ኤርትራ፡ መጠን ገበናትን በደላትን ብ14.5 ሓደጋታት ኸኣ ብ28.8 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Eri-Tv
ፖሊስ ኤርትራ ናይ 2021 ንጥፈታቱ ንምግምጋም 11 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ምስ 2020 ብምንጽጻር፡ መጠን ሓደጋታት ብኣስታት 28.8 ሚእታዊት፣ ገበናትን በደላትን ድማ ብ14.5 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ፣ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ምሕባሩ መንግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ ኤሪ-ቲቪ ኣቓሊሓ።
ብመሰረት እታ ተለቪዥን ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣብ 2021፡ ናይ ተሽከርከርቲ፡ ውሕጅ፡ ተተኰስቲ፡ ባርዕ ኤለክትሪክን ሓዊን፡ ምጥሓል ኣብ ቀላይ፡ ህቦብላ፡ በርቂ፡ ማዕበል ባሕሪን ካልእን ዘጠቓልል 2,667 ሓደጋታት ከምዘጋጠመን፡ ብሰንኩ ድማ 329 ሰባት ከምዝሞቱን ተገሊጹ።
ብዘይካ እዚ 1,388 ሰባት ድማ ኣካላዊ ጉድኣት ክወርዶም እንከሎ፡ ኣብ ንብረት ዝወረደ ክሳራት ድማ ልዕሊ 52 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝግመት ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ምግላጹ እታ መደበር ተለቪዥን ሓቢራ።
ብደረጃ ሃገር ናብተን 1,208 ንቚጣታት ኮማዊ ፖሊስ ካብ ዝቐረበ 3,957 ጉዳያት፡ እቲ 3,384 (85%) ፍታሕ ክረክብ እንከሎ፡ 292 ናብ መደበር ፖሊስ፡ 281 ድማ ናብ ኮማዊ ቤት-ፍርዲ ከምእተሰጋገረ'ውን ኣብቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



