ሓድሽ ምላሽ ኤርትራ ንሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ
ሓድሽ መግለጺታት መራሕቲ ኢትዮጵያ "ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ሓደገኛ ሳዕቤናት" ኣለዎ ክትብል ኤርትራ ኣጠንቂቓ።
ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ ምላሽ፡ ዝበዝሐ እዋን ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር እዩ ዝወጽእ።
"ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ እናተደጋገመ ዝቐርብ ሓደ ቃና ዘለዎ መዝሙር፡ ተመሳሳሊ መርዛምን ዘይሕጋውን ምንዳይ 'ልኡላዊ' ኣፍደገ ባሕሪ" እዩ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ለይቲ ብኤክስ ምላሽ ሂቡ'ሎ።
"ፖለቲካዊ ጸወታ ትያትር ሰልፊ ፖተምኪን [ብልጽግና] እናሓደረ ናብ ትርጉም-ኣልቦነት ይሰጋገር ኣሎ"።
እቲ "ብስም 'ህጹጽ ኣድላይነት ልምዓት' 'ነጺሁን ተሓጺቡን' ዝቐርብ ዘሎ ጠለብ፡ ዘርኢ ዘየድሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን" ምዃኑ'ዩ የማነ ዝነቅፍ።
ትማሊ ኣብ ዝወጸ ቃለመሕትት፡ ነቲ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ 2023 ኣትሒዙ ከም ዛዕባ ናብ ባይቶን ኪኖኡን ብምምጻእ ኣጀንዳ ዝገበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምስላታት ዝተወንዘፈ ነቐፌታን መጠንቀቕታን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መራሕታን ወርዊሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀ ስላሴ፡ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝርከብዎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ብኣጋጣሚ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም ነይሮም።















