
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ስርዓተ ምክልኻል ኣየር እስራኤል ኣብ ኣሽቃሎንኲናት
እስራኤልን ኣመሪካን ኣንጻር ኢራን ካብ ዝጅምር ሳልሳይ መዓልቱ ረጊጹ ኣሎ። ኵላቶም ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣየር መጥቃዕቲታት የካይዱ
ኣለዉ።
• ዶናልድትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ "ኵሉ ዕላማታትና ክሳዕ ዝዕወት" ኣንጻር ኢራን ዝካየድ "ስርሒታት ውግእ" ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
• ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ኢራን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላቱ ከም ዝተቐትሉን ሓሙሽተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ትራምፕ "ዝያዳ" ክሳራ ክህሉ ምዃኑ ሓቢሩ።
• እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ናብ እስራኤል ገጹ ሚሳይላትን
ድሮናትን ድሕሪ ምውንጫፉ፡ ሎሚ ወጋሕታ ሕዝቦላህን ወተሃደራዊ መሳለጥያታቱን ይርከቦ ናብ ዝበለቶ ዒላማታት መጥቃዕቲ ጀሚራ።
• ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ
ደቀንስትዮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 153 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም። ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ድማ ነቲ ፍጻመ፡
“ባርባራዊ ተግባር፡” ክብል ገሊጹዎ።
• ሚሳይላትኢራን ንኸተማ ቤት ሸመሽ ብምውቃዕ፡ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል ማገን ዳዊት ኣዶም ሓቢሩ። እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ።
• ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
ብዝገበረቶ መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ባሕሬን፡ ኣብ ዒራቕ ከተማ ኤርቢልን፡
ከምኡ’ውን ኣብ ዮርዳኖስ ደብዳባት ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።
• ሎሚ ኣብ ዝተኸፍተ ዕድጋ እስያ፡ ዓለማዊ ዋጋ
ነዳዲ ናህሪ ኣርእዩ ኣሎ።
• ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ሃገሩ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ብሪጣንያ ንመዓላ ነብሰ ምክልኻል ንኣመሪካ ከተፍቅደላ ምዃና
ሓቢሩ። እንተዀነ፡ “ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጥቃዕቲ ስጕምቲታት ኣይክትጽንበርን እያ፡” ኢሉ።
• ሓይሊ ኣየር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቆጵሮስ ናብ
ዝርከብ መዓስከር ከም ዝተሰደ ዝተጠርጠረ ናይ ድሮና መጥቃዕቲ ምላሽ ይህብ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።