ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ናብቲ ኲናት ተጐቲተን ክኣትዋ ድየን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ግዳይ እቲ ሓድሽ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኰይነን፡ ተቖጢዐን ኣለዋ።
ኢራን፡ ሕነ መጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብታ ሃገራት ዓረብ ኣማኢት ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ተዝንብ ኣላ።
ንሳ፡ ኣብ መሬተን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ትገብር ከምዘላ ጥራይ እያ ትገልፅ፡ እንተኾነ ግን ሲቪላውን ትሕተ ቅርጺ ነዳድን'ውን ዒላማ ኰይኖም ኣላዉ።
ከምኡ ብምግባራ ድማ ፡ ነቲ ከም ውሑስን ምዕቡልን ማእከል ጉዕዞ፡ ቱሪዝምን ፋይናንስን ዝረአ ዝነበረ ፅቡቕ ምስሊ ብምህሳስ፡ ነቲ ኣብ ሕመረቱ ዘሎ ኢንዱስትሪ ነዳድን ጋዝን ድማ ትዘርጐ ኣላ።
እዚ፡ መንግስታት ወሽመጥ ዓረብ ዘይደለይዎን ከትርፍዎ ዝፈተኑን ኲናት እዩ።
እቲ ሕቶ፡ ብመጥቃዕቲ ኢራን፡ ናብቲ ኲናት ተጐቲቶም ክኣትዉ ድዮም ዝብል እዩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ማጀድ ኣል ኣንሳሪ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "ኩሎም ቀያሕቲ መስመራት ተሰጊሮም ኣለዉ" ኢሉ።
"ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትና ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቀፃሊ ኰይኑ ኣሎ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
"ኣብ ትሕተ ቅርጺ መጥቃዕቲ ይፍጸም ኣሎ። ኣብ መንበሪ ኣባይቲ መጥቃዕቲ ይፍጸም ኣሎ። ሳዕቤን ናይዚ መጥቃዕትታት ድማ ንጹር እዩ። ሕነ ምፍዳይ ክመጽእ ከሎ ግን፡ ኩሉ ኣማራጺታት ኣብ እድ መራሕትና ኣሎ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቃዕትታት፡ ብዘይ መልሲ ክተርፉ ከምዘይክእሉ ኣዝዩ ብንጹር ክንገልጾ ንፎቱ"።
መብዛሕትኡ ሚሳይላት ኢራን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ዕላምኡ ከይብጽሐ'ዃ ይብርዕን እንተሎ፡ ዝወድቕ ስብርባር ግን ባርዕ ኣበጊሱ ሰባት ከምዝቐተለ ይንገር።
ካብ መከላኸሊ ኣየር ብቐሊሉ ክሓልፋ ዝኸኣላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውሑድ ዕንወት የስዕባ፡ እንተኾነ ግን ንግድን ጉዕዞን ዝዘርግ ህውከት የስዕብ ኣሎ።
እዚ ስትራተጂ ኢራን ይመስል፡ ንጎረባብታ ነቲ ኲናት ንኸብቅዕ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ጸቕጢ ክፈጥሩ ብዝብል ተስፋ'ያ ትገብሮ ዘላ።
ኢራን፡ ዳርጋ ክንዲ'ቲ ካብ እስራኤል ዝተተኰሰ፡ ናብታ ዓብላሊ ማእከል ንግድን ቱሪዝምን ናይቲ ወሽመጥ ዓረብ ዝኾነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝተኮሰት ፋይናንሻል ታይምስ ሓቢሩ።
ኢራን ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኣገዳሲ ኢንዱስትሪ ነዳድን ጋዝን ደው ብምባል ከም መሳርሒ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ስንባደ ከስዕብ ዝኽእል ዝርጋን እዩ።
እዚ ማለት ግን፡ ብኣንፃሩ፡ ስትራተጂ ቴህራን ካልእ ዘይተደለየ ውፅኢት ከስዕብ'ውን ይኽእል'ዩ።
ኢራን ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ናብ ዋሽንግተን መሊኣ ትደፍአን ከይትህሉ ስግኣት ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣመሪካ ክሊ ሰማየንን መሬታዊ ግዝኣተንን ተጠቒማ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ኣይፈቐዳን ኣለዋ።
እዚ ብግዜ ክቕየር ይኽእል እዩ።
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክሳተፉ ክውስኑ'ውን ይኽእሉ እዮም።
ዛጊት፡ ኣብ ምክልኻል ኣተኲሮም ኣለዉ። እዚ ግን፡ እቲ ኲናት ክሳብ ክንደይ ከም ዝቕጽል እዩ ዝውሰኖ።
ርግፅ እዩ፡ ገሊኦም፡ ኣብዚ ግጭት ኣብ ጎኒ እስራኤል ክስለፉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
እስራኤል፡ ድሕሪ ጥቅምቲ 2023 መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብ ቃዛ ዘካየደቶ ቀታሊን ኣዕናውን መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከም በዓል ሊባኖስን ሶርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ምትእትታው፡ ምስ ኣዕራብ ዝነበራ ዝምድና ኣሐርፊፉዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንመሪሕነት ሓማስ ንምቕንጻል ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ ፡ ኣብ ቐጠር ቦምባታት ምስ ተኰሰት፡ ኣዝዮም ተቖጢዖም ነይሮም።
ሓደ ንፁር ኰይኑ ዘሎ ግን፡ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሓድነት ከምዘጠናኸረ እዩ።
እተን ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ሽርክና ወሽመጥ ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፣ ኩዌት፣ ቀጠር፣ ባሕሬን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ትማሊ ሰንበት ህጹጽ ኣኼባ ፀዊዐን፡ ሕብረተን ብምርግጋፅ፡ ፀጥተአን ንምውሓስ፡ "ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ናይ ምሃብ ኣማራጺ ክወስዳ" ቃል ኣትየን ኣለዋ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢማራት ኣንዋር ጋርጋሽ፡ ኢራን ልቢ ክትገብር ተማሕጺኑ ኣሎ።
"እዚ ኲናት፡ ኲናት ጎረባብትኺ ኣይኮነን" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ምዒዱ።
"ከባቢኺ ተመልከቲ፡ ዓንኬል ተነጽሎን ምግዳድን ቅድሚ ምምፅኡ፡ ምስ ጎረባብትኺ ብምኽንያትን ሓላፍነትን ተዛተዪ" ክብል ጽሒፉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



