲ፡ ገለ መደበራት ጋዝ ዒላማ መጥቃዕቲ ቴህራን ድሕሪ ምዃኖም'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።

    እቶም ዝተጠቕዑ ትካላት ኣብ መሬት ዝርከብ ራስ ላፋን ዝተባህለ መመስርሒን መሳዒድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ጋዝ ዝፈርየሉ ቀንዲ መደበርን ምዃኖም ሃገራዊ ኩባንያ ጸዓት ሓቢሩ'ሎ።

    ቐጠር ካብተን ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ሩስያን ዝርከብአን ቀንዲ ኣፍረይቲ ፈሳሲ ባህርያዊ ጋዝ ምዃና ይፍለጥ።

  16. ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ብዛዕባ ዝደወቓ 'ሓያሎ' ነፈርታ እንታይ ኢላ?

    ተሃሪማ ክትወድቕ ዝተራእየት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ናብ መሬት እናተነቚተት

    ምንጪ ስእሊ, UGC

    መግለጺ ስእሊ, ተሃሪማ ክትወድቕ ዝተራእየት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ

    ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ዝወደቓኣ ነፈርቲ ውግእ፡ 'ብናይ ወገን" ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝተሃርማ ገሊጻ።

    ሰራዊት ኩዌት "ሓያሎ" ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ከም ዝተሓምሸሻን - ኩነታት እቲ ፍጻመ ድማ ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እተን ሰለስተ ተሃሪመን ዝወደቓ ነፈርቲ፡ ካብተን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውሰድ ዘሎ ስርሒት ንምድጋፍ ዝተዋፈራ ኤፍ-15 ዝዓይነተን ምዃነን ጠቒሱ'ሎ።

    "ብሰንኪ ናይ ወገን ምልውዋጥ ተዂሲ ኣብ ልዕሊ ኩዌት ከም ዝወደቓ" እቲ ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ይሕብር።

    ሽዱሽተ ኣብረርቲ ዝርከብዎም ኣባላት እተን ነፈርቲ ብሰላም ከም ዝወጽኡን ከም ዝድሓኑን ግን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ነፈርቲ ውግእ ተወቒዐን ክወድቃ ዘርኢ ቪድዮ ክትከታተሉ ትኽእሉ።

  17. ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ንዝተፈጥረ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘውዓለቶ ገሊጻ

    ምኒስትሪ ጸዓት ስዑዲ ዓረብ፡ ራስ ታኑራ ኣብ ዝተባህለ ብመንግስታዊ ኩባንያ ኣብ ዝመሓደር መጻረዪ ነዳዲ ዝተወልዐ “ውሱን ባርዕ ሓዊ” ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ገሊጹ።

    እቲ ብኤጀንሲ ፕረስ ስዑዲ ዓረብ ዝተመሓላለፈ መግለጺ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መጻረዪ ነዳዲ ክልተ ድሮናት ምስ ተወቕዓ ስብርባረን “ንኡስ መጠን ጉድኣት፡” ከም ዘውረደ፣ ከምኡ’ውን ዝተፈጥረ ባርዕ “ብቕጽበት ከም ዝቐሃመ”ን ዝዀነ መጕዳእቲ ኮነ ሞት ከም ዘየጋጠመን ይገልጽ።

    ኣብቲ ቢቢሲ ሓቀኛ ምዃኑ ዘረጋገጾ ቪድዮ፡ ኣብቲ መጻረዪ ነዳዲ ሓውን ዒግታ ትክን ይርአ።

    ስዑዲ ዓረብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንወተሃደራውያን ሓይልታት ኣመሪካን ምዕራብን ከተአንግድ ዝጸንሐት ኰይና፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቲ “ቅሉዕን ፈራሕን መጥቃዕትታት ኢራን፡” ዝበሎ መጥቃዕቲ ኢራን ዝዅንን መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

    እቲ መጥቃዕትታት ብዕዉት መንገዲ ከም ዝበርዓነን ንዞባ ሪያድን ምብራቓዊ ግዝኣትን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩን ገሊጹ።

    ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ሓዊን ዒግታ ትክን ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, Social media

  18. ሓለዋ ሰውራ ኢራን ናይ ጐደና ተቓውሞታት ከይካየዱ ኣጠንቂቑ

    ኢራናውያን ናብ ጐደናታት ወጺኦም ተቓውሞ ከየስምዑ ብኣሃዱ ስለያ ሓለዋ ሰውራ እስላም መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም።

    እዚ፡ ካብ ውሽጢ ኢራን ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝተላእከ ክልተ መልኽትታት'ዩ ተንፀባሪቝ።

    እቶም መልእኽትታት፡ ዝዀነ ዝካየድ “ናይ ጐደና ናዕቢ” ተቓውሞታት “ብጸላኢ ዝተወጠነ” ምዃኑ ይገልጹ።

    “ጸጥታ ዝዘርግ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ብቐጥታ ምስ ጸላኢ ከም ምትሕብባር ይቝጸር”።

    ኣብ ካልእ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ድማ፡ ዜጋታት ዝዀነ ይዅን ጸጥታ ዝዘርግ ኵነታት እንተ ርእዮም ደዊሎም ክሕብሩ ከም ዘለዎም ይሓትት።

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ድሕሪ ምማቱ ሓጐሶም ዝገልጹ ሰባት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ከም ዝተኣኻኸቡ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። በቲ ካልእ ወገን’ውን ሓዘኖም ዝገልጹ ሰባት ኣብ ቴህራን ኮነ ካልኦት ከተማታት ተራእዮም እዮም።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንመብዛሕትኦም ሰባት ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኢራን እንታይ ይካየድ ኣሎ ንጹር ስእሊ ንምሃብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።

    ገለ ሰባት ብኸም ሳተላይት ስታርሊንክ ዝኣመሰሉ ሜላታት ገይሮም ኢንተርነት ይጥቀሙ ኣለዉ።

  19. ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ኢራን ይሕመሳ ኣለዋ

    ሎሚ ንግሆ ኣብ ዶሃ ከቢድ ነትጒ ተሰሚዑ፤ ኣብታ ከተማ ድማ ትኪ ክወጽእ ይርአ።

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብቲ ትሕቲ ጽሩይ ሰማይ፡ እታ ዝወቐበት ዓበይቲ ህንጻታትን ቪላታትን ዘለዋ ኣቡዳቢ ትርአ።

    እታ ውዕውዕቲ ከተማ ሕጂ በጻሕቲ ዘይብላ፡ ድሪምላይነርን ኣየርባስን ዝዓይነተን ነፈርቲ ዘይኰናስ ባላስቲክ ሚሳይላትን ድሮናታን ካብ ኢራን ዝዓልበላ ከተማ ኰይና ኣላ።

    ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ምኒስተር ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብታ ሃገር "165 ባላስቲክ ሚሳይል፡ ክልተ ክሪዝ ሚሳይልን 541 ድሮናትን" ካብ ኢራን ከም ዝተወንጨፋ ገሊጹ።

    መዓርፎ ነፈርቲ ባሕሬን'ውን ብሰንበት ብርቱዕ ደብዳብ በጺሑዎ።

    ሓደ ነባሪ ባሕሬን ብጽሑፍ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ "ብብርቱዕ ነትጒን ናይ መጠንቀቕታ ደወልን'የ ተበራቢረ፣ ብውሕዱ ዕስራ ግዜ ዝኸውን ናይ ፍንጀራ ድምጺ ሰሚዐ፡" ኢሉ።

  20. ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ እንግሊዛውያን ንምሕጋዝ ይሰራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ

    ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር

    ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ እንግሊዛውያን ዘድሊ ሓገዝ ንምሃብ ‘ኣበርቲዖም’ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢራ።

    ኣብቲ ዞባ 300,000 እንግሊዛውያን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ግምታ ዘቐመጠት እታ ብዓልቲ ስልጣን፡ 102,000 ካብኣቶም ህላውነቶም ከም ዘረጋገጹን ብዛዕባ ድሕነትን ጕዕዞኦምን ብቐጥታ ሓድሽ ሓበሬታ ክረኽቡ ምዃኖምን ተዛሪባ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሓያሎ ሃገራት ክሊ ኣየረን ስለ ዝዓጸዋ፡ ብሪጣንያውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ተጸጊሞም ኣለዉ።

    ኩፐር፡ ነቲ ኵነታት “ወጥሪ ዝበዝሖ” ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ መንግስቲ ዜጋታቱ ብሰላም ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢራ።

    ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብሪጣንያውያን መምርሒ ታት ክወሃቦም ምዃኑን ንጕዕዞኦም ዝምልከት ዝከኣል ዘበለ ኵሉ ኣማራጺታት ይፍትሹ ምህላዎምን ገሊጻ።