ጆ ባይደን ድሕሪ ኵናት ቬትናም ንመጀመርታ ግዜ ንጸሊም ኣመሪካዊ ወተሃደር ናይ ክብሪ ሜዳልያ ሂቡ

ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ

ምንጪ ስእሊ, US Army

መግለጺ ስእሊ, ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንሰለስተ ወተሃደራት ዝለዓለ ሃገራዊ ሜዳልያ ዓዲሉ።

ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ጸሊም ኣሜሪካዊ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ድሕሪ ኵናት ቬትናም ንጸሊም ወተሃደር እዚ ሽልማት እዚ ክትህብ ንፈለማ እዋን'ዩ።

እቲ ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ወተሃደር፡ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ኵናት፡ ኣብ ትነድድ ዝነበረት ወተሃደራዊት መኪና ዝነበሩ ብጾቱ እናኣውጽአ እንከሎ ዝበዝሐ ክፋል ኣካላቱ ብሓዊ ስለ ዝነደደ ህይወቱ ዝሓለፈ እዩ።

ብሓፈሻ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒሰታንን ዒራቕን ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ኵናት ናይ መጀመርታ ነዚ ሜዳልያ እዚ ዝተሸለመ ጸሊም ኣሜሪካዊ እዩ።

እቶም ክልተ ካልኦት እውን ህይወት ሰብ ንምድሓን ብዘርኣይዎ ትብዓትን ተወፋይንትን እዮም ነዚ ሽልማት እዚ በቒዖም።

ወዲ 35 ዓመት ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ኣብ ጥቅምቲ 2005 እታ ንሱን ብጾቱን ዝነበርዋ መኪና ነታጒ ረጊጻ ምስ ተባርዐት ኣብታ መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት ዝበዝሑ ክወጽኡ እንከለዉ ነታ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ዝርከቦም ሽዱሽተ ወተሃደራት ግን ኣብ ውሽጡ እቲ ባርዕ ተሪፎም።

ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ፡ ነቶም ኣብታ ትባራዕ ዝነበረት መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብ ዘውጽኣሉ ዝነበረ እዋን ክዳኑ ነዳዲ ስለ ዝፈሰሶ፡ ንኹሎም በብሓደ'ኳ እንተኣውጽኦም 75 ሚኢታዊት ካብ ኣካላቱ ስለ ዝነደደ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ክመውት ክኢሉ።

ጆ ባይደን ብሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ነቲ ናይ ክብሪ ሜዳልያ ኣብ ዝዕድልለሉ ዝነበረ "ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝኾነ ወተሃደር ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ክተርፍ ኣይፈቐደን" ድሕሪ ምባል "ንብጾቱ ከውጽእ ናብ ሓዊ ጠኒኑ ኣትዩ" ኢሉ።

ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ ካብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን መዳልያ እንተሸለመ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ ካብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን መዳልያ እንተሸለመ

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ሜዳልያ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ንሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ተረኺቦም ነይሮም።

ብመሰረት ዋሽንግተን ፓስት ኣብ ገጻታ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ካብ ስልጣን ምውራዱ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ንሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ናይ ክብሪ መዳልያ ክህቦ'ኳ ውጥን ወጺኡ እንተነበረ፡ ደገፍቱ ንካፒቶል ስለ ዝወረርዎ ብስግኣት ናይ ጸጥታ እቲ ስነ ስርዓት ከይተገበረ ተሪፉ።

ፕረዚደንት ጆ ናይደን ብዘይካ ንሰርጀንት ኣልዊን ካሸ፡ ንወዲ 41 ዓመት ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ ኣብ 2013 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ጋዝኒ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝነበርዎ መዓስከር ክፍጸም ንዝተሓሰበ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል ብዘርኣዮ ትብዓት ሜዳልያ ሸሊምዎ።

"ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ፡ ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ፋኳስ ብረት ጥራይ ገይሩ፡ ንድሕነቱ ቀዳምነት ከይሃበ ንዝተጎድኡ ብጾቱ ኣብ ምውጻእን ነቲ ዝተሓሰሰበ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል ዓቢ ጅግንነት እዩ ኣርእዩ" ኢሉ።

ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ፡ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ጥይት እዃ እንተተኮሱ ፈኵስ መውጋእቲ ጥራይ እዩ ኣጋጢምዎ።

ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕተት "ክሳብ ሕጂ ከመይ ኢሎም'ዮም ዝስሑቱኒ ነይሮም ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ" ኢሉ።

ኣብ 2018 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ፓኪታ ሓንቲ ንህሩማት ተውጽእ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ክትቃጸልእ ምስ ጀመረት፡ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ውጉኣት እናኣውጽአ እንከሎ ህይወቱ ዝሓለፈት ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንዶ ኣሜሪካ ነበር ሰርጀንት ክሪስቶፈር ሰሊዝ እቲ ካልእ ነቲ ሽልማት ዝበቕዐ ወተሃደር እዩ።