ቀጥታ, ብሪጣንያ ኣብ ኦማን ንዝርከቡ ዜጋታታ ተውጽእ፤ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤ ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ዝዀነ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ። ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣመሪካን እስራኤልን ስለምንታይ እየን ናብዚ ሓደገኛ ኩነታት ኣትየን? ተንታኒ ፖለቲካ ቢቢሲ

    ኣብ ቴህራን ዝረአ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Reu

    ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ ሓድሽ ኲናት ንምእታው ዝወሰድኦ ውሳነ፡ ዘይግመትን ኣዝዩ ሓደገኛን ኩነታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝተቐትለ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምግላጹ ድማ ዝያዳ እቲ ኩነታት ዘሻቕል ይገብሮ።

    ሞት እቲ መንፈሳዊ መራሒ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን'ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

    እስራኤል ነዚ መጥቃዕታ ንምፍፃም ከም መመኽነይታ፡ "ቅድመ-ምክልልኻል" ዝብል ቃል'ያ ተጠቒማ ኣላ።

    ኣብ ታሪኽ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ።

    እቲ መመኽነይታ ግን፡ ነቲ ስግኣት ምላሽ ዝህብ ኣይኰነን፤ "ቅድመ-ምክልልኻል" ዝብል ቃል ዘእምን ኣይኰነን፤ የግዳስ ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ።

  2. ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ- መን'ዩ?

    መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ ድሕሪ 1979 እስላማዊ ሰውራ ካልኣይ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ዝዀነ እዩ።

    ካብ 1989 ጀሚሩ ድማ ኣብዚ ዝለዓለ ሓላፍነት ይርከብ፤ ኢራናውያን መንእሰያት ብዘይካኡ ካልእ ዝዓበየ መራሒ ኣይፈልጡን።

    እዚ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ማሽሃድ፡ ብ1939 እዩ ተወሊዱ።

    ንሱ፡ ካብቶም ሸሞንተ ውሉዳት ዝፈረየት ሃይማኖታዊት ስድራቤት ሓደ ዀይኑ፡ ኣቦኡ፡ ኢማም እቲ ኣብ ኢራን ዓብላሊ ዝዀነ ሺዓ-እስልምና እዩ ነይሩ።

    ትምህርቱ ብመጽናዕቲ ቁርኣን ዝተዓብለለ እዩ፤ ኣብ 11 ዓመት ዕድመኡ ድማ ኢማም ክኸውን በቒዑ።

    ግን፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስርሑ ማዕረ ፖለቲካዊ፡ መንፈሳዊ'ውን እዩ ነይሩ።

    እቲ 'ተዛሪቡ ዘስምዕ' ዝበሃል [Orator] ኻሜነይ፡ ምስ ነቐፍቲ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ብእስላማዊ ሰውራ ዝተዓልወ ንጉስ ሻህ ኢራን ተጸንቢሩ።ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ መላግቦ ኣለኩም

  3. ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ተቐቲሉ

    ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

    ኣመሪካን እስራኤልን ካብ ትማሊ ንግሆ ጀሚረን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈጸመኦ መጥቓዕቲ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝርከብዎም ሓያለ ሰብ መዚ ኢራን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

    ክሳብ ሕጂ ዘሎ ምዕባለታት ሕጽር ብዝበለ ከምዚ ይመስል

    • ላዕለዋይ ሃገራዊ ባይቶ ኢራን በቲ ኣመሪካን ኢራንን ትማሊ ቀዳም ዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ ከምዝተቐተለ ኣፍሊጡ፡ እቲ መግለጺ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተነቢቡ
    • ነቲ ሞት ዘንበበ ጋዜጠኛ እናነበዐ፡ ን40 መዓልታት ናይ ሓዘን መዓልታት ተኣዊጁ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡ መተካእታ ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ ኣብ ቀረባ ክምዘዝ ምኻኑ’ውን ተሓቢሩ
    • ማሕበር ቀይሕ ወርሒ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ፡ መላፍነቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ከኣ ኣስታት 40 ዝዀኑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢራን በቲ ትማሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ጸብጺቡ
    • ከም ግብረ መልሲ ኢራን ብወገና፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ንዘለዎ ቦታታትን ምስ ኣመሪካ ሽርከነት ኣለወን ንዝበለተን ሃገራትን ደብዲባ፡ ካብዚአን ዱባይ፡ ዶሓ፡ ባሕረይንን ኵየትን ይርከብአን
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ሰር ኪር ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ህዝባን ዞባውያን መሻርኽታን ንምክልኻል ኣብቲ ዝተወሃሃደ ስርሒት ዞባዊ ምክልኻል ተጸንቢራ ምህላዋ ኣፍሊጡ
    • ዶናልድ ትራም ኣቐድም ኣቢሉ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ “እቲ ኣብ ታሪኽ ዝሸይጠነ” እዩ ብምባል፡ ሞት ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ ንህዝቢ ኢራን ሃገሩ ንኸምልስ “እቲ እንኮን ዝሓሸን ዕድል” ሕጂ ምዃኑ ኣፍሊጡ
  4. ኢራን፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ብኸመይ’ዩ ቅጽበታዊ ኰይኑ?

    ኢራን፡ ነቲ ቀዳም ንግሆ ካብ ኣመሪካን እስራኤል ዝወረዳ መጥቃዕቲ ዝሃበቶ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ’ሎ።

    ንታሪኻዊ ኵነታት ምልስ ኢልካ ምስ ዝርአ እቲ ኣዋህባ ምላሽ ዝተፈልየ ምንባሩ ኢና ንዕዘብ።

    እቲ ኣብ ሰነ 2025 ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢራን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ማዕበል መጥቃዕቲ ዒላማ ኮይኖም።

    ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ሰበስልጣን እስላማዊት ሪፓብሊክን ኢራንን ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለወን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ክወሃብ ዝኽእል ግብረመልሲ፡ ኣብ ዝምልከት ኣብ ምምይያጥ ብዙሕ ሰዓታት ኣሕሊፈን።

    እዚ ተመኵሮ’ዚ ንመንግስቲ ሓድሽ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድሕሪ እቲ ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ዒራቕ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሓንቲ ባዕዳዊት ሃገር ኣብ መሬት ኢራን ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ንፈለማ እዋን ስለዝነበረ።

    እስራኤል፡ ብ13 ሰነ 2025፡ ብኣቈጻጽራ ከባቢ ሰዓት 6፡30 ንግሆ ሓሙሽተ ማዕበላት መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ክሳብ ሰዓት 7፡00 ቅድሚ ቀትሪ ምማቶም ተረጋጊጹ።

    ነዚ ስዒቡ መጠንቀቕታ ክህብ እንከሎ እቲ ናይ መጀመርታ ጸረ-መጥቃዕቲ ኢራን ግን ክሳብ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ምሸት ኣይተጀመረን ነይሩ። እዚ ምድንጓይ ብቐንዱ ብሰንኪ ዒላማ ምግባር ዋና ቤት ጽሕፈት ማእከላይ እዚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓለዋ ሰውራ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ወተሃደራዊ ውሳነ ምድንጓይ ኣስዒቡ።

    እዚ፡ ድሕሪ ኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብቐዳም 28 ለካቲት ዝተራእየ መጥቃዕትን ቅልጡፍ ምላሽን እቲ ዳይናሚክስ ኣዝዩ ተቐይሩ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

    ምሉእ ትሕዝቶ በዚ መላግቦ ኣቲኹም ኣንብቡ፤

    https://soxl-monitor.pages.dev/bbc/tigrinya/articles/c4g29zdljd5o

    ፍንጀራ ኣብ ማእከል ባሕሪ

    ምንጪ ስእሊ, Jalaa MAREY / AFP via Getty Images

    ዝተሓብኡ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዝሃድሙ ቈልዑ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  5. ኢራን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ደቀንስትዮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 40 ሰባት መይቶም

    ሓደ ብዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢርና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ብ28 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ሚናብ ኢራን ኣብ ግዝኣት ሆርሞዝጋን ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

    ኣመሓዳሪ መሓመድ ራድመህር፡ ካልኦት 48 ሰባት’ውን ከም ዝቘሰሉ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ሻጃርህ ጣየበህ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቍጽሪ ሞት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን - ኣህጉራውያን ትካላት ዜና መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ኢራን ክኣትዋ ቪዛ ስለ ዝኽልከላ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ዓቕመን ዝተደረተ ይኸውን።

    ብሕልፊ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምቍራጽ ኢንተርነት ኣሎ፣ መጥቃዕቲ ሳይበር’ውን ተፈጺሙ ነይሩ።

  6. ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤል ኢራን ከይተንከፈቶም ‘ዘይሕጋዊ’ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ከሲሱ

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዘካይድኦ ዘለዋ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኢራን ከይቀስቀሰቶም ዝወሰድዎ ዘይሕጋዊ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ምኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ዶናልድ ትራምፕ “ካብ ቅድም ኣመሪካ ናብ ቅድም እስራኤል፡” ከም ዝቐየረን እዚ ማለት ድማ “ኣመሪካ ኵሉ ሳዕ ኣብ መጠረሽታ፡” ማለት እዩ ኢሉ።

    ቀጺሉ፡ ሓያል ሰራዊት ኢራን “ንኸምዚኦም መዓልታት ከም ዝተዳለዉን ነቶም ወረርቲ ዝግብኦም ትምህርቲ ከቕስሙዎም እዮም፡” ክብል ተሓንዩ።

  7. ኢራን፡ ‘ሕጋዊ መሰል ርእሰ-ምክልኻል’ ናብ ሃርራት ወሽመጥ ዓረብ ዘቕንዐ መግለጺ ኣውጺኣ

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ሃገሩ ነብሳ ናይ ምክልኻል ብዘለዋ መሰል መሰረት ኵሉ ዘለዋ ወተሃደራዊ ኣማራጺታት ከም እትጥቀም ገሊጹ።

    ኣራግቺ ንኸም ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር፡ ኩዌት፡ ባሕሬንን ዒራቕን ዝርከብአን መሓዙት ሃገራት ተለፎን ብምድዋል፡ ሓድነት ኢራን ንምሕላው፡ ኣብ ዘለዋ “ሕጋዊ መሰል ርእሰ-ምክልኻል፡” ተመርኲሳ፡ “ኵሉ ናይ ምክልኻል ወተሃደራዊ ዓቕሚታት፡” ክትጥቀመሉ ምዃና ገሊጹሎም።

    ኣራግቺ፡ ኣመሪካን እስራኤል ኣብ ዘካይድኦ መጥቃዕቲታት “መሳለጥያታተንን ግዝኣታተንን ብዘይግቡእ ከይጥቀማ” ክከላኸላ ንዘለወን ሓላፍነታት ኣዘኻኺሩ።

    ምኒስተር ዓባስ እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  8. ሕጋዊ ምኽንያት ክትረኽበሉ ዘጸግም ኲናት

    ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ ሓድሽ ኲናት ንምእታው ዝወሰድኦ ውሳነ፡ እዚ እዩ ኢልካ ክግመት ዘይክእል ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ኵነታት ክፈጥር ምዃኑ ኣይተርፍን። እስራኤል ንመጥቃዕታ ንምምኽናይ "ቅድመ-ምክልኻል" ዝብል ቃል እያ ተጠቒማ።

    እዚ መግለጺ ግን ነቲ ንኢራን ከም ስግኣት ዘቕርብ ትረኻታት ዝኸውን መርትዖ ኣይኰነን። ተቐዳዲምካ ምጥራዕ ዝዓይነቱ ኰይኑ፡ ብሓፈሻኡ እቲ ኲናት ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ።

    እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ኢራን ዘሎ እስላማዊ ስርዓት ኣብ ቀረባ ኣሎ ዝብል ቅማረ እዩ ዘለወን፤ ብሰንኪ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዘጋጠመ ሰፊሕ ሰልፊታት ጸረ-መንግስትን፡ ዝተወስደ ጨፍላቒ ስጕምትን ኣብ ርእሲኡ ድማ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣዝዩ ተሃስዩ ተዳኺሙን እዩ ዝብል ገምጋም እዩ ዘለወን። በዚ ድማ እዚ ክባኽን ዘይግብኦ ዕድል እዩ ነይሩ ዝብል መደምደምታ ኣለወን።

    እዚ ድማ ነቲ ተዳኺሙ ዘሎ ስርዓት ኣህጉራዊ ሕጊ ካልእ ጽፍዒት እዩ።

    ክልቲኦም - ፕረዚደንት ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁን - ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኢራን ንሃገራቶም ሓደጋ ምዃና ገሊጾም - ትራምፕ፡ “ኢራን ዓለምለኻዊ ሓደጋ ምዃና” እውን ገሊጹ።

    እስላማዊ ስርዓት ኢራን ብርግጽ ተሪር ጸላኢኦም እዩ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ወገን፡ ኢራን ድማ በቲ ካልእ ወገን ዘሎ ዓቢ ናይ ሓይሊ ፍልልይ ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ እቲ “ርእስና ንከላኸል ኣለና” ዝብል ምጕት፡ ብመንጽር ሕጊ ብኸመይ ምኽንያት ክርከቦ ይኽእል ንምርኣይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

  9. መራሕቲ ዓለም ዝሃቡዎ ግብረመልሲ

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዘካይድዎ ዘለዉ፣ ከምኡ’ውን ኢራን ንዘውስዱዎ ዘለዉ ፋዳይ ሕነ ስጕምቲ ስዒቡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓለም ግብረመልሲ ሂቦም ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር “ቀታሊ ስርዓት” ስርዓት ኢራን “ሰፊሕ እገዳ፡” ከም ዘንበረ ብምዝኽኻር፡ "ኵሎም ወገናት ዝለዓለ ነብሰ-ግትኣት ክገብሩ፡ ንሰላማውያን ሰባት ክከላኸሉን ኣህጉራዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ከኽብሩን ንጽውዕ፡" ኢላ።

    ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃገሩ “ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ዓሪጉ፡” ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። ቀጺሉ፡ "ረብሓታትና ንምሕላው ድልዋት ኢና፡" ኢሉ።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ኢጣልያ ኣብ ጐድኒ ሰለማዊ ህዝቢ ኢራን ምዃና ብምግላጽ፡ ስቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ክኽበር ከም ዝግባእ ይገልጽ።

    እቲ ቤትጽሕፈት ወሲኹ፡ ቀዳመይቲ ምኒስተር ሜሎኒ ምስ መሓዙትን ዞባውያን መራሕትን ብምልዛብ ነቲ ወጥሪ ኣብ ምዝላቕ ንዝግበር ጻዕሪታት ክትድግፍ ምዃና ሓቢሩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ሃገሩ “ኣንጻር ጭቆና ኣብ ዝገብሩዎ ቃልሲ ምስ ተባዕ ህዝቢ ኢራን ደው ኢላ ኣላ” ብምባል፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይትውንን ኣመሪካ ንእትገብሮ ጻዕሪ ከም እትድፍ ገሊጹ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ንተግባራት ኣመሪካን እስራኤልን “ግዲ ኣልቦ” ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ምዃኑ ሓቢሩ። ሩስያ እቲ ኵነታት ናብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፍታሕ ክምለስ ትጽውዕ።

    መካይን ብብዙሕ መስመራት ተሰሪዐን ይርኣያ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቴህራን ዝተራኣየ ሪጋ መካይን
  10. ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ

    ኣብ ቴህራንን ካልኦት ከተማታትን ብርክት ዝበሉ ፍንጀራታት ተሰሚዖም።

    ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ከምኡ’ውን ኣብ ቴህራን ዝርከብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት’ውን ዒላማ ከም ዝተገብረ ይግለጽ ኣሎ።

    ወተሃደራዊ ቦታታት ኣብ ከርማሻን፡ ቁም፡ እስፋሃን፡ ታብሪዝ፡ ካራጅ ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ከናራክ ኣብ ዝርከቡ መሳለጥያታት ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ዒላማ ተገይሩ’ሎ።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሰለማውያን ሰባት ካብ ጥቓ ወተሃደራዊ ቦታታትን ትካላትን ዝርከቡ ከባቢታት ክወጽኡ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ቴህራን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ነበር ማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ ከም ዝተሃርመ ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ምስልታት ኣለዉ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ተጐዲኡ ድዩ ኣይተጐድአን ንጹር ኣይኰነን።

    ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ኵነታት ብህድኣት ይከታተሎ ከም ዘሎን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ብዙሓት ሆስፒታላት ክዳለዋን ሓቢሩ።

  11. ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ቐጠርን ኢማራትን ኣብ ዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ብሚሳይላትን ድሮናትን ከምዘጥቅዐ ኣፍሊጡ

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ቐጠርን ኢማራትን ኣብ ዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ብሚሳይላትን ድሮናትን መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸመ ኣፍሊጡ።

    መግለጺ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሚሳይላቶምን ድሮናትን ኣብ ባሕሬን ንዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ካልኦት ኣብ ቐጠርን ኢማራትን ዝርከብ መደበራት ኣመሪካ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ "ወተሃደራውን ጸጥታውን ማእከላት" ዒላማ ከም ዝገበሩ ሓቢሩ።

    ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

  12. ፍቕርን ምሕዝነትን ኢራንን ኣመሪካን ዘፍረሰ እንታይ'ዩ?

    Skip YouTube post
    ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

    End of YouTube post

  13. ኣብ ኢራን ‘ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ’ ኢንተርነት ጠፊኡ

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢራን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምጥፋሕ ኢንተርነት ከም ዘጓነፈ ትካል ምክትታል ኢንተርነት ኔትብሎክስ ሓቢሩ።

    ኣብታ ሃገር ኢንተርነት ክጠፍእ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

    ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ጥራይ፡ መንግስቲ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ኣብ ዝጭፍልቐሉ ዝነበረ እዋን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኢንተርነት ኣጥፊኡዎ ነይሩ።

    ገለ ሰባት ንሓጺር እዋን ስፔስ-ኤክስ ስታርሊንክ ሳተላይትን ቪፒኤንን ዝኣመሰሉ ሜላታት ተጠቒሞም ክጥቀሙ ክኢሎም ነይሮም። እቶም ከምኡ ዝኣመሰለ መሳርሒታት ዘለዎም ሰባት ተመሳሳሊ ሜላታት ዳግማይ ክፍትኑ ተኽእሎ ኣሎ።

  14. ኣብ ባሕሬን ፍንጀራ ተሰሚዑ

    ኣብታ ሓምሻይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተጸጊዑላ ዘሎ ርእሰ ከተማ ባሕሬን ሓያል ፍንጀራታት ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ።

    ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ - ኤኤፍፒ - ኣብ ባሕሬን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ማናማ ፍንጀራ ከም ዝሰምዑ ኣረጋጊጾም።

    እዚ ፍንጀራ፡ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕሬን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ተኸታታሊ መጠንቀቕታታት ህጹጽ እዋንን ስዒቡ ዝተሰምዐ ሳይረን ዝተፈጸመ ምዃኑ ተገሊጹ።

    እቲ ምኒስተር፡ ነበርቲ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ድሒሩ ድማ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር፡ ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ማእከል ኣገልግሎት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ 'ብሚሳይል መጥቃዕቲ ተቓሊዑ' ክብል ኣፍሊጡ።

    ማእከል ኣገልግሎት 5ይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ “መጥቃዕቲ ሚሳይል ተፈጺምዎ'ሎ” ዝበለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ባሕሬን (BNA)፡ "ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ግዚኡ ክቐርብ'ዩ" ይውስኽ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ግን ምስ ዝኾነት ሃገር ኣየተሓሓዞን ዘሎ።

    “ህዝቢ ብዝምልከቶም ወግዓዊ ኣካላት ዝወሃብ መምርሒታት ክኽተልን ካብ ወግዓዊ ምንጭታት ጥራይ ሓበሬታ ክረክብን" ይምሕጸን።”

    ባሕሬን ዋና ቤት ጽሕፈት 5ይ ጭፍራ መራኽብ ዝነብረላ ኰይና፡ እቲ ጭፍራ ንወሽመጥ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባሕሪ ዓረብን ገለ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘጠቓልል ከባbኢታt ሕላፍነት ይስከም።

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ባሕሬን መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ክፍጸም ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ዝተዋህበ ርእይቶ ግን የለን።

    ኢራን፡ ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ኣመሪካ እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ መደበራትን ረብሓታትን ኣመሪካ ዒላማ ገይራ ሕነኣ ክትፈዲ ምዃና ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።

  15. ትራምፕ፡ ንኢራናውያን “መንግስትኹም እለዩ” ክብል ጸዊዑ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኢራናውያን ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዘካይድኦ ዘለዋ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተጠቒሞም ኣብቲ ሃገር ንዝርከብ ሃማኖታዊ ስርዓት ክኣልዩ ጸዊዑ።

    “ምስ ወዳእና፡ ንመንግስትኹም ኣልግሱዎ። ክትኣልዩዎ ናትኩም ግደ ክኸውን እዩ። እዚ ምናልባት ኣብ ወለዶታት ዝርከብ እንኮ ዕድልኩም ክኸውን ይኽእል እዩ፡” ክብል ገሊጹ።

    ብተወሳኺ፡ ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ኢራን፡ ኣጽዋሮም እንተ ኣቐሚጦም “ከለላ” ከም ዝወሃቦም፣ እንተ ዘየሎ ግና “ሞት ከም ዘጋጥሞም፡” ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ኣብ ፈለማ ጥሪ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝካየደ ንዝነበረ ተቓውሞ ጸረ-መንግስቲ ኣብ ዝጨፍለቕሉ እዋን፡ ንኢራን ከጥቅዓ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

    ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 6,480 ሰባት ከም ዝሞቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

    ትራምፕ፡ እቶም ነቲ ተግባራት ዝፈጸሙ፡ እቲ ሕነ ክፍደዩዎ ምዃኖም ብምጥንቃቕ፡ ነቶም ሰልፈኛታት “ሓገዝ ኣብ መንገዲ ከም ዘሎ” ኣተስፍዩዎም ነይሩ።

    እንተዀነ እቲ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ መዓልታት እቲ ቅትለታት “ደው ከም ዝበለ” ካብ መንግስቲ መረጋገጺ ከም ዝተቐበለ ብምግላጽ፡ ኣተኵሮኡ ናብቲ ዘሰሓሕቦም ዝነበረ ጉዳይ ምምዕባል ንዩክለስ ኣዚሩ።

  16. መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ልዕሊ ኢራን

    ኣመሪካን እስራኤልን ብሓባር ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈታሉ፡ ምስ መንግስቲ ኢራን ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜናን መርበባት ሓበሬታን ዒላማ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀና ቻነል ተለግራም ናይቲ ጽኑዕ መርገጺ ዘለዎ መርበብ ሃምሻህሪ ሓቢሩ።

    እቲ ጸብጻብ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ወተሃደራዊ ምዕባለ፡ "ሰፊሕ ማዕበል" ስርሒታት ሳይበር ከም ዝተጀመረን ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታ ውሽጢ ዓዲ ምዝባዕን ወይ ስርሒታዊ ጸገማት ከም ዘጋጠሞምን ገሊጹ።

    ብመሰረት እቲ ቻነል፡ መንግስታውን ሓውሲ መንግስታውን መርበባት ሓበሬታ ተጠቒዖም ኣለዉ፤ እዚ ማለት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢርናን ሓውሲ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኢስናን ካብቶም ብሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እዮም።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢራን ብሰፊሑ ዝጥቀምሉ መተግበሪ ዝጸሉ ምትዕንቓፍ ከም ዘሎ ዝሕብር ጸብጻባት ኣሎ፤ ብዛዕባ እንታይነት ወይ ምንጪ ናይቲ መጥቃዕቲ ግን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

  17. ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ቴህራን ዒግታ ትኪ ይርአ

    ኣብ ልዕሊ ቴህራን ከቢድ ዒግታ ትኪ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ንግሆ ብርቱዕ ነትጒ ኣብ ቴህራን ተሰሚዑ
    ሰባት እናሃደሙ ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ተቐማጦ ቴህራን ድምጺ ነታጒ ምስ ሰምዑ ናብ መዕቈቢኦም ሃዲሞም
    ትኪ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  18. ብማዕከናት ዜና ኢራን ዝተዘርግሑ ስእልታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቴህራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት

    ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ቴህራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት ዝገልጽ ምስሊ ኣውጺአን ኣለዋ።

    ምንጪ ስእሊ, Fars

    ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ቴህራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት ዝገልጽ ምስሊ ኣውጺአን ኣለዋ።

    ምንጪ ስእሊ, IRNA

    ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ቴህራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት ዝገልጽ ምስሊ ኣውጺአን ኣለዋ።

    ምንጪ ስእሊ, Fars

  19. ናታንያሁ፡ ኣብ ኢራን ዘሎ ስርዓት ‘ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክዓጥቕ የብሉን’ ኢሉ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዜጋታት እስራኤል፡ እስራኤልን ኣመሪካን ነቲ ኣብኢራን ዘሎ ግብረሽበራዊ ስርዓት ዘስዕቦ ናይህላወ ስግኣት ንምእላይ ስርሒትጀሚረን ኣለውዋ፡" ኢሉ።

    “ንብሉጽ ዓርክና ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስለቲ ታሪኻዊ መሪሕነቱ አመስግኖ። ስርዓት ኣያቶላህ ን47 ዓመታት ‘ሞት ንእስራኤል’፡ ‘ሞት ንኣመሪካ’ እናበለ ክጭድር ጸኒሑ እዩ።”

    "ደምና ክዕዩ፡ ሓያሎ ኣመሪካውያን ቀቲሉ፡ ናይ ገዛእ ርእሱህዝቡ ድማኣህሊቑ። እዚ ቀታሊ ግብረሽበራዊ ስርዓት ንዅሉ ሰብኣውነት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዘኽእሎ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክዓጥቕ የብሉን። ብሓባር እንወስዶ ስጕምትና ነቲ ተባዕ ህዝቢ ኢራን ዕድሉ ኣብ ኢዱ ዝጭብጠሉ ኵነታት ክፈጥር እዩ።"

    "ኵሎም ክፋላት ህዝቢ ኢራን - ፋርሳውያን፡ ኩርዳውያን፡ ኣዘርውያን፡ ባሉቺታውያን ኣሕዋዛውያን - ኣርዑት ምልኪ ደርብዮም ናጻን ሰላማዊትን ኢራን ዘምጽእሉ እዋን በጺሑ'ሎ።"

    "ዜጋታት እስራኤል ንመምርሒታት ትእዛዝ ግንባር ውሽጢ ሃገር ክትሰምዑ ጻውዒት እገብር። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት፡ ኣብ ስርሒት 'ምጕዛም ኣንበሳ'፡ ኵላትና ኒሕን ጽንዓትን ክህልወና ክንሕተት ኢና።"

    "ብሓባር ደው ክንብል ኢና፣ ብሓባር ክንቃለስ ኢና፣ ብሓባር ድማ ዘልኣለማውነት እስራኤል ከነረጋግጽ ኢና።"

    ቀዳማይ ምኒስተር ናታንያሁ ኣብ ጽልምት ዝበለ ገዛ ንጐድኒ እናጠመተ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

  20. ሓሙሽተ ከተማታት ኢራን ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ተሃሪመን

    ማዕከን ዜና ፋርስ ኢራን ኣብ ከተማታት እስፋሃን፡ ቁም፡ ካራጅን ከርማሻንን ከምኡ’ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ፍንጀራ ከም ዝተሰምዐ ኣቕድም ኣቢላ ሓቢራ።

    ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣመሪካን ዝተሃርማ ሓሙሽተ ከተማታት ኢራን ዘርኢ ካርታ