'ኣቦና ብጓሂ ሓዘን ጓሉ'ዩ ሞይቱ'- ስድራ እታ ብግፍዒ ዝተቐትለት ዘውዱ ሃፍቱ

ዘውዱ ሃፍቱ

ምንጪ ስእሊ, SM

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ስድራ ናይታ ብ13 ነሓሰ 2015 ኣቈፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ መቐለ ብፀጕራ ተጐቲታ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ብዘስካሕክሕ ኵነታት ብመኪና ተጨፍሊቓ ዝተቐተለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ፡ ነቲ ንዝሓለፈ ሰሙን 08/09/2017 ኣቈፃፅራ ግእዝ ዝተቘፀረ መዝገብ ክሲ ኣብ ዝተሓናፈፀ ስምዒት ኰይኖም እዮም ክፅበይዎ ፀኒሖም።

እቲ መዝገብ ክሲ ብቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ ኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ ክልተ ውልቀሰባት ፍርዲ ንምሃብ ዝተቘፀረ እዩ ነይሩ።

ምንኣስ ሓፍታ ንዘውዱ ዝዀነት ብርቱኳን ሃፍቱ፡ ስድራ መዋቲት ናብዚ ናይ መወዳእታ መጋባእያ እንክኣትዉ ክልተ ስምዒታት ከም ዝነበሮም ንቢቢሲ ትገልፅ።

"ናይ ዳያኑ ምቅይያራትን ሓድሓደ ምፍርራሓትን ከም ዘሎ ስለ ንሰምዕ ዝነበርና ኣዚና ተስፋ ቈሪፅና ኢና ነይርና። ንናይ ዝሓለፈ ሓዊሱ ሰለስተ ግዘ ኢና ንፍርዲ ተቖፂርና። ሓደ ግዘ ኣይተተርጐመን ገና'ዩ፣ ሓደ ግዘ ደያኑ ጐደሎ ኢና ዘለና ስለ ንበሃልን ምልልስ ስለ ዝበዝሐናን፡ ምቅይያር ዳያኑን ግዘ ምንዋሕን እንተልዩ፡ እዚ ነገር እዚ ተበላሽዩ'ዩ ኢልና ተስፋ ቈሪፅና ኢና ነይርና፤ ኣብቲ ዝሓለፈ ንሳልሳይ ግዘ ተቖፂሩ ዝነበረ መጋባእያ ንኣደይ'ኳስ ሒዘያ ኣይመፃእኹን። ንባዕለይ'ውን ተስፋ ቈሪፀ'የ ከይደ ነይረ፡" ትብል።

ነዚ ፍርዲ ንምሃብ ዝተሰየሙ ሰለስተ ደያኑ፡ ተኸሰስቲ ያሬድ ገብረስላሴን ተጋዳላይ ኣንገሶምን፡ ብቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ ጥፍኣተኛታት ከም ዝዀኑ ምስ ፈረዱ፡ ኣብቲ መጋባእያ ዕግርግር ተፈጢሩ፤ ኣብ ልዕሊ ደያኑ'ውን ምፍርራሕ ተፈፂሙ።

ምክትል ፕረዝደንት ማእከላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ ዳይና ስየ ኪዳነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ነዚ ፍርዲ ንምሕላፍ ካብ መንጎ ዝተሰየሙ ሰለስተ ደያኑ ሓደ እዩ።

"ፍርዲ ኣንቢብና ወዲእና፤ ክልቲኦም ተኸሰስቲ በቲ ዝተኸሰስሉ ድንጋገ ጥፍኣተኛታት'ዮም ዝብል ፍርዲ ሂብና። ንቐዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሴ ወላዲቱ ንኻልኣይ ተኸሰሲ ኣንገሶም ድማ ሓፍቱ ዝዀነት ሓንቲ ውልቀሰብ፡ ኣእውያ። ኣብቲ መጋባእያ ዕግርግር ተፈጢሩ። 'ንስኹም ዕድመኹም ናይ ሓደ ሰሙን'ዩ! ክትጠፍኡ ኢኹም' ኢላትና። ደያኑ ኣብ ዝተሰየምናሉ፡ 'ደቂ ሸራሙጥ' ዝብል ፀርፊ ይስማዕ ነይሩ፤ መናብር'ውን ብሓይሊ ይውቃዕ ነይሩ....ዘስግእ ኵነታት ስለ ዝነበረ.... ንሕና ናብ ንዕቈበሉ ቦታ ጐይና ወፂእና፡" ይብል፡ ብዛዕባ እቲ ንኸይዲ ፍርዲ ደያኑን መጋባእያን ክቋረፅ ዘገደደ ዕግርግር እንክገልፅ።

እቲ ህሞት ነቶም ንኣስታት ክልተ ዓመት ፍርዲ ንኽወሃብ ፍትሒ ንኽነግስ ክፅበዩ ዝፀንሑ ስድራ ዘውዱ ኣብ ተስፋ ምቝራፅ ዘእተወ፣ መጋባእያ ክብተንን ደያኑ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊኦም ብሰንኪ ዘንፀላለወ ስግኣት ስራሕ ደው ከብሉ ዘገደደን ኰይኑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብርቱኳን ሃፍቱ፡ "ምስ እግዚኣብሄር እቲ ሓቂ ዝሓዙ ደያኑ 'ጥፍኣተኛታት' ኢሎም ምስ ፈረዱ ካብቲ ዝነበርናዮ ሓዘን ንእሽተይ ዕረፍቲ ተሰሚዑና... ኣደኦም ኣውያት ጀሚራ። ወዳ ከኣ ናይ ኢዱ ሰንሰል ተፈቲሑ ስለ ዝነበረ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ጣውላ ወቒዕዎ። እቲ ድምፂ ተዅሲ እዩ ዝመስል ነይሩ። ተዅሲ መሲሉኒ ደንጊፀ እየ ተላዒለ። እቶም ደያኑ'ውን ተላዒሎም ከይዶም። ንሕና'ውን ዕግርግር ምስ ተፈጠረ ተደናጊፅና ንደገ ወፂእና፡" ትብል።

ብሰንኪ እቲ መጋባእያ ክቋረፅ ዘገደደ ዕግርግር፡ ደያኑ ናይ ቅፅዓት ፍርዲ ኣየመሓላለፉን። እዚ ንስድራ ዘውዱ ኣሻቒልዎም ኣሎ።

"ንዓና እቲ ቀንዲ ረቢሹና ዘሎ ናይ ቅፅዓት ፍርዲ ዘይምሕላፉ'ዩ። ሕዚኸ ኣብ ማእከል እንታይ ክፍጠር ይዀን? ሕዚ ደያኑ ስርሖም ጠጠው ኣቢሎም ኣለዉ፤ ፅዕንቶዶ ክፍጠር ይዀን? ኢልና ንሰግእ። እቶም ሰባት ሰብ ግዘ፡ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ስለ ዝዀኑ፡ ሕዚ ክሳብ ደያኑ ምፍርራሕ እንተ ደኣ በፂሖም፡ እቲ መዝገብ'ውን ከበላሽውዎዶ ይዀኑ? እቲ ፍርዲ ክቕየርዶ ይዀን? ኢልና ንፈርሕ ኢና፡" ትብል።

እቲ ስግኣት፡ ብቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ ዝተኸሰሱን ነቲ ገበን ብምፍፃም ዝተፈረዱን ቀዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሴን ካልኣይ ተኸሳሲ ተጋዳላይ ኣንገሶምን፡ ምስ ሓደ ብዓል ስልጣን ካብ ዘለዎም ቅርበት ዝምንጩ እዩ።

ናይ ቀዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ኣቦ ኣይተ ገብረስለሴ ምክትል ኮምሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዝነበረን ሕዚ ኣዛዚ ኣርሚ 22 ሓይልታት ትግራይ ከም ዝዀነን፡ ካልኣይ ተኸሳሲ ድማ ንብዓልቲ ቤት ኣይተ ገብረስላሴ ሓዋ ከም ዝዀነን ይግለፅ።

ማእከላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ እቲ መጋባእያ ብሰንኪ ዕግርግር ብምቍራፁ፡ ናይ ቅፅዓት ፍርዲ ንምሕላፍ ን18 ግንቦት 2017 ኣቈፃፅራ ግእዝ ቈፀራ ከም ዝሃበ ተፈሊጡ።

"ኣቦና ብጓሂይ ሓዘንይ ጓሉ ሞይቱ"

ዘውዱ ሃፍቱ፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ፡ ምስ መሓዝኣ ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄር ናይ መሓዝአን ልደት ከኽብራ እናኸዳ፡ ታርጋ ብዘይብላ መኪና ዝመፅኡ ሰባት ብፀጕራን ዅርንዓን ንዝተወሰነ ርሕቐት ጐቲቶም ርእሳ ጨፍሊቖም እዮም ቀቲሎማ።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝገማገመሉ፡ ፍርዲ እንከይተውሃበ ፍትሒ እንከይነገሰ እዩ ፀኒሑ።

ደያኑ መዝገብ ክሲ ዘውዱ ሃፍቱ፡ ደያኑ ስግኣት ደሕንነት ከጋጥሞም ዝገበረ ከቢድ መዝገብ ከም ዝዀነ ይገልፁ።

ንቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ ይከታተሉ ዝነበሩ መርመርቲ'ውን ካብ ሰብመዚ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ፀቕጢ ይበፅሖም ከም ዘሎ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር።

ብርቱኳን፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሓፍታ ብቕልጡፍ ፍትሒ ዘይምንጋሱ ንስድራቤት ኣብ ሰንፈላልን ቃንዛን ከም ዘእተዎም ትሕብር።

"ሞት ሓፍተይ ዓብይ ሽግር እናሃለየስ፡ ሞይታ ከኣ ፍትሒ ክትስእን እንከለኻ ንቤተሰብ ካልኣይ ሞት'ዩ። ፍትሒ ዘይምርካባ ንሕና ዕረፍቲ የብልናይ፣ ሕልናና ብትኽክል ክሰርሕ ኣይኽእልይ።

"ኣቦና ብጓሂይ ሓዘንይ ጓሉ ሞይቱ። ካብ ሸውዓተ ደቁ ሰለስተ ስለ ዝተረፍና፡ ንዓና ብስስዐ እዩ ዝርእየና ነይሩ። ዘውዱ ምስ ሞተት ግና፡ ኣቦና ልክዕ ኣይነበረይ፡ ኣዝዩ ተጐዲኡ። 'መንእሰይ ተልኾን ነይረስ እታ ጓለይ ከድሕናዶ ይኽእል ነይረ? ቀታሊ ጓለይ ድየ ከይፈለጥኹ ክተርፍ?' እናበለ ኣብ ሓፂር ግዘ ብእህህታ'ዩ ሞይቱ፡" ትብል።

ፍትሒ ንዘውዱ ሃፍቱ ዝሓትታ ኣዋልድ

ምንጪ ስእሊ, SM

'እዛ ግዘ ትፀብብ ዘላ ንዓኺ'ያ! ክንቀትለኪ ኢና...!'

ጉዳይ ቅትለት ዘውዱ ካብ ምፅራይ ክሳብ መስርሕ ፍርዲ ዝበፅሓሉ እዋን፡ ኣብ ስድራ ዘውዱ ብቐጥታ ዝበፅሐ ምፍርራሕ'ኳ እንተ ዘይሃለወ፡ ነቲ ቅትለት ይከታታል ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ነባር ፖሊስ መቕርብ እታ ስድራ፡ ብናይ ገዛ ስልኪ ተደዊሉ 'ዓሪፍኻ እንድሕር ዘይትቕመጥ ደድሕሪ ሓፍትኻ ክነስዕበካ ኢና' ኢሎም ከም ዘፈራርሕዎ ብርቱኳን ትዛረብ።

ኣብቲ ብ08 ግንቦት 2017 ኣቈፃፅራ ግእዝ ዝነበረ መጋባእያ'ውን፡ ተኸሰስቲ ካብቲ መጋባእያ እንክወፅኡ፡ መሓዛ ዘውዱ ንዝዀነት ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄር፡ "እታ ግዘ ትፀብብ ዘላ ንዓኺ'ያ ክነርእየኪ ኢና!" ኢሎም ከም ዘፈራርሕዋ ገሊፃ።

ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄርን ዘውዱ ሃፍቱን ኣብ 2003 ኣቈፃፅራ ግእዝ ካብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝጀመረ ን13 ዓመታት ዝቐፀለ ፅኑዕ ምሕዝነት ነይሩወን።

ሰምሃል፡ እቲ ንመሓዛኣ ዝቐዘፈ ዘስካሕክሕ ቅትለት ብዓይና ርእያን ዘውዱ በቶም ተኸሰስቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠማ ክተእዊ እንከላ እውን ሰሚዓታን እያ።


ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄርን (ፀጋም) ዘውዱ ሃፍቱን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, SEMHAL

መግለጺ ስእሊ, ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄርን (ፀጋም) ዘውዱ ሃፍቱን (የማን) ን13 ዓመታት ዝቐፀለ ፅኑዕ ምሕዝነት ነይሩወን

መሓዝኣ ሰምሃል፡ "ኣነ እናእወኹ ደድሕሪኣ ይጐዪ ነይረ። ንሳ'ውን ተእዊ ነይራ. . . ጐቲቶም ምስ ወሰዱዋ ኣብ መወዳእታ ክድርብይዋ ብርሕቐት ርእየ። እታ መኪና ብቕልጣፈ ትውንጨፍ ስለ ዝነበረት ኣብ መንጎና ናይ ርሕቐት ፍልልይ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ክበፅሕ እንከለኹ ሰብ ከቢቡ ይርእያ ከም ዝነበረ እዝክር... እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ጐዲእዋ፡ ርእሳ ተጨፍሊቑ'ያ ፀኒሓትኒ፤ ብህይወት ዘላ ስለ ዝመሰለኒ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ሒዝናያ ኬድና፡" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፃ ነይራ።

ዘውዱ ግና ብዝወረዳ ማህሰይቲ ብህይወት ኣይነበረትን፤ ሰምሃል ከኣ ንመሓዛኣ ብኸምዚ ዓይነት ቅትለት ስኢናታ።

ሰምሃል ገብረእግዚኣብሄር'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 08 ግንቦት 2017 ኣቈፃፅራ ግእዝ ኣብ መጋባእያ ዕግርግር ምፍጣሩ ስዒቡ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ተኸሰስቲ፡ 'እዛ ግዘ ትፀብብ ዘላ ንዓኺ'ያ። ክንቀትለኪ ኢና፣ ክንሓርደኪ ኢና' ከም ዝበልዋ ንቢቢሲ ኣረጋጊፃ።

ዘውዱ ክሳብ እታ ዝተቐተለትላ ዕለት ዕቍብ እናኣከበት እያ ንስድርኣ ትናብዮም ነይራ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ስድራቤታ ብህይወት እናሃለወት ትሕልዎ ኣብ ዝነበረት ናይ ሓደ ኣብ ደገ ዝነብር ሰብ ገዛ ተፀጊዖም'ዮም ዝነብሩ። መሓዙታን በቲ ኵነታት ዝሓዘኑን ሰባት ከም ዝሕግዝዎም ትገልፅ ብርቱኳን፡ ናይ ቍጠባ ፀገም ከም ዘለዎም ግና ኣይሓብአትን።

ኣብ ማእከል ኣደባባይ ዘውዱ ብግፍዓዊ ኣቀታትላ እንክትቅተል፡ ቅልጡፍ ፍትሒ ዘይምንጋሱ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕትን ቅትለትን ክፍፀም ከም ዘተባብዐ ትገልፅ ብርቱኳን፡ መሃራይ ዝዀነ ፍርዲ ክወሃብ ከም ዘለዎ ትገልፅ።

"ግቡእ ትምህርቲ ዝህብ ፍትሒ ብቕልጡፍ ክርከብ እኔሀዎ። ብድሕሪ ዘውዱ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣሕዋትና ኢና ስኢንና። ዘውዱ ኣብ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ውሽጢ ፍትሒ እንተ ትረክብ ነይራ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣሕዋትና ብህይወት ምተረፋ ነይረን።

እቲ ሎሚ ዝርከብ ፍትሒ ነተን ዝሞታ ኣሕዋትና ዘይኰነስ፡ ነተን ብህይወት ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ኣሕዋትና'ዩ፣ ንዝተረፍና ደቂኣንስትዮ ከለላ ዝኸውን'ዩ፡" ትብል።