ብጌጋ ኣብ ሆስፒታል ን45 ዓመታት ዝተዓጸወት ኣፍሪቃዊት

ኢድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓንቲ ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዋ 'ኦቲስቲክ' ሰበይቲ፡ ካብ 7 ዓመታ ጀሚራ ን45 ዓመታት ኣብ ሆስፒታል ጥዕና ኣእምሮ ብጌጋ ከም ዝተዓጽወት ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እታ መበቆላ ሴራሊዮናዊት ምዃና ዝእመን ውልቀሰብ፡ መንነታ ንምዕቃብ ካሲባ ዝብል ስም ተዋሂብዋ'ሎ።

ካሲባ ዘይትዛረብ ኰይና ብዛዕብኣ ክገልጽ ዝኽእል ቤተሰብ እውን የብላን። ሓንቲ ሓኪም ጥዕና ኣእምሮ ግን ንትሸዓተ ዓመታት ድሕሪ ዝገበረቶ ቃልሲ ክተፍትሓ ክኢላ።

45 ዓመታት 'ማእሰርቲ ኣብ ሆስፒታል'

ዶክተር ፓትሲ ስታይት ብዛዕባ ማእሰርቲ ካሲባ ኣብ 2013 ክትፈልጥ ክኢላ።

ሽዑ ልሙድ ክትትል ተሓከምቲ እናካየደት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ርእያታ።

ሓራ ንኽተውጽኣ ግን ትሽዓተ ዓመት ወሲዱላ።

ዶክተር ስታይት "ኣብቲ ንሳ እትነብረሉ ዝነበረት ኵነታት ዝነብር ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን።

እቲ ብሓቂ ዘሰንብድ ዝነበረ ድማ ኩሉ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ዝመስል ምንባሩ እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እቲ ሕጋዊ ዝመስል ኣካይዳ ናይቲ ሆስፒታል፡ ካሲባ ገለ እዋናት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 23 ሰዓታት እትዕጸወሉ ኵነታት ዝፈጠረ ነይሩ።

ኣብ ሓጹር እቲ ስሙ ዘይተጠቐሰ ሆስፒታል ንእሽቶ ነዃል ከም ዝረኣየት ዶክተር ስታይት ትገልጽ።

እዚ ድማ ካሲባ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ቦታ ኮይና ሰባት ክሓልፉ ከለዉ ክትርእይ ዘኽእላ ነይሩ።

ሕጂ ኣብ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ካሲባ፡ ቆልዓ ሓሙሽተ ዓመት እናሃለወት ካብ ሴራሊዮን ከም ዝመጽአት ይግመት።

ንዝተወሰነ እዋን ኣብ መዕበዪ ቈልዑ ትነብር ነይራ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነት ግን ናብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐትሉ ሆስፒታል ተሰጋጊራ።

ሰራሕተኛታት ንካሲባ "ሓደገኛ"ን "መንቆሪት ዓይኒ" ክብሉ ከምዝገልጽዋ ዶክተር ስታይት ትዛረብ።

እታ ዶክተር ነቲ 'መንቆሪት ዓይኒ' ዝተብሃለትሉ ምኽንያት ዘረድእ ፍጻመ ዝሓዘ ሓደ መዝገብ ከም ዝረኸበት ትገልጽ።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ከኣ፡ ናብ ክስታት ዓመጽ ዝመርሐ ይመስል።

ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካሲባ ጓል 19 ዓመት እናሃለትን ናብቲ ንነዊሕ ዓመታት ንበይና ዝተነጸለትሉ ቦታ ቅድሚ ምእታዋን፡ ሓደ መዓልቲ መጠንቀቕታ ሓደጋ ሓዊ ይስማዕ።

ኵሉ ሰብ ድማ ነብሱ ከድሕን ክሃድም ይጅምር።

ካሲባ በቲ ኵነታት ተጨኒቓን ናብ ደንገርገር ኣትያን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ካልእ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበረት ተሓካሚት ናብኣ ትቐርባ።

ሽዑ ካሲባ ነታ ተሓካሚት ብኣጽፋራ ትጽሕትራ። ኣብ ዓይና ድማ ጉድኣት ተብጽሐላ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ መግለጺ ካሲባ እቲ ፍጻመ ክኸውን ክኢሉ።

ኣብ ልዕሊኣ ዝዝረብ ዘረባታት "ንሳ ዓይኒ እተንቁር ሰብ እያ፤ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዳ" ዝብሉ ከም ዝዀኑ ዶክተር ስታይት ተረድእ።

"ኮሚተ ሓርነት"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ስታይት ንኣዋርሕ ነቲ ጉዳይ ክትምርምር ድሕሪ ምጽናሕ 50 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ናብቲ ንካሲባ ናብ ሆስፒታል ክትኣትው ዝገበረ ኣብ ሰሜን ለንደን ዝርከብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ኣቕሪባ።

ካሲባ ሕማም ኣእምሮ ከም ዘይብላ ድሮ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ፡ ኣብ ጸብጻባ ድማ እታ ውልቀሰብ ሓደገኛ ከምዘይኮነትን ናብ ማሕበረሰብ ክትጽምበር ብቕዕቲ ምዃናን ከም ዝደምደመት ገሊጻ።

ብድሕሪኡ ኣብ 2016 "ኮሚተ ሓራ ምውጻእ" ብዝብል መጸውዒ ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ተጣይሹ። ተልእኾኦም ንካሲባ ሓራ ምውጻእ እዩ ነይሩ።

ዶክተር ፓትሲ ስታይት እውን ኣባል እቲ ንካሲባ ሓራ ከውጽእ ዝቖመ ኮሚተ ሰብ ሞያ ነይራ።

ሉሲ ዳንስታን ካብ ትካል ተጣባቒ መሰላት ስንኩላን 'ቻንጂንግ ኦር ላይቭስ' ኰይና፡ ካሲባ ካብ ሆስፒታል ንክትወጽእ ብቝዕቲ ከምዝኾነት ዘገንዝብ መረዳእታ ክትስንድ ሓላፍነት ዝተወሃባ በዓልቲ ሞያ እያ።

ምፍታሕ ካሲባ ግን በቲ ባዕሎም ክውስኑ ዘኽእሎም ብቑዕ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንዘይብሎም ሰባት ብምውካል ውሳነ ዝህብ ቤት ፍርዲ ሓለዋ ጥራይ እዩ ክፈርም ዝኽእል ነይሩ።

ሉሲ ንፈለማእ እዋን ንካሲባ ክትረኽባ ከላ፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል "እታ መንቆሪት ዓይኒ" ክብሉ ከም ዘላለይዋ ትዝክር።

ንሳ፡ ንካሲባ በታ ንእሽቶ መስኮት ዘላታ ማዕጾ ኣስሊዃ ክትጥምታ ከም እትዝክር ትዛረብ።

"ደቂሳ ነይራ። ባዶ ክፍሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ፍጹም ዘሕዝን ኵነታት እያ ነይራ" ትብል።

ሚስ ሉሲ ዳንስታን፡ ቤት ፍርዲ ሓለዋ ስልኪ ደዊሊ ካሲባ ካብ ሆስፒታል ክትወጽእ ከም እትኽእል ክነግራ ከሎ ዝተሰምዓ ስምዒት ዝተሓዋወሰ ነይሩ።

"በኽየ፤ ሓጎስ፣ እፎይታ፤ ኩርዓት ተሰሚዑኒ" ትብል።

ኣስዒባ "ብዛዕባይን ብዛዕባ ዝገበርናዮን ዘይኮነስ ንሳ ነዚ ኵሉ ምጽዋራን ብቕዓታ ክተርእዮም ምኽኣላን እዩ" ክትብል ገሊጻ።

ሎሚ ካሲባ ብሰብሞያ እናተሓገዘት ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ትነብር ኣላ። ሓላፊ ክትትል ጥዕንኣ፡ ፋሽን ከም እትፈቱ፤ ኣብ ገዛ ምህላዋ ከም እትሕበንን ማሕበራዊ ርክባት ከም እተስተማቕርን ገሊጹ።

እቲ ብባይቶ ዝሓልፍ ዘሎ እማመ ጥዕና ኣእምሮ እንግዘዝን ዌልስን፡ ኦቲስቲክ ሰባትን ከምኡ'ውን ናይ መምሃር ጸገም ዘለዎም ግን ከኣ ኩነታት ጥዕና ኣእምሮ ዘይብሎም፡ ድሕሪ ደጊም ንክትትል ሕክምና ክእሰሩ ከም ዘይብሎም ክድንግግ ትጽቢት ይግበር።

ጀስ ማክግረጎር ዝተብሃለት በዓልቲ ስልጣን ጥዕና እቲ ከባቢ፡ ካሲባ ዝበዝሕ ህይወታ ኣብ ሆስፒታል ተቐይዳ ምሕላፋ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ምዃኑ ብምግላጽ "ብውልቀይ ይቕሬታ ይሓትት" ኢላ።

ክፍሊ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን እንግሊዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ጥዕና ኣእምሮ ተኣሲሮም ምህላዎም ቅቡል ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ኣብ ሕጊ ጥዕና ኣእምሮ ዝግበር ምምሕያሽ ንኸምዚኦም ዝበሉ ዘይግቡእ ማእሰርቲ ክከላኸል ተስፋ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሕዚ ልዕሊ 2000 ኦቲስቲክ ሰባትን ናይ ትምህርቲ ጸገም ዘለዎምን ኣብ ሆስፒታላት ጥዕና ኣእምሮ እንግሊዝ ተኣሲሮም ይርከቡ። ካብ መንጎኦም ኣስታት 200 ህጻናት ይርከብዎም።

መንግስቲ ንብዙሓት ካብኣቶም ናብ ማሕበረሰባዊ ክንክን ከሰጋግሮም ምዃኑ ንዓመታት ቃል ክኣቱ ጸኒሑ'ሎ። ነዚ ክገብር ዝወሰነ ድማ ዝኾነ ዓይነት ሕማም ኣእምሮ ስለ ዘይብሎም።

ቢቢሲ ኣብ 2011፡ ኣብ ከባቢ ብሪስቶል ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ዊንተርቦርን ቪው ኣብ ልዕሊ ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም ገበናዊ ግህሰት ድሕሪ ምቅልዑ፡ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ቃል ኣትዩ ነይሩ።