ትግራይ፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ጽዮን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Tigray Communication Affairs Bureau
ሃይማኖታዊ መራሕቲ ቤተክርትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት መሪሕነት ክልል ትግራይን ዝርከብዎም ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ኣብ በዓል ሕዳር ጽዮን ይሳተፉ ኣለዉ።
ካብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝመጽኡ ኣጋይሽ'ውን ኣብቲ ሃይማኖታዊ በዓል ከምዝተረኸቡ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብቲ በዓል ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ጽዮን ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት'ውን መልእኽቲ ኣሕሊፎም'ዮም።
"ናብዛ ቅድስትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ካብ ውሽጢን ደገን ዝመጻእኹም በረከት መሊእኩም ኣሎ" ዝበሉ እቶም ፓትርያርክ፡ ኣክሱም ናይ ታሪኽ ቦታ ከምዝኾነትን ገና ዘይተረኸቡ ምስጢራት ከምዝሓቖፈትን ተዛሪቦም።
ኣብቲ በዓል ዝተረኸበ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ነቲ በዓል ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣክሱም ንዝተረኸቡ ኣጋይሽ ብስም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣመስጊኑ።
"ሕዳር ጽዮን ምሳና ንምኽባር ኣብ ኣኽሱም ጽዮን ዝተረኸብኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትና ኣሓትናን ናብ ቤተሰብኩም ናብ ትግራይ እንኳዕ ብደሓን መጻእኹም" ኢሉ።
እቶም ኤርትራውያን ኣብቲ በዓል ክርከቡ ብምኽኣሎም ድማ ናእድኡ ኣቕሪቡ።
ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ኣጋይሽ ንምቕባል ንዝገበርዎ ምድላው ብምምስጋን "ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ስልጣነን ታሪኽን ንነዊሕ ዓመታት ዓቂቡ ዝጸንሐ ህዝቢ ብምዃኑ፡ ትግራይ መቦቆል ሕላገት ቅርስታትን ወናኒት ብዙሓት ሓድግታት [ውርሻታት]ን እያ" ክብል ተዛሪቡ።
በዓል ሕዳር ጽዮን ካብ ራብዓይ ክፍለዘመን ጀሚሩ ብህዝቢ ትግራይ ከኽበር ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ህዝባውን በዓል ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።
ኩነታት ሃገርን ሰላምን?
ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን "ኣብ ሃገር ሰላም ጠፊኡ ዜጋታት ብሰላም ወፊሮም ዝምለሱሉ ውሕስነት ኣብ ዝሰኣኑሉ እዋን ኢና ዘለና" ክብል ንህልዉ ኩነታት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕግርግርን ሕምስምስን ከምዝርከቡ ዘዘኻኸረ ዶክተር ደብረጽዮን "ዜጋታት ናብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ብናጽነት ዝንቀሳቐሰሉ ሰላም ስኢኖም ንጥቕዓት ኣብ ዝተቓልዕሉ እዋን ኢና ዘለና" ኢሉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ልዕልና ሕጊ ክኽበር ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ብምግላጽ "ሰላምና ክሕሎን ሕገመንግስታዊ ስርዓትና ከይፈርስ ብሓባር ክንስለፍ ይግባእ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
በዓል ማርያም ጽዮን ብዘይገለ ጸገም ጸጥታ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ክኽበር ዝኸኣለ ድማ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ኩነታት ብምህላዉ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
"ሰላምና ንኽዘርጉን ሓድነት ትግራይ ንኽብትኑን ዝደልዩ ሓይልታት ድሕረት መኪትና፤ ሰላምና ዓቂብና ብምጽናሕና ኢና በዓል ሕዳር ጽዮን ብዝደመቐ መልክዕ ነኽብሮ ዘለና" ኢሉ።
ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ንምኽባር መንነትን ህላወ ትግራይን ብሓድነት ክሰርሑ ጸዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray Communication Affairs Bureau
"ሰላም መሰረት ኩሉ ነገር'ዩ፤ ንሰብን ካልኦት ፍጥረታታትን ኣገዳሲ ነገር'ዩ" ዝበሉ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ትግራይ ሰላም ስለዘሎ በዓል ጽዮን ብዘይስግኣት ጸጥታ ይኽበር ምህላዉ ሓቢሮም።
ሰላም ዓብዪ ነገር ከምዝኾነን ብዋጋ ከምዘይግመትን ብምግላጽ፡ "ኣብ ሃገርና ጸገማት ኣለዉ፤ እዞም ጸገማት ዝእለዩን ሰላም ዝሰፍንን ንእግዚኣብሄር ብምልማንን ብምጽላይን'ዩ" ክብሉ ኣመንቲ ነዚ ክገብሩ ጸዊዖም።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ናብ ሰላም ክምለስ ኣብ ኣክሱም ጸሎትን ምህላን ይካየድ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ድማ "ኣብዚ ሰሎ ሰላምን ጸጥታን ናብ ኩሉ ኢትዮጵያ ክባጻሕ ጸሎት ምግባር ኣገዳሲ'ዩ" ኢሎም።
ተምሃሮ ንኽመሃሩ፣ ህጻናት ተወሊዶም ንኽዓብዪን ሰራሕተኛታት ወፊሮም ክምለሱን ሰላም መተካእታ ከምዘይህልዎ ኣረዲኦም።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



