ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኢራን ክትሳተፍ ድያ? ተስፋ ኣፍሪቃ'ኸ እንታይ ይመስል?

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ዋንጫ ኵዕሶ እግሪ ዓለም 2026 ክፍልም ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ።

ኣብዚ ካናዳ፡ ሜክሲኮን ኣመሪካን ብሓባር ዘአንግዶ ተፈታዊ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ 48 ሃገራዊ ጋንታታት ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር።

ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ሓንቲ ካብተን ናብዚ ውድድር ዝሓለፋ እያ።

እንተዀነ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ልሒሙ ይርከብ።

እዚ ረመጽ እዚ ነተን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፋ ትጽቢት ዝግበረለን ሃገራት ብኸመይ ይጸልወን?

ብፍላይ ከኣ ንኢራን።

ኢራን እቲ ረመጽ ብዘየገድስ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ድያ?

ኢራን ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ናብ ዋንጫ ዓለም ሓሊፋ ኣላ።

ናይ ምድብ ጸወታታ ድማ ኣብ ምድብ '7' ኣንጻር ኒውዚላንድ፡ ቤልጅየምን ግብጺን ከተካይድ እያ።

እዞም ጸወታታት ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ኣብ ሲያትልን ክካየዱ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ሰለስተ ኒዩክለሳዊ ትካላት ኣብ ዝደብደበትሉ እዋን፡ ኢራን ካብቲ ውድድር ኣይሰሓበትን።

እንተዀነ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ስዒቡ፡ ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስታፎም ከምዘጠራጥሮ ገሊጹ ኣሎ።

"ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር፡ ምስቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ንዋንጫ ዓለም ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ኢና ዝብል ግምት የለን። እንተዀነ ግን እቶም ሓለፍቲ ስፖርት እዮም ዝውስኑ" ክብል መህዲ ታጅ ንቴሌቪዥን ኢራን ተዛሪቡ።

ቅትለት ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ስዒቡ፡ ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገር ዓቢ ዘይርጉጽነት ሰፊኑ ይርከብ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ዋንጫ ዓለም ምውሳን እንተከላይ መን ነዚ ከምዝውስን ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።

"ንቴህራን እዚ ሓጺር ናይ 12 መዓልታት ኲናት ኣይኰነን፤ ደው ክብልን ዳግማይ ክቕጽልን ዝኽእል ተኸታታሊ ምዕባለ ኣይኰነን" ይብል ዳይረክተር ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ትካል ቻታም ሃውስ ዝዀነ ዶክተር ሳናም ቫኪል።

"እዚ ሓድሽ መድረኽ ግጭት ህላወን ብንጹር ብዛዕባ ቀጻልነት ስርዓትን እዩ። ቀልጢፉ ክውዳእ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ።"

ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ፡ ምዕባለታት ይከታተል ከምዘሎ ገሊጹ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰበስልጣን እቲ ትካል እውን ብውልቂ ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ትጽቢት ከምዘለዎም ይዛረቡ ኣለዉ።

ብሰንበት ዋና ጸሓፊ ፊፋ ማትያስ ግራፍስትሮም "ትኹረትና ምስ ኩሉ ዝሳተፍ ውሑስ ዋንጫ ዓለም ክህልው ምግባር እዩ" ኢሉ።

ኢራን ብኣባል ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ክትትካእ ከምእትኽእል ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ሃገር ካብቲ ውድድር እንተስሒባ ውሳነ ፊፋ እንታይ ክኸውን ይኽእል ክብል ቢቢሲ ስፖርት ናብ ፊፋ ሕቶ ኣቕሪቡ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናብ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ እትኽእል ዒራቕ፡ ወይ ድማ ኣብ መጻረዪ ጸወታታት ዝተረፈት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንኢራን ዝትካኣ ሃገራት ክዀና ከምዝኽእላ ይግመት።

ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ብወገና፡ ኣብ ኣውስትራልያ ንእተካይዶ ፈላማይ ጸወታ ዋንጫ ኤስያ ትዳሎ ኣላ፤ እታ ጋንታ ከምቲ ዝተታሕዘ መደብ ልምምዳ ኣብ ጎልድ ኮስት ከተካይድ እያ።

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብዚ በዳሂ እዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ንከታተል ኣለና፤ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢራንን ኣብ ጎልድ ኮስት ምስ ዝርከቡ ሓለፍትን ብቐረባን ስሩዕን ርክብ ኣለና፡ ምሉእ ደገፍናን ሓገዝናን ድማ ክንህብ ኣለና" ይብል።

ኣሰልጣኒት ኢራን ማርዚየህ ጃፋሪ፡ እቲ ውድድር "ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን" ንምርኣይ ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ ይገልጽ።

'ኣብ ዘይተነጸረ ኵነታት ንርከብ'

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዜጋታት ኢራን እትርከበን 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ እዩ። እዚ ድማ ስግኣታት ጸጥታ ንምምካት ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።

ተጻወትቲ ዋንጫ ዓለምን ኣሰልጠንቲን ካብዚ ውሳነ ነጻ እኳ እንተዀኑ፡ ኢራን ግን ገለ ካብ ናይ ሰበስልጣናታ ሕቶ ቪዛ ምስተነጽገ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዕጫ ድልድል ምድብ ከምእትስሕብ ኣፈራሪሓ ነይራ።

ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትጻወት እንተዀይና ግን፡ እታ ጋንታ እተካይዶም ጸወታታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሪዞና ክትገብሮ ዝሓዘቶ መደብ ልምምድ ብዝምልከት ዝያዳ ምጽራይ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ።

እታ ሃገር ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ኢራን ጃምላዊ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ፡ ኣንጻር ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ጸወታታት ኣካይዳ።

ኣንጻር ዌልስ ኣብ ዘካየደቶ ኣብ ካልኣይ ጸወታ፡ ኣብ መንጎ ብዛዕባ መንግስቲ ኢራን ተጻራሪ ኣረኣእያ ዘለዎም ደገፍቲ ከይተረፈ ግጭት ተራእዩ ነይሩ።

ሕጂ ድማ ትራምፕ ኣብ ኢራን ናይ ስርዓት ለውጢ ክገብር ዘለዎ ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ተመሳሳሊ ኩነታት ክርአ ተኽእሎ ኣሎ።

ኢራን ክልተ ናይ ምድብ ጸወታታ ኣብ ሎስ ኤንጅልስ ከተካይድ እዩ መደብ ተታሒዙላ ዘሎ፤ ሎስ ኤንጅልስ ድማ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ማሕበረሰባት ኢራን ዝርከቡላ ከተማ እያ።

"ዋንጫ ዓለም ክጅምር ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉን፡ ኣአንገድቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተሳታፊት ሃገር መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ዘይተነጸረ ኵነታት ንርከብ" ይብል ኒክ ማክጊሃን ካብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ጉጅለ ፌርስኩዌር።

"ኢራን ጋንትኣ እንተስሒባ፡ ፊፋ ካብ ሰፊሕ ተኽእሎ ስግኣት ተቓውሞን ናዕብን ምግልጋል ኰይኑ ክስምዖ ይኽእል እዩ።"

እንተዀነ፡ ኢራን ካብ ዋንጫ ዓለም እንተስሒባ እውን ወጥሪ ክብርኽ ተኽእሎ ኣሎ።

ብፍላይ እቲ ውድድር፡ መበል 250 ዓመት ኣዋጅ ነጻነት ኣመሪካ ንምጽንባል ክሕግዝ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምኡ'ውን ትራምፕ ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዋንጫ ዓለም ክለባትን ዋንጫ ራይደርን ብኣካል ክርከብ ትጽቢት ስለዝግበር ወጥሪ ክፍጠር ይኽእል'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ዋንጫ ዓለም ዝዀነ ኣንድሪው ጁልያኒ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕትታት ብምንኣድ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ዓለም ውሑስ ቦታ ክገብራ'ዩ" ክብል ጽሒፉ።

"ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ጽባሕ ክንሓስበሉ ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። "ሎሚ ምሸት ዕድል ነጻነት [ህዝቢ ኢራን] ኢና ነብዕል ዘለና።"

ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ምስ ትራምፕ ዝፈጠሮ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ግጭት ኣብ ኵዕሶ እግሪ'ውን ልዑል ወጥሪ ክስዕብ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም 2026

ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ኣአንገድቲ ዋንጫ ዓለም 2026 እየን።

እቲ ውድድር ካብ ሓሙስ 11 ሰነ ክሳብ ሰንበት 19 ሓምለ 2026 ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ንፈለማ 48 ሃገራዊ ጋንታታት ክሳተፋ እየን፤ ቅድሚ ሕጂ 32 ጥራይ እየን ዝሳተፋ ነይረን።

ኣብ መንጎ 48 ሃገራውያን ጋንታታት፡ 104 ጸወታታትን ዝካየድ ኰይኑ፡ እተን ጋንታታት ድማ ኣብ ዓሰርተ ክልተ ምድብ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ምድብ 1፡ ሜክሲኮ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ሪፓብሊክ፡ ከምኡ'ውን ካብ መንጎ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ዴንማርክን ሰሜን መቄዶንያ እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር

ምድብ 2፡ ካናዳ፡ ስዊዘርላንድ፡ ቀጠር፡ ከምኡ'ውን ካብ መንጎ ዌልስ፡ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን፡ ኢጣልያን ሰሜን ኣየርላንድ እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር

ምድብ 3፡ ብራዚል፡ ሞሮኮ፡ ሃይቲ፡ ስኮትላንድ

ምድብ 4፡ ኣመሪካ፡ ፓራጓይ፡ ኣውስትራልያ፡ ከምኡ'ውን ካብ መንጎ ስሎቫክያ፡ ኮሶቮ፡ ቱርኪን ሮማንያን እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር

ምድብ 5፡ ጀርመን፡ ኩራሳኦ፡ ኮትዲቫር፡ ኢኳዶር

ምድብ 6፡ ሆላንድ፡ ጃፓን፡ ቱኒዝያ፡ ከምኡ'ውን ካብ መንጎ ዩክሬን፡ ሽወደን፡ ፖላንድን ኣልባንያን እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር

ምድብ 7፡ ቤልጅየም፡ ግብጺ፡ ኢራን፡ ኒውዚላንድ

ምድብ 8፡ ስጳኛ፡ ኬፕ ቨርደ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኡራጋይ

ምድብ 9፡ ፈረንሳ፡ ሰኔጋል፡ ኖርወይ፡ ከምኡ'ውን ካብ መንጎ ዒራቕ፡ ቦሊቭያን ሱሪናምን እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር

ምድብ 10፡ ኣርጀንቲና፡ ኣልጀርያ፡ ኣውስትርያ፡ ዮርዳኖስ

ምድብ 11፡ ፖርቱጋል፡ ኡዝቤኪስታን፡ ኮሎምብያ፡ ከምኡ'ውን ካብ መንጎ (ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኒው ካሌዶንያን ጃማይካን እትሓልፍ ሓንቲ ሃገር

ምድብ 12፡ እንግሊዝ፡ ክሮኤሽያ፡ ጋና፡ ፓናማ

ተስፋ ሃገራት ኣፍሪቃ

ኣፍሪቃ ካብ 1994 ጀሚራ ንመጻረዪ ሓሊፈን ናብ ግጥማት ዝቐርባ ናይ ሓሙሽተ ጋንታታት ኮታ ነይርዋ።

ሕጂ ግን እቲ ውድድር ካብ 32 ናብ 48 ተሳተፍቲ ሃገራት ምስፍሑ ስዒቡ፡ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ እየን።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ መጻረዪ ጸወታኣ ተዓዊታ እንተሓሊፋ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም እትሳተፍ መበል ዓስረይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ።

ሞሮኮ፡ ሰኔጋል፡ ኣልጀርያ፡ ቱኒዝያ፡ ግብጺ፡ ኮትዲቫር፡ ጋና፡ኬፕ ቨርደን ደቡብ ኣፍሪቃን ድሮ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝተጸንበራ ሃገራት እየን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ደረጃ ዘለወን ጋንታታት ሞሮኮን ሰኔጋልን፡ ካብታ ኣህጉር ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግባ ትጽቢት ይግበረለን።

ሞሮኮ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ ብምብጻሕ ታሪኽ ኣመዝጊባ እያ።

ሞሮኮ ኣብቲ ቀጠር ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ንሰለስተ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ደረጃ ዝነበረን ጋንታታት ማለት ቤልጅየም፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ክትስዕር ከላ፡ ምስ ክሮኤሽያ ድማ ኣብ ናይ ምድብ ጸዋታ ብማዕረ ብምፍልላይ ኣዝዩ ዘገርም ብቕዓት ኣርእያ።

ብዙሓት ድማ ኣብቲ እዋን ዘርኣየቶ ብቕዓት ሎሚ ዓመት'ውን ክትቅጽለሉ ተስፋ ይገብሩ።

ሰኔጋል፡ ቱኒዝያን ጋናን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ርኡይ ብቕዓት ኣርእየን እየን።

ኮትዲቫርን ኣልጀርያን ድማ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኤውሮጳዊ ውድድራት ተመኩሮ ብዘዋህለሉ ተጻወትቲ ተጠርኒቐን ይርከባ።

ስለዝዀነ ድማ ብዙሓት ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እታ ኣህጉር ዝያዳ ተስፋ ዘለዎ ውድድር ከተካይድን ዝሓሸ ውጽኢት ከተመዝግብን ተኽእሎ ከምዘሎ ይኣምኑ።