ተመሃሪት ኣብ ቤት ትምህርታ ብዝኸፈተቶ ተዅሲ ሞትን መቑሰልትን ኣጋጢሙ

ፖሊስ መግለጺ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, POLICE

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ዊስኮንሲን ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ክርስትያናዊ ቤት ትምህርቲ፡ መጥቃዕቲ ተዅሲ ዝፈጸመት ተመሃሪት ክልተ ሰባት ቀቲላ፤ ሽዱሽተ ድማ ቆሲሎም።

እታ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት ጓል 15 ዓመት ቈልዓ፡ ተመሃሪት እቲ ቤት ትምህርቲ ምዃና ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ማዲሰን - ሾን ባርነስ ኣፍሊጡ።

ነቲ መጥቃዕቲ ተኹሲ ቅድሚ ምኽፋታ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተረኺባ ከም ዝነበረትን ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ኣብቲ ቦታ ሞይታ ከም ዝተረኽበትን ሰብመዚ ሓቢሮም።

በቲ ንሳ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓደ ተመሃራይን መምህርን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ተማሃሮ ቆሲሎም።

ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ክልተ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ ተባሂሉ።

ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ማዲሰን ዝኾነ ሾን ባርነስ "ሎሚ ንከተማ ማዲሰን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንመላእ ሃገርና ዘሕዝን መዓልቲ'ዩ። ኣብ ማሕበረሰብና ዝሓሸ ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

ፖሊስ መንቀሊ እቲ ተዅሲ እንታይ ከም ዝዀነ ዛጊድ ከም ዘየለለየን፡ ስድራቤት እታ ተጠርጣሪት ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ይተሓባበሩ ከም ዘለዉን ወሲኹ ገሊጹ።

እታ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት ተመሃሪት ብኸመይ ነቲ ብረት ክትረክብ ክኢላ ዝብል'ውን ንጹር ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ።

እታ መጥቃዕቲ ፈጺማ ዝተባህለት ተመሃሪት ናታሊ ሩፕኖው ትባሃል ኰይና፡ ባዕላ ብዝተኰሰቶ ብጥይት ከም ዝሞተት ይእመን።

ወግዓዊ ጠንቂ ሞታ ግን ድሕሪ ውጽኢት መርመራ ሬሳ ክግለጽ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ተኹሲ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ መጽናዕቲ ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ክፍሊ ዝመሃሩ ተማሃሮ ዝተኣኻኸቡሉ ነይሩ።

ዳይሬክተር ዝምድናታት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ባርባራ ዊርስ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን ትምህር ከም ዝነበረት ብምጥቃስ ተመሃሮ ንነብሶም "ብብልሒ" ከም ዝተኸላኸሉ ገሊጻ።

ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ በጽሑ ነታ ፈጻሚት መጥቃዕቲ ሞይታ ምስ ሽጉጥ ኢድ ከም ዝተረኸብዋ ተፈሊጡ'ሎ።

ዝዀነ ኣባል ፖሊስ ምስኣ ምልውዋጥ ተዂሲ ከም ዘይገበረ'ውን ተሓቢሩ።

ፖሊስ ኣስማት ግዳያት ኣይገለጸን።

እቲ ክርስትያናዊ ቤት ትምህርቲ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ኣስታት 400 ተመሃሮ ኣለዉዎ።

ኣባላት ፖሊስ ኣብታ ቤት ትምህርቲ

ፖሊስ መርመራኡ ዝቐጸለ ኰይኑ እታ ቤት ትምህርቲ ንግዚኡ ክትዕጾ ተገይሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተኹሲ "ዘሰንብድን ጠገለ ዘይብሉን" እዩ ኢሉ።

ወሲኹ "ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከቡ ተማሃሮ ከመይ ከንብቡን ክጽሕፉን ከምዘለዎም እዮም ክመሃሩ ዘለዎም እምበር፡ ከመይ ጌርካ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ንነብስኻ ትከላከል ክመሃሩ ግቡእ ኣይኰነን" ኢሉ።

ባይደን፡ ኮንግረስ ሃገሩ ተወሳኺ ዓመጽ ብረት ምክልኻል ኣብ ዘኽእል ሕጊ ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ'ውን ጸዊዑ።

ኣብ ኣመሪካ ተኹሲ ልሙድ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብያተ ትምህርቲ ካብዚ ሓደጋ ወጻኢ ኣይኰናን።

ዓመጽ ኣብ ምንካይ ዝሰርሕ 'ፕሮጀክት ቫዮለንስ K-1' ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል፡ ኣብ 2024 ልዕሊ 300 ተኹሲ ከም ዝተፈጸመ የመልክት።

ትካል ዜና 'ኢዱኬሽን ዊክ' ከም ዘመልክቶ ድማ ኣብዚ ዓመት ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸሙ 38 መጥቃዕትታት ተኹሲ፡ ሓደጋ ሞትን መጉዳእትን ኣስዒቦም። ሎሚ ንዝተፈጸመ ተኹሲ ከይሓወስካ፡ 16 ሞት ሓዊሱ ብድምር 69 ግዳያት ነይሮም።

ብደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጃምላዊ መጥቃዕቲ ተኹሲ ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ተዅሲ ዝፍጽሙ ሰባት መብዛሕትኦም ኣብ ዕድመ ንእስነት ወይ መጀመርታ 20ታት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ይግለጽ።