እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ቀጥታ, ብሪጣንያ ኣብ ኦማን ንዝርከቡ ዜጋታታ ተውጽእ፤ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤ ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ዝዀነ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ። ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።
ዜናታት
ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።
ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስላታት ትግርኛ ብምጥቃም ንትግራይን ኤርትራን ተሪር መጠንቀቕታታት ኣሕሊፉ። "ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለው፡" ብምባል'ዉን ነቒፉዎም።
ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኢራን ክትሳተፍ ድያ? ተስፋ ኣፍሪቃ'ኸ እንታይ ይመስል?
ኢራን ነዚ ውድድር ብዝምልከት እንታይ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል? ኣብዚ ውድድር ዝሳተፋ ጋንታታት ሃገራት ኣፍሪቃ በዓል መን እየን? ተስፋ ኣፍሪቃ'ኸ እንታይ ይመስል። እዚ ጽሑፍ ነዞም ሕቶታት መልሲ ይህብ።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ናብቲ ኲናት ተጐቲተን ክኣትዋ ድየን?
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ናብቲ ኲናት ተጐቲተን ክኣትዋ ድየን?
መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?
መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ 'ዘልኣለማው'ን 'ኣካል ልኡላውነትን' ምዃኑ ተዛሪቡ
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንወደብ ዓሰብ ናይ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ "ብሓይሊ" ንምሓዝ ተርእዮ ዘላ ድሌት፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ኲናት ከም ዝውላዕ ገይሩ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ናብ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከይወስዶ ስግኣት ኣለዓዒሉ ይርከብ።
እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?
ክሳብ ሰኑይ 2 ለካቲት 2026፡ ቀይሕ ወርሒ ኢራን ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 130 ቦታታት 555 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ጥቓ መደበር ዘብዒ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም።
ነቲ ድሙቕ ሰማያት ዱባይ ናብ ደልሃመት ዝቐየሩ ሚሳየላት
ዱባይ ንዓመታት ዕድላት ንግድን መገሻን ንዝደልዩ ወጻእተኛታት፡ ጽብቕትን ሰሓቢትን መዕረፊት እያ ዝብል ዝና ኣኻዕቢታ ጸኒሓ። ኣብ ዘይርጉእ ሰፊሕ ዞባ ንዝርከቡ ነበርቲ እውን ውሑስቲ መዕቈቢት ኰይና እያ።
መሪሕነት ኢራን ንምእላይ ዝወጽአ መደብ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?
ኣመሪካን እስራኤል፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢራን ምሉእ ጸብለልታ ከምዘለወን ብምሕባር፡ ነፈርተን ኣብ ሰማያት ኢራን ከምድልየተን ኣብ ዝመረጸኦ ቦታ ክድብድባ ኣኽኢልወን ከምዘሎ'የን ዝገልጻ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ስለያን ሓበሬታን'ውን ምሉእ ዓብላልነት ስለዘለወን፡ ንሓያለ ሰብ መዚ ረኺበን ክቐትላ ከምዘኽኣለን ይሕባራ። ግን እንታይ እዩ እቲ ስትራተጂ?
ቪድዮ, ንኹሉ ጨናፍር ስልጣን ኢራን ተቘጻጺሩ ዝጸንሐ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ መን’ዩ?
እዚ ወዲ 86 ዓመት ሰብኣይ፡ ንዝሓለፉ 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞተ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢራን ኣረጋጊጹ’ዩ። እዚ ንኹሉ ጨናፍር ስልጣን ዝተቖጻጸረ ላዕለዋይ መራሒ መን’ዩ ነይሩ?
ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ኢራን ይሕመሳ ኣለዋ
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ኢራን ንጎረባብታ ኣጥቂዓ ንዝብል ክሲ ንምምላስ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣይውዓልናዮን ኢሉ "ነዘን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘለዋ ጎረባብትና ኣየጥቓዕናን፡ ንሕና ንህላወ ኣመሪካ ኣብዘን ሃገራት ኢና ነጥቕዕ ዘለና፡ እዘን ጎረባብትን ሕርቃነን ኣብ ልዕሊ ነዚ ኵናት ዝኣወጀ'የን ከውጽኣ ዘለወን" ኢሉ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ሃገረ እስራኤል ብኸመይ ተመስሪታ?
ግጭት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘበናት’ኳ እንተ ኣቝፀረ፡ ኣብ ክንዲ ዕልባት ዝረክብ ዝያዳ እናተሓላለኸ ንዓለምና ዘሻቕል ጉዳይ ኰይኑ ዘበናት ተቘፂሮም። ንምዃኑ ፍልስጤም ንኽልተ ተኸፊላ፡ ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን መንግስታት ንኽምስረት ብኸመይ ተወሲኑ? ሃገር ኣይሁዳውያን ዝዀነት እስራኤልከ ብኸመይ ተመስሪታ?
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, "ቅድሚ ጕያ ኵዕሶ እየ ጀሚረ" - ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ጉያ ዝነጥፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ብምስታፍ ብዘምዘገቦም ዓወታት ካብቶም ጽቡቕ ሽም ዘለዎምን ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሎምን መንእሰይ ኣትሌታት ሓደ እዩ፡፡
ትንታነ
ሕዝቦላህ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘለዎ ደገፍን ተቓውሞን እንታይ ይመስል?
እዚ ኣብዚ እዋን መንጐ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሊባኖስ ንተራ እቲ ሰልፊ ሺዓ ዝምልከት ዓሚቝ ፍልልይ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝነቱግ ዘሎ።
ኢራን ኣብ ቃራና መንገዲ፡ ንኣመሪካ ትገጥማዶ ወይስ ስዩም ክትብል እያ?
ንምንታይ እዮም መራሕቲ ኢራን ኣብ ቅድሚ እታ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዓለም እትውንን ኣመሪካን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መሓዛኣ ዝዀነት ሃገርን ብግልጺ ምንሕናሕ ዝቕጽሉ ዘለዉ?
ኢራን፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል ዝሃበቶ ግብረመልሲ ብኸመይ'ዩ ቅጽበታዊ ኰይኑ?
ኢራን፡ ነቲ ቀዳም ንግሆ ካብ ኣመሪካን እስራኤል ዝወረዳ መጥቃዕቲ ዝሃበቶ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ'ሎ።
ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ንምንታይ ይዋግኣ ኣለዋ?
ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ተጻብኦታት ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኰይኑ፡ መን ጀሚሩዎ ንዝብል ሕቶ - መልሱ ንመን ትሓቶ እዩ ዝውስኖ።
ንኤርትራውያን ገያሾ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ በረራታት ኣየር
ዝበዝሐ ክፋል ዓለም፡ ቐሊልን ዘመናውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ኣብ ዝረበኽሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ብዙሕ ጸጋታት ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ናተይ ብእትብላ ሓንቲ ነፋሪት ጥራሕ ከም እትግልገል እዩ ዝዝረብ። ንሳ እውን ናብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ሰሙናዊ ይዅን መዓልታዊ በረራ የብላን።
ህንጸት ፕሮግራም ኒዩክሌር ኢራን ኣብ ምንታይ ደረጃ'ዩ ዝርከብ፤ ብሓቂ ስግኣት ድዩ?
መንግስቲ ኢራን፡ ናይ ኒዩክሌር መደባቱ ንሰላማዊ ዕላማ ጥራይ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። እታ ሃገር ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ኒዩክለራዊ ቴክኖሎጂ ንሕክምና፡ ሕርሻን ጸዓትን ጥራይ ንምጥቃም ዘፍቅድ ኰይኑ፡ ምምዕባል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝኽልክል እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ናብ ዳግማይ ኲናት ክትኣቱ ድያ?
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይእቶ ስግኣት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ይድርኾም ኣሎ። እቲ ዝቐደመ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ካብ ዝብል ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ጥራይ'ዩ ኣቝጺሩ ዝርከብ።
ሱዳን፡ እታ ብነዳድን ወርቅን ሃብታም ዝዀነት ኮርዶፋን ብደብዳብ ድሮን ትናወጽ
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ሓድሽ ግንባር ኰይኑ ዘሎ ደቡባዊ ማእከል ዞባ ኮርዶፋን ብዙሓት ሰለማውያን ዝሞትሉ ብዙሕ ደብዳባት ድሮን ይፍጸሞ ኣሎ።
ኣብ ጾመ-ረመዳን ዝዝውተር ተምሪ እንታይ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኣለዎ?
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣስላም ኣብ እዋን ጾም፡ ጸሓይ ኣብ እትዓርበሉ እዋን ተመሳሳሊ ተግባር የዘውትሩ፣ ማለት ብተምሪ የፍጥሩ። ተምሪ እንታይ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኣለዎ?
ሓበሬታ ዓለም ኣብ ሰማያት ክኽዘን ይክኣልዶ ይኸውን?
እዚ ኣብ ሰማያት ክፍጠር ዝሕሰብ ዘሎ ደበና ብሓበሬታ ዘቕቢቡ ክሃርም እንተኽኢሉ፡ ካልእ ደረጃ ሰውራ ዲጂታዊ ቴክኖሎጂ ከይኮነ ኣይክተርፍን'ዩ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ- መን'ዩ?
ንሱ፡ ኣብ ዓንኬል እቲ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕምብርቲ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ይርከብ፤ ዝዀነ ህዝባዊ ፖሊሲ ከጽድቕን ክነጽግን ዝኽእል ገባርን ሓዳግን ጥራይ ኣይኰነን። ንሕጹያት መራሕቲ ብኢደ ወነኑ ከቐምጥን ከልዕልን ዝኽእል ስልጣን ኣለዎ።
ኮሚቴ ወልቃይት፡ ኣብ ጉዳይ ቤትፍርዲ ቦርድ መረጻን ስምረትን ኣትዩ ክማጎት ሓቲቱ
ኮሚቴ ወልቃይት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመልካቲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ስምረት ትግራይን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ኣብ ቤትፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ መሰሉን ረብሓኡን ዝትንኪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዩ ክማጐት ብጠበቓኡ ኣቢሉ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።
ወተሃደራት እስራኤል፡ ንፍልስጤማዊ ቈልዓ ብጥይት ሃሪሞም ክሳብ ዝመውት ደው ኢሎም ምርኣዮም ዘረጋገጸ ቪድዮ
እቶም ወተሃደራት - ብድምር 14 - ድሕሪኡ ብውሑዱ ን45 ደቓይቕ ኣብ ዙርያ ጃድ ብዘይ ገለ ዕላማ ደው ኢሎም፡ ንሱ ድማ ካብ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ብጥይት ዝተሃረመሉ ክፍሊ ኣካላቱ ይደሚ ነይሩ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ
ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ጥምረት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጽኑዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኢትዮጵያ ንኤርትራ፤ ንዓለወኛታት (ተቓወምቲ) ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ትድግፍን ኣብ ርእሲኡ ድማ ዶብ እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ኣላ ብምባልን ትኸስስ ኣላ።
'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ
ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብሊብያ ዝሓልፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ጾታዊ ንግድን ምስርጣይ ይዀኑ ከም ዘለው ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
'ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓውደ ውግእ ሓይልታት ወጻኢ ክኸውን ኣይግባእን' - ኤርዶጋን
እቲ፡ ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከቕንዕ መደብ ዝነበሮ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ እቲ ናይ ሰኑይ ናይ ኢማራት መገሻኡ ተሰሪዙ እዩ።
'ኣብ ሆቴል ጾታዊ ርክብ ፈጺምና፡ ብድሕሪኡ ብሕቡእ ካሜራ ናብ ኣሽሓት ከም ዝተዘርግሐ ፈሊጥና'
ኣብቲ ቪድዮ ዝነበሩ ጓልን ወድን - ናብ ክፍሊ ክኣትዉ፡ ቦርሳታቶም ከቐምጡን ጸኒሖም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙን ተመልከተ። እቶም መጻምድቲ ድማ ንሱን ኣፍቃሪቱን ነበሩ።
ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣካላት ደቀንስትዮ ብሕቡእ ብምቕዳሕ ዝኸስቡ ዘለው ደቂ ተባዕትዮ
ደቂ ተባዕትዮ፡ ምሸት ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ንዝወጽኣ ደቀንስትዮ ብሕቡእ ቪድዮ ብምስኣል ነቲ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ብምልጣፍ ገንዘብ ይረኽቡ ከም ዘለዉ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ትግራይ፡ ኣጋንእ መዐደሊ ነዳዲ ጥርሖም ዝገበሮም ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ኣሎ። ናይዚ ሓደ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ካብ ፌደራል ክስደድ ዝግብኦ ቐረብ ብዘይምምልኡ ከም ዝዀነ ሰብ መዚ እቲ ክልል ይገልጹ።
ትግራይ፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ብወሓስ ከምዝተፈትሐ ተገሊፁ
ቢሮ ሰላምን ፀጠረታን ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ "ቅድም ክብል ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ጉዕሽ ገብረ ካብዙይ ንደሓር ዘሎ ከይዲ ኣብ ደገ ኮይኑ ክከታተል ብዋሕስ ተፈቲሑ 'ሎ" ክብል ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ገፁ ንህዝቢ ኣፍሊጡ::
'ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ጐንጺ ክፍጠር ኣይነበሮን'- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
እቲ ረጽሚ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታታት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ እቶም ጸብጻባት፡ ሓደ ምንጪ ድሕነት፡ "እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ኣሎ፡" ከም ዝበለ ይጠቕሱ።