ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ኣብታ ሃገር ዳግም ዉግእ ንክለዓል ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው ክብል ከሲሱ።

"ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ናይ ፖለቲካን ልምዓትን ለውጢ ከይመጽእ ዓንቃፊ ተራ ይዋስኡ ኣለዉ ብምባል ክነቕፎም እንከሎ፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለዉ፡" ብምባል'ውን ወቒሱ።

ኣብ ኤርትራ፡ ምኽንያት ዕንወትን ስደት ዜጋታቱን ኰይኑ'ዩ ንዝበሎ መንግስቲ ኤርትራ'ውን፡ ኣብቲ ብ2022 ዘብቅዐ ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያንን ትሕተ ቅርጽን ከቢድ ግህሰትን ዕንወትን ኣውሪዱ'ዩ ክብል ዳግም ከሲሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐኑ ዝተሰለፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብኸምዚ ዓይነት ተግባራት ግህሰታት ክኸስስ እዚ ንኻልኣይ ግዝኡ'ዩ።

ኤርትራ፡ ቅድም ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝሃቦ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ "ሕሱርን ፍንፉንን" ክትብል ኰኒና ምንባራ ይፍለጥ።

ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኩሎም ኣንጻር ሰብኣዊነት ዘቕነዐ ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም እዮም።

እንተዀነ፡ ዝምድና መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ ዲቕ ዝበለ ዕርክነት፡ ናብ ደርባ ቃላት ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ኣብቲ፡ ብሰሉስ ምሸት ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ዝተመሓላለፈን ንኣስታት 40 ደቓይቕ ዝጸንሐን ቃለ መጠይቕ ድማ፡ ኣብይ፡ ካብቲ ሃገራዊ መልእኽቲታት ንምሕላፍ ዝጥቀመሉ ዝተለምደ ቃና ፍልይ ብዝበለ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ጐረቤት ሃገር ኤርትራን ንዝርከቡ መራሕቲ ብቐጥታ መጠንቀቕታታት ከሕልፍ ተሰሚዑ ኣሎ።

ህወሓት - 'ከም ቀደም ይመስለክን ውሑጅ ይወስደክን'

ኣብዪ፡ ኣብቲ ብፍሉይ ናብ መራሕቲ ትግራይን ኤርትራን ዘቕንዐ መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉ ቃለ መጠይቑ፡ ብቋንቋ ትግርኛ'ዩ ኣካይዱዎ።

ብዙሓት ምስላታትን ብሂላትን ትግርኛ ዘሰነዩዎ፡ ፖለቲካዊ መጠንቀቕታታት ዝሓዘለ'ውን ነይሩ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ጠንቂ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ሰጓማይ ኣተሓሳስባ ዘይምህላው እቲ ክልል ናብ ዓዘቕቲ ኲናት ክጥሕል ምኽንያት ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ህወሓት "ብዝበለየ ኣተሓሳስባ ዝግዛእ ሰልፊ'ዩ፡" ብምባል ክነቅፎ እንከሎ፡ ብሰንኵ፡ "ናብ ዘየድሊ ኲናት ተኣትዩ፡ ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉ፡" ይብል።

ኣብቲ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ትግራይ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ምግላጹ ይዝከር።

ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ድማ፡ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰሱ።

"ከምቲ 'ላሕሚ ሓዊ ወሊዳ፡ ከይትልሕሶ ሓዊ ኰይኑዋ፡ ከይትሓድጐ ውላድ ኰኑዋ' ዝብሃል፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ ሓይሊ ህዝቢ ዘየድሊ ዋጋ ከፊሉ፡" ብምባል ኣብዪ ተዛሪቡ።

ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብሓደ ወገን፡ ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በቲ ካልእ ሸነኽ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ ኣብዪ ከምዚ ዓይነት ቃለ-መሓትት ዝህብ ዘሎ።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ከባብታት ጸለምቲ ወተሃደራዊ ግጭት ተራእዩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ የጸግዕ ከም ዘሎ ህወሓት ከሲሱ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣበይ ከባቢታት ከም ዝተራእየ ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኲናት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሙሉእነት ብዘይምትግባር ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም።

ህወሓት፡ ኣብ መግለጺታቱ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ከም ዝደሊ፡ ናብ ልዝብ እምበር ናብ ካልእ ደማዊ ኲናት ክኣቱ ድሌት የብለይን'ኳ እንተበለ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ትግራይ ዘተ ከይግበር፡ መትከላት እቲ ስምምዕ ከይፍጸሙ ዓንቂጹ ሒዙና ዘሎ ህወሓት እዩ ክብል ነቒፉ።

ህወሓት፡ ካብቲ ስምምዕ ዘዋጽኦ ጥራይ'ዩ ዝወስድ ብምባል፡ "ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈረመሉ ምኽባር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንጎድኒ ገደፉ፡ ሕጊ ሃገራዊ ምርጫ ንጎድኒ ገዲፉ፡ ከምቲ ጭጉራፍ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ ዝብሃል፡ ባዕሉ ካብ ሕጊ ወጺኡ ከብቅዕ፡ [ነዚ] ዳግም ግጭት [ንምልዓል] መመኽነይታ ይገብሮ ኣሎ፡" ኢሉ።

ባጀት መንግስቲ እናመንዘዐ ቀለብ ዕጡቓት ይገብር፡ ህዝቢ ካብ ልምዓትን ወፍርን ክርሕቕ ይገብር ኣሎ፤ ወርቅን መዓድናትን ትግራይ እናመዝመዘ መግዝኢ ኣጽዋር ይገብር ኣሎ ክብል ኣብዪ ከሲሱ።

ቢቢሲ ነዞም በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረቡ ክስታት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጸን።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ህወሓት፡ ብሽም ምስ ዘይጠቐሶም ግን ድማ "ጸረ ኢትዮጵያ" ምስ ዝበሎም ሓይልታት ብምስላፍ፡ ሰፊሕ ጐስጓስ ኲናት ይገብር ከምዘሎ ከሲሱ።

"ህወሓት፡ ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማውያን ሓይልታት ወዘልዘል ይብል ኣሎ፤ ባዕሉ ዝፈጠሮም ጸገማት ከም ሰበብ ተጠቒሙ ድማ ውግእ ይቕስቕስ ኣሎ። ካብ ቃላት ሓሊፉ ናብ ወተሃደራዊ ምትንኻፍ እንተኣትዩ ግን፡ 'ከም ቀደም ይመስለክን ውሑጅ ይወስደክን' ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል፡" ክብል ኣጠንቂቝ።

ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝጀመሮ ርክባት ከካትዕ ዝፀንሐ ዀይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘይሕጋዊ ዝብሎ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብል ብተደጋጋሚ ክሓትት ፀኒሑ እዩ።

ወሲዅ፡ "ብወገንና ኣብ ኲናት ትግራይ ንምጅማር ድልየት ይኹን ተፈነ ከም ዘይብልና ህዝብና ክፈልጥ ኣለዎ፡" ብምባል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብቲ ክልል ስልጣን ኣብ ኢድ ዝተመሃሩ መንእሰያት ክኣቱ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ ክብል'ዉን ቅዋሙ ብግልጺ ኣቐሚጡ'ዩ።

'ኣብ ኣጋ እርጋን ዝርጋን' ዝብል ብሂል ብምጥቃስ ድማ፡ "ኣብ እርጋኖም ውግእ ዝጥጅኡ ይኣኽለኩም፡ ስልጣን ንደቕኹም ኣረክቡ ክብሎም እደሊ። ድልየት ህዝብና ንምድጋፍ ድልዋት ኢና፤ ህዝብና'ዉን ምስ ደለይቲ ሰላምን ዝተመሃሩን ደቁ ወጊኑ ንሰላምን ልምዓትን ሓቢሩና ይስራሕ ክብል ይደሊ፡" ብምባል ኣብቲ ክልል ናይ መሪሕነት ለውጢ ክመጽእ ድልየት ከም ዘለዎ ኣአንፊቱ።

ኤርትራ - 'ዛ ዳዋ ተምጽኦ ኣለዋ'

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ፡ ምስ ኤርትራ ብሰንኪ ዶባዊ ምስሕሓብ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ዕንክሊል ክልአቲን ሃገራት ከብቅዕ ብምግባሩ፡ ኣብ 2019 ዓለማዊ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ዝተዓወተ ይዝከር።

ኣብ 2018፡ ብፍቕራዊ ቃላት ዝተወዳደሱ፡ ቤተይ ቤትኻ ተበሃሂሎም ኪዳን ዝኣሰሩ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብቓላት ካብ ዝራግሑን ርክባቶም ክሕርፍፍ ካብ ዝጅምርን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ርክብ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምብቃዕ ኲናት ትግራይ ዝተቐየረ ኰይኑ፡ ኤርትራ ተሳታፊት'ቲ ኲናት እንተነበረት'ኳ፡ ኣካል'ቲ ኣረሜናዊ ኲናት ከብቅዕ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣይነበረትን።

ኣብቲ እዋን ኣስመራ፡ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ከይተሳዕረ'ቲ ኲናት ክዛዘም ኣይነበሮን ብምባል ነቲ ስምምዕ ተቓዊማቶ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ ኢትዮጵያ፡ 'ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዝኣት ኢትዮጵያ ተቘጻጺራ፡ ንተቓወምቲ መንግስቲ ፈደራል ተዕጥቕ ኣላ' ክትብል ትኸስስ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብ7 ለካቲት 2026፡ ናብ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ተቘጻጺሩዎ ካብ ዝበሎም ልኡላዊ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ከንሳሕብን ንዘተ ድሉው ክኸውንን ሓቲቱ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብ10 ለካቲት 2026 ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ኤርትራ "ኣብ ትርጕም ኣልቦ ምስሕሓብ ነዳዲ ንምውሳኽን ነቲ ኵነታት ንምግዳድን ተበግሶ ኰነ ድሌት፡" የብላን ኢሉ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብ3 መጋቢት 2026 ዝተፈነወ ቃለ መጠይቑ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ሕጂ'ዉን ብምትኹታዃት ከሲሱዎ።

"ሕዚ'ዉን ኣለኹ'የ ንምባል፡ ውጥም ቅልቅል ይብል ኣሎ፤ መልእኽተይ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ንዅሎም ቀንጠብጠብ እትብል 'ዛ ዳዋ፡ ተምጽኦ ኣለዋ' ጥራይ እየ ክብሎም ዝኽእል፡" ኢሉ።

ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ምጅማር ኲናት ትግራይ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዕቋብን ብምሕጋዝን እወንታዊ ደገፍ ኣርእዮም' ኢሉኳ ንኢዱ እንተነበረ፡ ሕዚ ድማ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ናብ ትግራይ ብምእታው ግን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወት ንብረትን ፈጺሞም'ዮም ክብል ከሲሱ ኣሎ።

"[ምስ መንግስቲ ኤርትራ] ቀሪብና ክንሰርሕ ፈቲንና ነይርና፤ ግን ካብዚ ሓይሊ ዝዀነ ጽቡቕ ነገር ክርከብ ዘይሕሰብ እዩ፤ ዓቕሚ እንተረኺቡ ካብ ምዝራግ ዓዲ ኣይውዕልን። ግን ደጊሙ ንህዝብና ክብድል ዕድል ኣይረክብን። ምናልባት እንተፈቲኑ ድማ ናይ መወደእታ ፈተነ እያ ትኸውን፡" ክብል ተሓንዩ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ዝተባህለ ትካል፡ ብ18 ለካቲት 2026 ኣብ ዝዘርግሖ ሰነድ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪን፡ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ምስ ኤርትራ ስግኣት ኲናት ከም ዘተሓሳሰቦ ኣስፊሩ'ሎ።