ሓማስ ክሳብ ቀዳም ጅሆታት እንተ ዘይፈቲሑ፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዘብቅዕ እስራኤል ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያምን ነታንያሁ፡ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስ "ክሳብ ቀዳም ፍርቂ መዓልቲ ጅሆታትና እንተ ዘይመሊሱ"፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ከብቅዕን ጽዑቕ ውግእ ክጅምርን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ነታንያሁ፡ ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም ሰባት ብናጻ ምፍናው ከም ዘናውሖ ምግላጹ ስዒቡ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ውሽጥን ከባብን ቓዛ ክእከቡ ትእዛዝ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንዅሎም እቶም ዝተረፉ 76 ጅሆታት ክፍትሑ ድዩ ዝሓትት ዘሎ ወይስ እቶም ኣብዚ ቀዳም ናጻ ክወጽኡ ትጽቢት ዝግበረሎም ሰለስተ ሰባት ጥራሕ ዝብል ኣይተነጸረን። ሓደ ምኒስተር ግን "ኵሎም ክፍትሑ" ማለቱ ምዃኑ ገሊጹ።
ነዚ ኣመልኪቱ መልሲ ዝሃበ ሓማስ ብወገኑ፡ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከተግብር ዝተወፈየ ከም ዝዀነ ብምርግጋጽ፡ እስራኤል ግን "ንዝዀነ ይዅን ሕልኽላኽ ወይ ምድንጓያት ተሓታቲት'ያ፡" ክብል ከሲሱ።
እቲ ጕጅለ፡ እስራኤል ኣገደስቲ ሰብኣዊ ሓገዝታት ብምዕጋት ሓዊሱ ነቲ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝጠሓሰት ይኸስስ። እስራኤል ግን ነዚ ክሲ ትነጽጎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓማስ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ከፈጽሞ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ከደናጕዮ ምውሳኑ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኵሎም እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ" ክሳብ ቀዳም እንተ ዘይተመሊሶም እስራኤል ነቲ ስምምዕ ጠቕሊላ ክትስርዞ ሓሳብ ከቕርብ ደሪኹዎ'ሎ።
ነታንያሁ ድሕሪ እዚ ትማሊ ሰሉስ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ "ንጠለብ ፕረዚደንት ትራምፕ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ፡" ገሊጹ።
ቀጺሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ውሽጢ - ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ምድረበዳ ቓዛ ክእክቡ መምርሒ ምሃቡ ሓቢሩ።
"ሓማስ ክሳብ ቀዳም ፍርቂ መዓልቲ ጅሆታትና እንተ ዘይመሊሱ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ከብቅዕ'ዩ። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ድማ ክሳብ ናይ መወዳእታ ስዕረት ሓማስ ጽዑቕ ውግእ ክጅምር'ዩ፡" ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ድማ ነቲ ኣብ ከባቢ ቓዛ ዝፍጸም ስርሒታት ዘካይድ ደቡባዊ እዚ ንደረጃ ድልውንቱ ከም ዘዕብዮን ንዕቑር ሰራዊት ሓዊሱ ተወሳኺ ሰራዊት ከም ዘደልድልን ኣፍሊጡ'ሎ።
ሓማስ፡ ነቲ ኣመሪካ ድሕሪ ኲናት ንቓዛ ክትሕዝን ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ንሓዋሩ ከተግዕዝን ብትራምፕ ዝቐረበ ኣካታዒ ውጥን ከም ዝነጸጎ ብሰሉስ ደጊሙ ምግላጹ ይዝከር።
ሓማስ "ዓሌታውን ንድልየት ፍልስጤም ዝድምስስን፣ ከምኡ'ውን ንህዝብና ሃገራዊ መሰላቱ ንምኽላእ ዝዓለመ ጻውዒት ምጽጻይ ዓሌት፡" ክብል ንዘረባ ትራምፕ ነቒፉ።
ሰበስልጣን ፍልስጤምን ሃገራት ዓረብን እውን ነቲ ውጥን ብፍጹም ክነጽግዎ እንከለዉ፡ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ዝዀነ ይዅን ግዱድ ምምዝባል ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ክልኩልን "ምስ ምጽጻይ ዓሌታት ዝዳረግ" ምዃኑን ኣጠንቂቑ።
ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓማስ ባሰም ናይም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንጐኛታት ኣመሪካ፡ ቀጠርን ግብጽን ጣልቃ ብምእታው ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ናብ ንቡር ንምምላስ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ብሰሉስ ሓቢሩ ነይሩ።
"እዚ ስምምዕ ክፈርስ ኣይንምነን። ዝዀነ ዕንቅፋትን ብድሆን ንኸይፍጠር ኵሉ ንገብር ኣለና። ስለዚ ድማ እቲ ኵነታት ብመንገዲ መንጎኛታት እንተ ተኣሪሙ ዝመጽእ ቀዳም እሱራት ከነረክብ ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ብድምር 33 እስራኤላውያን ጅሆታት ምስ ኣስታት 1,900 ፍልስጤማውያን እሱራትን ምልውዋጥ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ተዅሲ ደው ምባል፡ ካብ 19 ጥሪ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ 16 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናጻ ኰይኖም ኣለዉ። ሓማስ ካብ ውዕል እቲ ስምምዕ ወጻኢ ሓሙሽተ ጅሆ ዝተታሕዙ ታይላንዳውያን እውን ኣረኪቡ ኣሎ።
እቶም ዝተረፉ 17 እስራኤላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ - ክልተ ቈልዑ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓሙሽተ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦምን ትሽዓተ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦምን ደቂ ተባዕትዮ - ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ሰሙናት ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር። ክልቲኦም ወገናት ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሸሞንተ ከም ዝሞቱ እኳ እንተ ገለጹ፡ ስሙ ዝተጠቐሰ ግን ሓደ ጥራሕ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ንዝፈጸሞ ሃንደበታዊ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ወፍሪ ጀሚሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 48,210 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ቓዛ እውን ተመዛቢሉ፣ ዳርጋ 70 ምኢታዊት ህንጻታት ከም ዝተሃስየ ወይ ከም ዝዓነወ ይግመት።
ስርዓተ ክንክን ጥዕና፡ ማይ፡ ጽሬትን ፈሪሱ፡ ሕጽረትታት መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒትን መጽለልን እውን ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



