ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪን ስግኣት ዜጋታትን

ብዙሓት ፍልስጤማውያን ናብቲ ብኲናት ዝዓነወ ገዛውቶም ተመሊሶም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ፍልስጤማውያን ናብቲ ብኲናት ዝዓነወ ገዛውቶም ተመሊሶም'ዮም
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እስራኤል፡ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታታ "ክሳዕ ቀዳም እንተ ዘይተለቒቖም" ወተሃደራዊ ስርሒታታ ኣብ ቓዛ ክትጅምሮ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።

ነዚ ስዒቡ፡እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን እቲ ተነቃፊ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ በቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከይፈርስ ዘለዎም ስግኣት ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ካብ 19 ጥሪ 2025 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ተግባራዊ ክኸዉን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሓማስ 'እስራኤል ንውዕላት ናይቲ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ጥሒሳቶ' ብምባል፡ ተወሳኺ ምልክታ ክሳብ ዝወሃቦ ምሩኻት ናጻ ከም ዘይሰድድ ድሕሪ ምግላጹ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ብሰሉስ መጠንቀቕታ ሂቡ።

ወዲ 21 ዓመት ኢማድ ቁደያህ - ኣብ ጐደናታት ካኑ ዩኑስ ኰይኑ - "ሻቝሎትን ፍርሕን" ዓብሊሉ ከም ዘሎ ይገልጽ።

ንሱ፡ ኣብታ ኵነታት 'እምብዛ ጽንኩር' ኰይኑላ ዘሎ ደቡባዊት ከተማ ኰይኑ፡ "ኵናት ዳግማይ ክለዓል ዝደሊ ሓደ'ኳ የልቦን፡" ይብል።

ኢማድ ብዛዕባ'ቲ ትራምፕ ቓዛውያን ካብታ ወሽመጥ ክወጽኡ ዘቕረቦ እማመ፡ ቍጥዐን ስግኣት ምምዝባልን ከም ዝፈጠረ ይገልጽ።

እንተዀነ፡ ውጥን ትራምፕ ግብራዊ ክኽውን ከም ዘይክእልን ዘረባ ጥራሕ ኰይኑ ከም ዝተርፍን ይኣምን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ምብራቓዊ ቓዛ ዝተመዛበለ ሳልማን ማሕሙድ ዓበድ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ክቕጽል፡ "ብኣምላኽ ተስፋ ከም ዝገብር፡" ይገልጽ።

"ንሕና ዝተመዛበልናን ቤት ኣልቦ ዝተረፍናን ኢና፡" ክብል ድማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ደቅና ስኢንና፣ ብዘይ ገዛ ተሪፍና፣ ጥዕና ኣእምሮ ክንስእን'ውን ኣብ ቀረባ ኣለና፡ ንቡር ህይወት ሓሪሙና፣ ግቡእ መግቢ ኰነ ስነ-ኣእምራዊ ዕረፍቲ የብልናን፡" ይብል።

"ሓማስን እስራኤል ዳግማይ ኲናት ከይጅምሩ ንምሕጸኖም ኣለና፣ ምኽንያቱ፡ ብዂናት ረብሪብና ኢና።"

ዓሊ ሱሌማን ራሽድ - ብዙሕ ሳዕ ዝተመዛበለ ፍልስጤማዊ - ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ኰይኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ትራጀዲ ይኣክል፣ እቲ ልግጫ የብቅዕ፡" ኢሉ።

"ነዚ ዘሎ ኵነታት ከውሕሱ፣ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ኣጽኒዖም ከቐጽሉን ኲናት ከብቅዕን እዩ ድሌትና።"

ዋላ'ኳ እቲ ውግእ ንሓጺር እዋን ደው እንተ በለ፡ ነቲ ኲናት ንምውዳእ ገና ነዊሕ ርሕቀት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ "እቲ ኲናት ይቕጽል ኣሎ፣ ክሳዕ ሕጂ'ውን እንነብረሉ ቦታ የብልናን፡" ኢሉ።

ካብ ሰሜን ቓዛ ዝተመዛበለ ኣቡ ኣሕመድ፡ በቲ ኲናት ይዅን ብመግለጺ ትራምፕ ከም ዘይሰግአ ገሊጹ።

"ንሕና ብዛዕባ ኲናት ኣይንፈርሕ ኢና፣ ምኽንያቱ፡ ብዙሕ ሳዕ ነቢርናዮ ኢና። እቲ ዝኸውን ድማ ይዅን። ኣብዚ ጸኒሕና ኣለና፣ እቲ ኣምላኽ ብጽሑዎ ዝበለና ድማ ኣብ መወዳእታኡ ክኸውን እዩ።"

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወገን እስራኤል ዘሎ፡ ማናቱ ኣሕዋቱ ጅሆ ዝተታሕዙዎ ወዲ 27 ዓመት ሊሮን በርማን፡ ኣሕዋቱ ብህይወት ምህላዎም ተበሲሩ።

"ኣሕዋተይ ብህይወት ከም ዘለዉ ምስማዕና ንዓና ዓቢዩ ነገር እዩ፡" ክብል፡ ድምጹ ብስምዒት እናተቘራረጸ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"እዚ ምስማዕና ንንያትና ሓፍ የብሎ፣ ብህጹጽ ንኽወጽኡ ድማ ንጽዕር ኣለና፡" ይብል።

እንተዀነ፡ እቲ እንኮ ዕድሎም ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ምዕቃብ ምዃኑ ይገልጽ።

"ዕላማ ስድራና፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕ ዝተገብረ ስምምዕ ከም ዝቕጽል ምርግጋጽ'ዩ። እቲ ተዅሲ ደው ምባል ዝዕቀብ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ከም ዝፍትሑ ብምግባር ጥራሕ እዩ፡" ይብል።

ብ7 ጥቅምቲ 2023 ወዳ ብሓማስ ዝተታሕዛ ቪኪ ኮሀን፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ብግልጺ እያ ተዛሪባ።

"ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ፡" ትብል'ሞ፡ "ኣብ ሓደጋ እዮም ዘለዉ፡" ትውስኽ።

ኵነታት ናይዞም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈትሑ ሰባት ስግኣቶም ክዓቢ ከም ዝገበሮ ትገልጽ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን - ኣብ እዋን ምርኽኻብ - ብዕጡቓት ሓማስ ተዓጅቦም ዝተራእዩ ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዙ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ዓይኖም ደኺሙን ቈርቊሩን ነይሩ።

"ብዛዕባ ወደይ ከኣ እምብዛ ፈሪሐን ኣዝየ ተሻቒለን፡" ትብል።

ንምምላስ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣመልኪታ ናብ ነታንያሁ ኣብ ዘቕረበቶ ጻውዒት፡ "ቅኑዕ ስጕምቲ ውሰድ፣ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝጠቅም ድማ ግበር፡" ኢላ።

እቲ ስክፍትኣ፡ ዘመዱ ጅሆ ዝተታሕዞ ዱዲ ዛልማኖቪች ገሊጹላ እዩ።

ወዲ 22 ዓመት ወዲ ሓዉ፡ ጥዕና ስለ ዘይብሉ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ምልልውዋጥ ክስደድ ነይሩዎ።

"እዚ ስምምዕ ምቍራስ ተዅሲ ደው ክብል ከም ዝኽእል ዝናፈስ ዘሎ ዜና፡ ብሓቂ የፍርሓና እዩ፡" ድማ ይብል።

ኣካላዊ ኵነታት ናይዞም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈትሑ ጅሆታት፡ ነቲ ጭንቀቶም ክብእስ ከም ዝገበሮ እዩ ዝገልጽ።

ዱዲ ዛልማኖቪች፡ "ዝዀነ መመኽነይታ" ነቲ ስምምዕ ንምፍራስ ክውዕል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ስድራ ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ኵሎም ናብ ቤቶም ክምለሱ ንመንግስቲ እስራኤል ይጽውዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓደ ላዕለዋይ ግብጻዊ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዞባዊ መንጐኛታት ግብጽን ቀጠርን "ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተኹሲ ንምውሓስ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታተን የሐይላ ከም ዘለዋ፡" ሓቢሩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ሓማስ ብወገኑ፡ "ነዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ንምግታእ" ሓደ ላዕለዋይ ልኡኽ ሓማስ ንዘተ ናብ ካይሮ ኣትዩ ኣሎ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ጕጅልኡ ንውዕል እቲ ስምምዕ "ምሉእ ተወፋይነት" ከም ዘለዎ ደጊሙ ገሊጹ።