እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽወደን፡ ኣብ ማልሞ ክልተ መምሃራን ብኻራ ተወጊአን ተቐቲለን
ክልተ መማህራን፡ ኣብ ማልሞ፡ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝወረደን መጥቃዕቲ [ኻራ] ከም ዝተቐትላ ፖሊስ ገሊጹ።
ሓደ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ተማሃራይ 'ቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብቕትለት ተጠርጢሩ ተኣሲሩ'ሎ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝገለጻኦ፡ እተን ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከባ ግዳያት ብኻራ እየን ተወጊአን፣ ካልእ ዝዀነ ተተኳሲ ብረት ግን ኣይነበረን።
እዘን ክልተ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ላቲን ማልሞ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ብኦምቡላስ ናብ ሆስፒታል 'ኳ እንተ ተወስዳ፡ ብሰንኪ ዝወረደን ከቢድ መውጋእቲ ግን ክድሕና ኣይከኣላን።
ፖሊስ፡ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ዜናዊ መግለጺ፡ ጻውዒት ሓደጋ ምስ ተቐበለ፡ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ እንከለው፡ እቲ ቦታ ህዱእ እዩ ነይሩ፣ ነተን ክልተ ግዳያትን እቲ ጥርጡርን ከኣ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ረኺቦምዎም።
'ኣፍቶንብላደት' ዝተባህለት ጋዜጣ ሽወደን ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ጥርጡር፡ ካራን ፋስን ሒዙ እዩ ተረኺቡ።
እዚ ጥርጡር፡ ዝዀነ ሕዱር መዝገብ ገበን ይዅን፡ ዝዀነ ንገበን ዘጠርጥር ፍሉይ ባህሪ ከምዘይነበሮ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ መርመራ ይቕጽል ኣሎ፣ ንእኡን ካልኦት ካብቲ ቤት ትምህርቲን'ውን ሕቶታት ከቕርበሎም እዩ።
ዛጊት ናብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ዘብጽሐ ምኽንያት ኣይተፈልጠን፤ ዝዀነ ዘይንቡር ወይ ሕማቕ ዝምድና ኣብ መንጐ እዘን መምሃራንን እቲ ተማሃራይን ከም ዝነበረ ዘረድእ ጭብጢ'ውን ኣይተረኽበን።
ፐትራ ስተንኩላ፡ ሓላፊት ፖሊስ ማልሞ ንጋዜጠኛታት ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ መንበሪ ገዛ ጥርጡር ተፈቲሹ፣ ካልኦት ተመሃሮ'ውን ገለ ሕቶታት ክቐርበሎም እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝዀነ ንመርመራ ዝሕግዝ ዝተቐድሐ ኣሳእል እንተ ተረኽበ'ውን ይፍተሽ ኣሎ።
ብተወሳኺ ፐትራ ከም ዝበለቶ፡ ነቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን፡ 'ጥርጡር ባዕሉ ንፖሊስ ደዊሉ፣ ክልተ ሰብ ከም ዝቐተለ ኣሚኑ፡' ኢለን ዝዝርግሓኦ ዘለዋ ሓበሬታ ይጻረ'ሎ።
ኣብ እዋን ፍጻመ፡ 50 ዝዀኑ መማህራንን ተመሃሮን ኣብቲ ህንጻ ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።
ፖሊስ፡ ሰኑይ ሰዓት 17፡12 ሓበሬታ ክበጽሖ እንከሎ፡ ጥርጡር ሰዓት 17፡22 [ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቕ] ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣባላት ፖሊስ ነቲ ቤት ትምህርቲ ናጻ ብምግባር ብዘካየዶ ተፍትሽ፡ ካልኦት 'ገበነኛታት' ብድሕር'ቲ ፍጻመ ብዛዕባ ምህላዎም ዝዀነ ምልክታት ኣይረኸበን።
መምህራንን ተመሃሮን 'ታ ቤት ትምህርቲ ንማዕከናት ዜና ከም ዝገለጽዎ፡ ፖሊስ ምስ ዕጥቆም ናብቲ ቤት ትምህርቲ እትዮም፣ ንሰዓታት ኣብ ከክፍሎም ክጸንሑን ኣዚዞም።
እዛ ኣብ ማልሞ፡ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ሽወደን፡ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓባይን ስምይትን እያ።
ፈለማ፡ ኣብ 1406 ከም ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝተመስረተት ክትከውን እንከላ፡ ኣብ መወዳእታ 1800 ናብዚ ናይ ሕጂ ቦታኣ ግዒዛ።
መርበብ ሓበሬታ እታ ቤት ትምህርቲ ከም ዝገለጾ፡ ናይ ሰሉስ ትምህርቲ ተሰሪዙ ውዒሉ፣ ንተማሃሮ ዝዳሎ 'ሓገዝ ኣብ እዋን ቅልውላው' ግን ክወሃብ ውዒሉ።
ርእሰ መምህር 'ታ ቤት ትምህርቲ፡ ፍረደሪክ ኸመንስየ፡ "ኣመና ዘሕዝን እዩ፡" ክብል ነቲ ፍጻመ ኣመልኪቱ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ስኻነ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ካራ እዩ።
እንተዀነ ፖሊስ እዚ ናይ ሕጂ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ ግን ከኣ ሞት ዘየስዓቡ ፍጻመታት ዘለዎ ምትእስሳር ኣየረጋገጸን ዘሎ።
ጠንቂ 'ቲ ኵነታት ንምርዳእን ምምርማርን ዝዓበየ ስራሕ ፖሊስ ኰይኑ ከም ዘሎ፡ ሓለቓ ፖሊስ ሰሜን ማልሞ ኣሳ ኒልሶን ብወገኑ የረድእ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግደሊና ኣንደርሰን፡ በቲ ዜና ሓዘንን ስንባደን ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ።
ንሳ ኣብ ፈይስቡክ ፡ "ፖሊስን ኣባላት መርመራ ገበንን፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ከጻርዩን፡ ፈጸምቱ ብተግባራቶም ተሓተትቲ ክገብሩን ግድን እዩ፡" ክትብል ጽሒፋ።