መጥቃዕቲ ተኹሲ ንመዓልታዊ ህይወት ኣሜሪካውያን ብኸመይ ይጸሉ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, MIKAELA MARTIN
ብጠበንጃ ዝፍጸም ዓመጽን ተኹሲን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት መዓልታት ኣርእስታት ዜና ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ግዳይ ከይዀኑ ዝሰግኡ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ህይወቶም ይቕየር ኣሎ።
ኣብ ዕዳጋ ሞል፡ ኣብ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ መንእሰያት ጽምብል፡ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም ኣለዉ።
እዚኦም ኩሎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸሙ ጃምላዊ መጥቃዕትታት እዮም።
ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ተመሳሳሊ ፍጻመ ከጋጥም ዝኽእል ኰይኑ ይስምዖም።
ሃገራዊ መዓልቲ ንቕሓት ዓመጽ ብዓርቢ 2 ሰነ’ዩ ተኸቢሩ። እሞ እዚ ጉዳይ’ዚ ንህይወት ኣመሪካውያን ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ?
ተሪር ዘተ
ኣስታት 60 ሚእታዊት ካብ ዓበይቲ ኣመሪካውያን፡ ምስ ደቆም ወይ ምስ ካልኦት ኣዝማዶም፡ ብዛዕባ ድሕነት ጠበንጃ ከም ዝተዛተዩ ኬኤፍኤፍ ዝተበሃለ ኣብ ፖሊሲ ጥዕና ዘተኮረ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል የመልክት።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ጀሚሩ መዓስ ማዕጾታት ከም ዝሓጽሩን ዕጡቕ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክዘውር እንተርእዮም ክርሕቑ ከም ዘለዎምን ይለማመዱ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, ERICA MILLER
ኣብ ኒውዮርክ ዝነብር ሞርጋን ሁክ፡ ምስ ኩሎም ደቁ፡ ብዛዕባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸም ተኹሲ ተዛትዩ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሉ፡ እቲ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕጾ እንተድኣ ተኲሱ፡ እቲ ዝገበርዎ ልምምድ ብዙሕ ከም ዘየድሕኖም ብምግላጽ ኣገሪማቶ።
ሞርጋን፡ ከምኡ ከም ዘይኸውን ብምግላጽ ከረጋግኣ ፈቲኑ።
እንተዀነ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናሽቪል ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ተኹሲ ተመሊሱ ክሓስቦ ከሎ እቲ ጥርጡር ልክዕ ከምቲ ጓሉ ዝበለቶ ከም ዝገበረ ይዝክር።
"ሓደ ሓደ ግዜ ንደቅኻ ከተጸናንዖም ምስ እትፍትን፡ ትሕስዎም ኣለኻ ማለት'ዩ" ይብል።
ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ መጥቃዕቲ ተዅሲ ክዛተዩ ኣገዳሲ’ዩ፤ እዚ ግን ብህድኣት ክገብርዎ እንተኽኢሎም እዩ ይብል ኣብ ማሕበር ስነ-ልቦና ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ ዳይረክተር ምህዞ ክንክን ጥዕና ቫይለ ራይት።
ዳግማይ ምግዓዝ
ኣብ ኣመሪካ ብጠበንጃ ዝፍጸም ዓመጽ ሓድሓደ ግዜ ህይወት ገለ ሰባት ኣዝዩ ለዊጡ’ዩ። ኣስታት 15 ሚእታዊት ድማ ብሰንኪ እዚ ናብ ካልእ ከባቢ ወይ ከተማ ከም ዝገዓዙ ይዛረቡ ይብል ኬኤፍኤፍ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወዲ 40 ዓመት ትራቪስ ዊልሰንን በዓልቲ ቤቱን ናብ ሓድሽ ከባቢ ሉዊስቪል ኬንታኪ ግዒዞም እዮም። ቅድሚኡ'ውን ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሕ ተኹሲ ድሕሪ ምቑጻሮም ካብ ኦልድ ሉዊስቪል ግዒዞም ነይሮም።
ሓደ እዋን ጥይት ብመስኮት ጎረቤቱ ኣቢላ ኣትያ። ካልእ ግዜ ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ገዝኡ ሽጉጥ ኣውጺኡሉ። ጓሉ ኣብ 2021 ምስ ተወልደት ምስ በዓልቲ ቤቱ ነቲ ኵነታት ዳግማይ ክግምግሙ ጀሚሮም።
"ዝዀነ ቆልዓ ብተደጋጋሚ ተኹሲ ኣብ ዝሰምዐሉ ከባቢ ከመይ ጌሩ ክዓቢን ብዓቢኡ ከይጽሎን ክግምት ኣይከኣልኩን" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን፡ እቲ ዓመጽ ናብቲ ሓድሽ ከባቢኡ ስዒቡዎ፤ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ባንክ ንሓሙሽተ መሳርሕቱ ነበር ቀቲሉ።
ዊልሰን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብታ ዝዀነ ውሕስነት ዘይስምዓላ ኣመሪካ ቆልዓ ምዕባዩ ሓላፍነቱ ዘይተዋጽአ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ይገልጽ።
"[ጓለይ] ግዳይ ተኹሲ እንተዀይና፡ ኣነ’ውን ተራኣ እናተጸበኹ እንተጸኒሐ ንነብሰይ ፈጺመ ይቕረ ኣይክብላን እየ።"

ምንጪ ስእሊ, MIKAELA MARTIN
ጥይት ዘየሕልፉ ቦርሳታት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሎሪ ኣልሃደፍ ከምቲ ኩልግዜ ንግሆ እትገብሮ ንሰለስተ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ልኢኻ፤ ድሕሪ ትምህርቲ ግን እቶም ክልተ ጥራይ’ዮም ተመሊሶም።
ኣብ ፓርክላንድ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሓደ መንእሰይ ዕጡቕ ጓል ኣልሃደፍ ትርከቦም 17 ሰባት ብጥይት ቀቲሉ።
ድሕሪ እቲ ተኹሲ፡ ካልእ ቆልዓ ንኸይሞታ ዝከኣላ ኩሉ ክትገብር ቆሪጻ ብምውሳና፡ ንኽልተ ደቃ ጥይት ዘየሕልፍ ቦርሳ ገዚኣትሎም።
"እቲ ዘሕዝን ግን ካልእ ናይ ቤት ትምህርቲ ተኹሲ የጋጥም’ዶ ይኸውን ዘይኰነስ መዓስ እዩ ከጋጥም ዝብል ሕቶ’ዩ" ትብል። "ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓለም ኢና ንነብር ዘለና።"
ኣብ ኣመሪካ ብጠበንጃ ዝፍጸም ዓመጽ - ብፍላይ ጃምላዊ ተኹሲ - እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ጠለብ ናይተን ጥይት ዘየሕልፋ ቦርሳታት እናወሰኸ ከም ዝመጸ፡ ወናኒ ‘ጋርድ ዶግ ሴኩሪቲ’ ዝተበሃለ ኣቑሑት ርእሰ-ምክልኻል ዘፍሪ ኩባንያ ያሲር ሸኽ ይዛረብ።
ስልጠና ኣጽዋር ንሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ
ተኹሲ ብተደጋጋሚ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኦሃዮ እትርከብ ኬት እትበሃል ተቖጻጻሪት፡ ንኣውራጃ ቤት ትምህርታ ዝኸውን ውጥን ድሕነት ክትሃንጽ ጸኒሓ እያ።
ናይ ደገ ማዕጾታት ምዕጻው፡ ንሰራሕተኛታት ሕክምናዊ ስልጠና ምሃብን ቀዳሞት ምላሽ ዝህቡ ሰባት ንተማሃሮ ብቐሊሉ ንምርካብ ኣብ ማዕጾታት ክፍሊ ምልክት ምግባርን የጠቓልል።
ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ኣብ ፓርክላንድ ፍሎሪዳ ዝተፈጸመ ተኹሲ ግን፡ ንሳን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ካብዚ ንላዕሊ ክገብሩ ኣድላዪ ኮይኑ ተራእዮም።
ስለዚ ምስቲ ንሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዓመጽ ብረት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣጽዋር ከመይ ጌሮም ከም ዝጥቀሙ ዝምህር ‘ፋስተር ሴቭስ ላይቭዝ’ ዝተበሃለ ትካል ናይ ሰለስተ መዓልታት ስልጠና ተሳቲፎም።
ልክዕ ከም ኬት፡ ኣስታት 41 ሚእታዊት ካብቶም ብኬኤፍኤፍ ዝተዳህሰሱ ሰባት፡ ንነብሶምን ንኻልኦትን ካብ ተኹሲ ንምክልኻል ኣብ ናይ ጠበንጃ ድሕነት ትምህርቲ ተሳቲፎም እዮም።
"ዝኽእሎ ኩሉ ስጉምቲ ክወስድ እየ ዝደሊ" ትብል ኬት።
ንሳ፡ ብረት ክዓጥቑ ዘይደልዩ ኣባላት ሰራሕተኛታት ከም ዘለዉን ገሊኦም ድማ ክዕጠቑ ከም ዘለዎም ክስምዖም ደስ ከም ዘይብሎምን ትኣምን።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ተኹሲ እንተጋጢሙ፡ እቲ ግዝኣት ሞት ንምክልኻል ዝከኣሎ ኩሉ ገይሩ እዩ ኢላ ክትዛረብ ክትክእል ድልየት ኣለዋ።
ናብ ህዝባዊ ቦታታት ዘይምኻድ
ሮዝ ሉዊስ ኣብ 2015 ኣብ ላፋይት ሉዊዚያና ኣብ ዝርከብ ሲነማ ፊልም ሓደ ዕጡቕ ተኹሲ ብምኽፋት ክልተ ሰባት ክቐትል ትዝክር።
እታ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ፡ 'ብቅልጡፍ ንምህዳም ኣየኽእሉን እዮም' ኢላ ብምስጋኣ፡ ካብ ሲነማታትን ካልኦት ጸልማትን ዕጹዋትን ቦታታት ርሒቓ ኣላ።
"ምናልባት ብጥይት ክንውቃዕ ዘሎ ሓደጋ ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ንዓይ ግን ብዛዕብኡ ምጭናቕ’ውን እኹል’ዩ" ትብል።
62 ዓመት ዝዕድሚኣ ካርላ ስሚዝ እውን ካብ ዝተወሰኑ ቦታታት ክትርሕቕ ትፍትን። ንግሆ ንግሆ ጥራይ እያ ኣስቤዛ ትገብር፡ ምኽንያቱ ኣብ ሰብ ዝበዝሓሉ ቦታ ተኹሲ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ኢላ ስለ እትፈርሕ’ዩ።
"ከይንቀሳቐስ ገይሩኒ ኣሎ።"
ኣስታት ሲሶ ኣሜሪካውያን ካብ ዝተወሰኑ ህዝባዊ ቦታታት ብምርሓቕ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘለዉ መጽናዕቲ ኬኤፍኤፍ ኣረጋጊጹ እዩ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደጋ ምስ እንወድቕ ወይ ናይ ምርግጋእን ድሕነትን ስምዒትና ኣብ ዝዘርግሉ እዋን ናይ ድሕነት ስምዒትና ንምዕባይ ስጉምትታት ንወስድ" ይብል ዳንኤል ሞስሊ ዝተባህለ ጽልዋ ጃምላዊ ተኹሲ ዝመርመረ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ።
ናብ ህዝባዊ ከባቢታት ዘይምኻድ ንመዓልታዊ ህይወት ብዓቢኡ ዝዘርግ እንተዀይኑ ግን ጥዕና ዘይብሉ ናይ ምጽዋር ኣገባብ ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኹ ይገልጽ።
ናብራ ፍርሒ
ፓም ቦስሊ፡ ቴረል ዝተበሃለ 18 ዓመት ቦኽሪ ወዳ ቅድሚ 17 ዓመታት ኣብ ቺካጎ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ ተኹሲ ተቐቲሉ እዩ።
ንሳ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ብጠመንጃ ዝፍጸም ዓመጽ ጭንቀት ከም ዝስምዓ ትገልጽ።
28 ዓመት ዝዕድሚኡ ካልኣይ ወዳ ሕጂ ከም መራሒ ናይ ጽዕነት መኪና ኰይኑ’ዩ ዝሰርሕ።
ንሱ፡ ናብ ስራሕ ክኸይድ ፍርቂ ለይቲ ካብ ገዛ ወጺኡ ናብ መኪንኡ ክሳዕ ዝሳፈር፡ ኣዲኡ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቱ ኣብ መስኮታ ኰይና ትዕዘብ። ሕማቕ ከይገጥሞ ድማ ትጽሊ።

ምንጪ ስእሊ, KRISTAN LIEB
"እዚ ፍርሒ ስለዘለኒ ሓደ ሓደ ግዜ ክድቅስ ኣይክእልን እየ - ንደቀይ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣየይ፡ ንወለደይ ይሰግእ" ትብል።
"ኣብ ናይ ፍርሒ ኵነታት እየ ዝነብር ዘለኹ።"
እቶም ከም በዓል ፓም ቦስሊ ዝኣመሰሉ ቀጥታዊ ተመኩሮ መጥቃዕቲ ዘለዎም ጥራይ ኣይኰኑን ዝጭነቑ።
ካብ ማሕበር ስነ-ልቦና ኣመሪካ ሚስ ራይት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣመሪካውያን ላዕለዎት ጸቕጢ ዘስዕቡ ነገራት ከተጽንዕ ጸኒሓ እያ። ኣብ 2019 ጃምላዊ ተኹሲ ካብ ካልኦት ዝያዳ ጠንቂ ጸቕጢ ነይሩ።
ፓም ቦስሊ ሓዘና ከረስዓ ዝኽእል መገዲ ጎስጓስን ኰይኑ ረኺባቶ ኣላ።
"ዋላ'ኳ ተጎዲአ እንተዀንኩ፡ ካልኦት ክልተ ደቀይ፡ ደቂ ሓወቦይን ደቂ ሓፍተይን ... ኩላትና ክንነብር ምእንቲ ኣበርቲዐ እሰርሕ። ዕላማይ ንሱ'ዩ፡ መዓልታዊ ዝድርኸኒ ንሱ'ዩ" ትብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



