ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ብጠበንጃዊ ምፍርራሕ ተዘሚታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ኮንግረስ (ባይቶ) ኣመሪካ ዝኾነት ሜሪ ጌይ ስካሎን ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ጠላዕ ቀትሪ ሽጉጥ ብዘወጣውጡ ሰባት መኪንኣን ካልኦት ንብረታን ከምዝተዘመተት ተገሊጹ።
እታ ኣባል ባይቶ ካብ መኪንኣ ብተወሳኺ መንግስቲ ዝሃባ ቴሌፎን፣ ታሴራን ካልኦት ንብረትን ተወሲድዋ። እታ ናይ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ተወካሊት ካልእ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሓ ተገሊጹ።
ኤፍቢኣይ ነቶም ሰረቕቲ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ክትትል ይገብር ኣለኹ ኢሉ። ልክዕ ከምተን ካልኦት ከተማታት ኣመሪካ ካብ ሕሉፍ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ፊላደልፍያ ዝፍጸሙ ገበናት ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ከንቲባ ፊላደልፍያ ጂም ኪኔ ኣብ ልዕሊ እታ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝተፈጸመ ናይ ዝምታ ተግባር ዘሕፍር’ዩ ኢላቶ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ሜሪ ጌይ ኣብ ደቡባዊ ፊላደልፍያ ‘ኤፍዲኣር’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ህዝባዊ መዘናግዒ በጺሓ ትምለስ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ’ዩ ክልተ ተባዕትዮ ብሽጉጥ ኣፈራሪሖም ሰሪቖምዋ ዝኸዱ።
ሜሬ ጌይ ድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ዝምታ ንኣኼባ ናብቲ ቦታ ከምዝኸደት ቤት ጽሕፈታ ኣፍሊጡ።
“ካብ ፊላደልፍያ ስለዝኾነት ዋላ ሓንቲ ኣይትኸውንን” ክብል ሓደ ኣባል ኮንግረንስ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣብ ትዊተር ገጹ ዝጽሓፈ ኮይኑ ሰናይ መልእኽቱ ኣሕሊፉ።
ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ 2021 ምስ መኪናን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዘጋጥም ዝምታ 80 ምኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ሲቢኤስ ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ኣቃሊሑ።
ኣብታ ናይ ሕውነትን ፍቕርን ተባሂላ እትጽዋዕ ፊላደልፍያ ናይ ኵናት መሳርሒ ተጠቒምካ ብምፍርራሕ ዝፍጸሙ ተግባራት ገበን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ኣብዚ ዓመት 27 ምኢታዊ ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።
ሜሪ ጌይ ስካሎን ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣባል ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኮይና ዝተመረጸት ኮይና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብዙሕ ስራሕቲ ከምዝወገነት ተሓቢሩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሜሪ ጌይ ዝተፈጸመ ዝምታ ቅድሚ ምፍጻሙ 24 ሰዓታት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ቺካጎ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ኣካል ሽጉጥ ብዝሓዙ ሰባት መኪንኡ ተወሲዳቶ እያ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



