ኢማን መሓመድ፡ ዛንታ እታ ስልማታ ሸይጣ ማእከል ኦቲዝም ዝኸፈተት ኣደ

ኢማን መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, AMC

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሓደ መዓልቲ፡ ሃንደበት፡ ሓደ ቈልዓ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ትርኢ። ወለዱ፡ ብምኽንያት ኵነታት እቲ ቈልዓ ተፈላልዮም'ዮም።

ኣደ፡ ውላዳ እተዕብየሉ እቶት የብላን። ስለዝዀነ ድማ፡ ወዳ ብሰንለት ኣሲራ ብምኻድ መዓልታዊ ስራሕ ሰሪሓ ትምለስ።

እዚ፡ ንኢማን መሓመድ ሚሒር ከብዳ ዝበልዐ ነገር ነበረ። ኢማን፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ'ያ።

"ከልቢ ጥራይ'ዩ ብሰንሰለት ክእሰር ዝፈልጥ፡" ትብል።

እዚ ክዛረብ ዘይኽእል ህጻን ብኸምዚ ተኣሲሩ ምስ ርኣየቶ፡ ኣንፈት ህይወታ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተቐይሩ።

"ንነብሰይ እቲ ቈልዓን እታ ኣደን ኣብ ዘለዉሉ ኣእትየ፡ ብዛዕባ ዘለኹሉ ኵነታት ሓሲበ፡ ካብ ሕልናይ ንላዕሊ እዩ ኰይኑኒ፡"።

በዚ ምኽንያት፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ መግቢ ብኣግባቡ ክትምገብ ይዅን ክትረጋጋእ ከም ዘይክኣለት ትዛረብ።

ኢማን ኣብቲ እዋን፡ ስድራኣ ንኽትሓትት ምስ ክልተ ደቃ ናብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ከይዳ።

ምሉእ ስድራኣ ሒዛ ናብ ካናዳ ክትከይድ'ውን መስርሓት ጀሚራ ነይራ።

ኢማን፡ ኣብ ከተማ ደሴ እያ ተወሊዳ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዓብያ።

ድሕሪኡ ግን ሓትነታታ ናብ ዘለዋሉ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ዝበዝሐ ዕድመኣ ኣብኡ ኣሕሊፋቶ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ሓዳር መስሪታ ክልተ ቈልዑ ወሊዳ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ በዅሪ ውላዳ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኣ ምዝራብ ኣይትኽእልን ነይራ።

ሰባት፡ 'ምስ ቈልዑ ክትራኸብ ግበሪ' እናበሉ ይመኽሩዋ ከም ዝነበሩ ትዝክር።

ኣብ ጓላ ካልእ ምልክታት ስለ ዘይረኣየት ድማ ምስ ግዜ ዝመሓየሽ ነገር ክኸውን'ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዋ።

"ደቀይ ሒዘዮም ምዝናይ ይፈቱ'የ፡" እትብል ኢማን፡ ከምቲ ዝተብሃለቶ ደቃ ምስ ካልኦት ቈልዑ ግዜ ከሕልፉ እንተገበረት'ውን ኵነታታ ክመሓየሽ ኣይክኣለን።

ስድራ ክትሓትት ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጽአት፡ ጓላ ኦቲዝም ከም ዘለዋ ፈሊጣ።

"ክሰምዖ እንከለኹ፡ ንምእማኑ ተጸጊመ ነይረ፤ ይዅን'ምበር ንጓለይ ዘድሊ ዘበለ ክገብር ምዃነይ ነቲ ሓኪም ቃል ኣትየሉ" ትብል።

ጓላ ንምሕጋዝ፡ ብዛዕባ ኦቲዝም ከተንብብን ሕቶታት ክትሓትትን ምስ ጀመረት ኣዝዩ ከም ዝኸበዳ ኣይሓብአትን።

ኣዒንታ'ውን ወትሩ ይነብ፤ ናብ ፈጣሪኣ ዘማረረትሉ እዋናት ብዙሕ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ዝተሓዋወሰ ኵነታት እንከላ 'ዱዓ' ክትገብረላ ዝሓተተታ ሰበይቲ "ካብዚ ዝገደደ ነገር ኣሎ" ኢላ ናብ ኣደ እቲ ብሰንሰለት ዝእሰር ቈልዓ ወሰደታ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኵነታት እቲ ህጻን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ ሕማሙ ሕማቕ ኵነታት መነባብሮ ተወሲኽዎ ኣብ ክፋእ ቦታ ወዲቑ ተዓዚባ።

ኣደኡ'ውን እንተዀነት ሕሱም ናብራ ትመርሕ ከም ዘላ ኣብ ገጻ እዩ ዝንበብ ነይሩ።

"ጓለይ ንኽልተ ሰለስተ መዓልታት ስለ ዘይትድቅስ፡ እቲ ቃንዛ ይፈልጦ'የ፤ ሰራሕተኛን ሓጋዚትን ሒዘ ዝኸበደኒ ሰብ፡ ንነብሰይ ኣብ ናብራ እታ ኣደ ኣእቲየ ርእየያ። ንመዓልታት ኣዒንትኻ ስልም እንከየበላ፡ መዓልታዊ ሸቕሊ እናሸቀልካ ምንባር ከቢድ እዩ" ትብል።

እዞም ስድራ ዘለውሉ ኵነታት ንምቅላል ኣዝዩ ዝኸበዳ ኣሚና፡ እቲ ቈልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ከተእትዎ ትመኽራ፤ እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ንዕኡ ዝኸዉን ቤት ትምህርቲ ኣይነበረን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከባ ማእከላት ብምድዋል እቲ ቈልዓ ንክቕበሉዎ ብምሕታት ክትሕግዛ ፈቲና እያ፤ እዚ'ዉን ኣይሰመረን።

"ቦታ የለን፤ ብዙሓት ሰባት ሪጋ ሒዞም ይጽበዩ እዮም ዘለዉ" ዝብል መልሲ ተዋሂቡዋ።

በዚ ኵነታት ልባ ዝተተንከፈት ኢማን፡ ነዞም ህጻናት ዝኸዉን ቤት ትምህርቲ ክትከፍት ወሲና። ስድራኣን በዓል ቤታን ግን ነዚ ብቐሊሉ ኣይተቐበሉዎን።

እንተዀነ፡ ኣብ ኢዳ ብዝነበረ 20 ሽሕ ብር፡ በዓል ሰለስተ ክፍሊ ገዛ ተኻርያ ብሽም በዅሪ ውላዳ ዝሰየመቶ 'ዋን' ዝተባህለ መውዓሊ ህጻናት ከፊታ።

ሽዑ፡ ሓሙሽተ ቈልዑ መጺኦም፤ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ክራይ ገዛን ደሞዝ ሰራሕተኛን ክትከፍል ክጽግማ ጀሚሩ።

ነዚ ዘይሕለል ጻዕሪ እትፈልጥ ኣብ ኣመሪካ እትነብር መሓዛኣ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ወጻኢታት ትሽፍነላ። እኹል ግን ኣይኰነን።

"መጋየጺታተይ [ወርቂ] ሸይጠ ናይ ሓደ ዓመት ክራይ ገዛ ከፊለ" ትብል።

እቲ ቤት ትምህርቲ ዝሓቶ ትሑት ክፍሊት ከፊሉ ደቁ ናብኡ ዘምጽእ ወላዲ ግን ተሳኢኑ።

ኣብ መንጐ፡ ነዚ ታሪኽ ዝሰምዐት ካልእ ኣብ ኣመሪካ እትቕመጥ ጓለንስተይቲ፡ ናይ 30 ቈልዑ ወጻኢታት ትሽፍነላ።

ኢማን፡ በዚ ዘላቒ ዘይኰነ ሓገዛት እናተሓገዘት፡ ሓያሎ ቢሮክራሲታት እናሓለፈት፡ ቅድም ኢሎም ካልኦት ማእከላት ካብ ዝኸፈቱ ሰባት ተመኵሮ እናወሰደት፡ ብ2016 [ኣ.ግ] ማእከል ኦቲዝም ክትከፍት ዘኽእላ ፍቓድ ረኺባ።

እንተዀነ፡ ኦቲዝም ዘለዎም ቈልዑ ካብ ዝተሓብእሉ ውሻጠ ኣውጺኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘምጽእ ስድራ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰነ።

"ጓለይ ሒዘ ጐስጓስ ጀሚረ"

ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከም ኦቲዝም ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና፡ ብመርገም ዝመጽኡ'ዮም ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ብሰንኪ እዚ ግጕይ ኣረኣእያ፡ ወለዲ ደቈም ሓቢኦም ከዕብዩዎም ይግደዱ።

ግንዛበ ዘለዎም ወለዲ ድማ እዅል ትሕተ ቕርጺን እዅል ኣብያተ ትምህርትን ብዘይምህላዉ ኣብ ገዛ ሒዞምዎም ይቕመጡ።

ኢማን ወለዲ ንደቈም ናብ ቤት ትምህርቲ መታን ክሰድዱ ንገዛእ ጓላ ከም ኣብነት ብምጥቃም ነቲ ማሕበረሰብ ከተነቓቓሕ ጀመረት።

"ምስ ጓለይ ኣብ ከተማ ይዘውር፤ እዚ፡ ገለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ጽቡቕ ድቃስ ንኽትረክብ ብዝብል፡ ብኻልእ ወገን ድማ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎም ህጻናት ንከይሽቝረሩ ብዝብል እየ ከምዙ ዝገብር ነይረ" ትብል።

ኢማን፡ ጓላ ኣብ መገዲ ድምጻ ዓዉ ከተብል እንከላ፡ ክትሽነን፡ ክዳና ከተውጽእ እንከላ ከም ዘይትጽቝረር ትዛረብ።

"እዛ ቈልዓ፡ ከምቲ ካልኦት ከም ሕማም ኩሊት፡ ጸላም ከብዲ፡ ወይ ካልእ ሕማም ዘጋጥሞም ሰባት፡ ጸገም ጥዕና እዩ ዘለዋ። ስለዚ ካባይ ካብ ኣደኣ ንላዕላ ክሕግዛ ዝኽእል ሰብ የለን፡" ትብል።

ስለዚ ወለዲ ብደቈም ከይሓፍሩ ወይ ከማርሩ ከም ዘይብሎም ትመክር።

ነቲ ጸገም ኣለልያ ንውላዳ ዝገበረቶ ሓገዝ ለውጢ ከም ዘምጽአ እትገልጽ ኢማን፡ ኦቲዝም ዘለዎም ህጻናት ብዙሕ ነገራት ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ትዛረብ፤ ፍሉይ ተውህቦ እውን ከም ዘለዎም ትኣምን።

እዚ'ዩ፡ ኣብ ናታቶም ዓለም ክትጥሕልን ሕልማ መሰረት ከንጽፍን ዝሓገዛ።

ማእከል ኦቲዝም ረዋን፡ ኣብዚ እዋን ንኣስታት 40 ግዳያት ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AMC

መግለጺ ስእሊ, ማእከል ኦቲዝም ረዋን፡ ኣብዚ እዋን ንኣስታት 40 ግዳያት ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ

ኦቲዝም እንታይ እዩ?

ኦቲዝም፡ ድሩትነት ዕብየት ኣእምሮ'ዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብ 100 ህጻናት እቲ ሓደ ንኦቲዝም ዝተቓልዐ'ዩ።

ሕክምናዊ መጸውዒኡ 'ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር' ወይ ኤኤስዲ ይበሃል፤ ገለ ሰባት ግን ኣብ ክንዲ ኤኤስዲ፡ 'ኣቲዝም ስፔክትረም ኮንዲሽን' ወይ ኤኤስሲ ዝብል መጸውዒ ይመርጹ።

እዚ፡ ከባቢያውን ጀነቲካውን ጸገማት ሓዊሱ ብብዙሓት ምኽንያታት ክመጽእ ከም ዝኽእል ሳይንሳዊ ጸብጻባት የመልክቱ።

ባህሪ ኦቲዝም ዘለዎም ቈልዑ ዝተፈላለየ ኰይኑ፡ ምስ ግዜ ባህሪኦም ክቕየር ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዘለዎም ህጻናት፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ጸገም ይስትውዓሎም።

ካልኦት ድማ፡ ዝተፈለየ ባህርን ተግባርን ይርኣዮም።

ምኽንያቱ ዛጊት ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኦቲዝም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣዋልድ ንላዕሊ ኣብ ኣወዳት'ዩ ዘጋጥም።

ምስዚ ኵነታት ዝነብሩ ሰባት ጸገም ምዕባለ ስለ ዝህልዎም፡ ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ፡ ባህርያትን ማሕበራዊ ህይወቶምን ይጽለው እዩ።

ምልክታት ኦቲዝም ክሳዕ ደሓር ከይተረኣዩ ክጸንሑ ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ኦቲስቲክ ከምዝዀነ ወይ ኦቲዝም ከምዘለዎ ብምርኣይ ጥራይ ክፍለጥ ኣይኽእልን።

ስለዝዀነ ድማ ንገለ ወለዲ፡ እዚ ኵነታት ኣብ ደቆም ምህላዉ ንምልላይ በዳሂ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ ኦቲዝም ዘለዎም ህጻናት ኣብ ምሉእ ዓቕሞም ንኽበጽሑ ኣብ ምሕጋዝ ብኣጋኡ ኣቓልቦ ምርካቦም ወሳኒ እዩ።

ኦቲዝም ብቐንዱ ብተፈጥሮ ብጀነቲካዊ ጸገም ዝመጽእ'ኳ እንተዀነ፡ ጽንኩርነቱ ግን ብናብዮት ወይ ብከባቢያዊ ረቛሒታት ክጽሎ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ሜላ ኣተዓባብያ ከምኡ'ውን ወለዲ፣ ኣሕዋት፣ መሓዙትን ብሓፈሻ ማሕበረሰብን ኣብ ኦቲዝም ዘለዎም ኣረኣእያ ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም።

ኣብ ገዛ ዝተሓብኡ ህጻናት

ኢማን ከም እትብሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካሊእ ማእከል ኦቲዝም የለን። ስለዝዀነ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተኸፍተ ዝሰምዑ ወለዲ፡ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ከይተረፈ፡ ደቆም ናብ ደሴ ምምጻእ ጀሚሮም ኣለዉ።

"ካብ ባቲ፡ መቐለ፡ ባህርዳር፡ ዓፋርን ካልኦት ከባቢታትን ወለዲ ደቈም ሒዞም ይመጽኡ ኣለዉ" ትብል።

ኣብ ከባቢኦም ከምዚ ዝበለ ማእከል ስለ ዘየለ ናብ ከተማ ደሴ ብምምጻእ ገዛ ተኻርየን ዝነብራ ብዙሓት ኣደታት ከም ዘለዋ እውን ትዛረብ።

ኢማን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንደቈም ክብሉ ስርሖም ዝገደፉ ሰብ ሞያ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ባንክን ከይተረፈ ከም ዘለዉ ትጠቅስ።

ነዚ ድሌት ወለዲ ብምርኣይ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ቦታ ክህባ ሓቲታ ምስ ተፈቕደላ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ተለወድቲ እታ ከተማ ብዝገበሩዎ ሓገዝ በዓል ኣርባዕተ ክፍሊ ገዛ ክትሰርሕ ክኢላ።

"ኣብዚ እዋን 40 ተምሃሮ ኣለውና፡ ንብዓት ብዙሓት ኣዴታት ተሓቢሱ'ዩ፤ ሓንቲ ኣደ ከተዕርፍ ምሕጋዝ ቀሊል ኣይኰነን" ትብል።

ይዅን'ምበር፡ ከምቲ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝረአ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ህጻናት ኣብ መጓዓዝያን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ቀዳምነት ስለ ዘይወሃቦም፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክመጽኡ እንከለዉ ኣጸጋሚ ኵነታት ከም ዝሓልፉ ይፍለጥ።

ኦቲዝም ግን፡ ጕዳይ ሓደ ስድራ ጥራይ ዘይኰነ ጕዳይ ጐረባብቲ፡ ማሕበረሰብን ሃገርን ክኸዉን ከም ዝግባእ ትዛረብ።

ብዙሓት ኣደታት፡ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎም ቈልዑ ሰብኡተን ገዲፎምወን እዮም ዝኸዱ።

ኣብ መንጐ ስድራቤት'ውን ጐይቅን ዘይምርድዳእን ክፍጠር ይስትዉዓል።

ኦቲዝም ዘለዎም ቈልዑ ብዘርእዩዎም ባህሪያት'ዉን ምስ ጐረባብቲ ዝህልወካ ዝምድናታት ክጽሎ ይርአ።

ብዙሓት ወለዲ'ውን ነዞም ቈልዑ ዝኸውን መጽንሒ ቦታታት ብዘይምህላዉ፡ ካብ ስርሖምን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባትን ይቦኽሩ።

እቶም ቈልዑ ድማ ንዝኸፍአ ጥዕናዊ ጸገማት ይቃልዑ።

ኦቲዝም ዘለዎም ቈልዑ ኣድላዪ ሓገዛት ብምግባር ዓርሶም ክኽእሉ ምግባር ይክኣል እዩ።