ጣሊባን ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ንበይነን ነዊሕ መገዲ ከይጐዓዛ ኣጊዱ

ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ደቀንስትዮ ንበይነን ነዊሕ መገዲ ከይጐዓዛ ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጣሊባን፡ ብመጉዓዝያ ምድሪ ነዊሕ መገዲ ክገሻ ዝደልያ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣባል ቤተሰበን ብዝኾነ ወዲ ተባዕታይ እንተዘይተሰንየን ኣገልግሎት ከይወሃበን ኣዚዙ።

እስላማዊ ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብታ ሃገር ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው፡ እቲ ትማሊ ሰንበት ዝወጽአ መምርሒ ንመሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝገደቡ መምርሒታት እቲ ዝኸበደ እዩ።

መብዛሕትአን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቀንስትዮ ክዕጸዋ እንከለዋ ብዙሓት ደቀንስትዮ እውን ካብ ስራሕ ተኣጊደን ኣለዋ ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች እዚ ሓድሽ እገዳ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተወሳኺ ማእሰርቲ ዝድርኽ ምዃኑ ገሊጹ ።

ናይቲ ጉጅለ ኣተሓባባሪ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሄዘር ባር ንማእከን ዜና AFP ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ናይ "[ደቂ ኣንስትዮ] ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝግድብን ኣብ ቤተን ካብ ዘጋጥም ዓመጽን ግህሰት ከምልጣ ዕድል ዝነፍግን እዩ" ኢላ።

እቲ ብምኒስትሪ ምክልኻል ክፍሊ ምቁጽጻር ማሕበራዊ ባህሪያት ዝወጽአ ሓድሽ መምርሒ፡ ደቀንስትዮ ብዘይ መሰነይታ ወዲ ተባዕታይ ንልዕሊ 72 ኪሎ ሜተር ክጓዓዛ ከምዘይብለን ይእዝዝ።

እቲ ሰነድ ወሲኹ፡ ዋናታት መጕዓዝያ፡ ንዝኾነት ርእሳ ዘይተሸፈነት ጓል ኣንስተይቲ ኣገልግሎት ከይህቡ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ መምርሒ እንታይ ዓይነት መሸፈኒ ክጥቀማ ከምዘለወን ኣይሓበረን። ኣብዚ እዋን እዚ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ናይ ርእሲ ጉልባብ ይገብራ ኣለዋ።

ኣብ ርእሲኡ እውን ኣብ መካይን ሙዚቃ ከይውላዕ ተኸልኪሉ ኣሎ።

ኣብ ካቡል እትነብር ፋቲማ እትበሃል መሕረሲት፡ በቲ ዝወጽአ መምርሒ "ሕማቕ ተሰሚዑኒ" ክትብል ንቢቢሲ ነጊራ። ካብ ሕጂ ንደሓር ነብሰይ ክኢለ ክገይሽ ኣይክእልን እየ። ንባዕለይ ኮነ ውሉደይ እንተ ሓሚምና ብዘይ ሰብኣየይ ሕክምና ክንገብር እውን ኣይንኽእል ኢና" ክትብል ተዛሪባ።

ብምቕጻል "ጣሊባን ንናጽነትና ገፊፉዎ እዩ - ንሓጐስና እውን በሪዙዎ'ዩ፡ ናጽነተይን ሓጐሰይን ጠፊኡ እዩ" ኢላ።

ካልእ ኣፍጋናዊት ብወገና እቲ ስጉምቲ ደቀንስትዮ "እፎይታ ክስምዐን" ዝሕግዝ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት ብስድራቤትካ ዝግበር መሰነይታ'ውን ፍጹም ውሕስነት ኣለዎ ክበሃል ከምዘይከኣል ንቢቢሲ ሓቢራ።

ንሳ፡ ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓግማን፡ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ካብ ስድረአን ብብረት ተጨውየን ንዝተዓመጻሉ ፍጻሜ ከም ኣብነት ጠቒሳ። ቀጺላ እውን "[ጣሊባን] "ጣሊባን ኣብታ ሃገር ንደቅኣንስትዮ ውሑስ ዝኾነ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ" ኢላ።

ኣመሪካን ሓይልታት ኪዳንን ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጽኦም ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን መብዛሕትአን ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ኣብ ገዛ ክጸንሓ ክእዝዝ እንከሎ ደቀንስትዮ ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣጊዱ እዩ።

ጣሊባን እቲ ቀይድታት፡ ውሕስነት ጸጥታ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ክሳብ ዝረጋጋእ "ንግዚኡ" እዩ ይብል። ጣሊባን ኣቐዲሙ ነታ ሃገር ኣብ ዝመርሓሉ ኣብ 1990ታት ደቀንስትዮ ካብ ትምህርትን ስራሕን ተኣጊደን ነይረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ጕጅለ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ተለቪዥን ድራማታት ከይቀርባ ኣጊዱ እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ኣቕረብቲ መደብን ከኣ ጸጕረን ክሽፈና ኣዚዙ ኣሎ።

ለገስቲ ሃገራት: ንጣሊባን ገንዘባዊ ሓገዝ ቅድሚ ምጅማረን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከኽብር ከም ዘለዎ ሓቢረን ኣለዋ።

እታ ሃገር ጣሊባን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ትረኽቦ ዝነበረት ኣህጉራዊ ሓገዛት ብምቁራጹ፡ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ገጢምዋ ኣሎ።