ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንወዲ 15 ዓመት ኣሜን ብኻራ ዝቐተሉ ኮተቴታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Police Scotland
ብሞት ናይቲ ብ5 መጋቢት ኣብ ጐደና ክላረንዶን 'ሰንት ጆርጅስ ክሮስ' ብኻራ ተወጊኡ ተቐቲሉ ዝተረኽበ ኣሜን ተኽላይ ዝተኸሰሱ ደቂ 15ን 16 ኮተቴታት ናብ ቤትፍርዲ ክቐርቡ እዮም።
እዞም ብሰንኪ ዕድመኦም ስሞም ክጥቀስ ዘይክእልን ማስክ ዝወደዩን ኮተቴታት፡ ንኣሜን ብኻራን ናይ ክሽነ ባዴላን ገይሮም ሃሪሞም ከም ዝቐተሉዎ እዩ ዝግለጽ። ንሶም ግን ነቲ ክትለት ከም ዘይወዓሉዎ ይኽሕዱ።
እቲ ፍጻመ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ግላስኮ - ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ፍርዲ ድማ ኣብ ሰነ ናይ ዝመጽእ ዓመት ክወሃብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ኣሜን፡ ኣብ ግላስኮ ምስ ኣቦኡ ንሓያሎ ዓመታት ዝተቐመጠ እዩ። ሓደ ካብ'ቶም በዚ ቅትለት ተኸሲሶም ዘለዉ ወዲ 15 ኮተቴ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣሜን ተጋጭዩ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ቅድሚ ሳልስቲ ናይቲ ዘሕዝን ፍጻመ ካራን ሓጺንን ሒዙ እናኣወዛወዘን እናጨደረን፡ ከም ዝውዕሎ እውን እናመሓለ ንኣሜን ከም "ዘፈራርሖን ዝጸረፎን፡" ይንገር።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ብ12 ለካቲት ኣብ ዝሃቡዎ ቓል፡ እዚ ዘፈራርሖ ወድን ካልኦት ክልተ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ኣሜን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም።
ጠበቓታት ናይዞም ክልተ ክሱሳት፡ እቶም ኮተቴታት ገበነኛታት ከም ዘይኰኑ ተማጒቶም።
ነቲ ወዲ 15 ዝጣበቕ ማኮናቺ ኣብ ርእሰ ምክልኻል ዘተኰረ ፍሉይ መከላኸሊ ምጕት ኣቕሪቡ።
ዳኛ ሎርድ ስኮት ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ዝገልጽ ናብ ፖሊስ ዝተመልከተ ሰነድ ሓቲቱ።
ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ግና ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ጠበቓ ማኮናቺ፡ ኵሎም ክስታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ከም ዘይኰኑን ምስ ግዜ ዝመጽኡ ምዃኖምን፣ ኣብ መንጎ መዋትን ተኸሳስን ብዙሕ ጉዳያትን ድሕረ-ባይታን ከም ዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 15 ዓመት ክሱስ፡ እቲ ጉዳይ ብግቡእ ከይምርመር ከተዓናቕፍ ፈቲኑ ተባሂሉ'ውን ተኸሲሱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ነቲ ካራ፡ ለቢሱዎ ዝነበረ ስረኡን ናይ ላዕሊ ክዳኑንን ከም ዝደርበዮ ገሊጾም።
ሰነዳት ቤትፍርዲ ከም ዝሕብሩዎ፡ እዚ ተግባራት'ዚ ጭብጥታት ከይርከብን ንኸይትእሰርን ዝተገብረ እዩ።
ኣሜን ድሕሪ ሞቱ ኣብ ግላስኮ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ጸሎተ-ፍትሓት ተኻይድሉ።
ሓመድ ኣዳም ንኽለብስ ድማ ሬሳኡ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ።
ዳኛ፡ ዕለተ-ፍርዲ ኣብ ሰነ 2006 ክፍጸም ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



