ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን ክገሹ እንከለዉ ግቡእ መርመራ ኮሮናቫይረስ ይገብሩ ኣለዉ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝተገበረ መርመራ ከምዘርእዮ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ናብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝገሽሉ ግቡእ መርመራታት ናይ ኮቪድ-19 ከምዘይገብሩ ዘመላኽት ውጽኢት ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ቀጠር ክገብሮ ሓሲቡ ዝነበረ መገሻ ቡዙሓት ካብ ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ምስ ጸንሑ መገሽኡ ከቋርጽ ከምዝተገደደ ይዝከር።
እቲ ዝተገበረ መርመራ ከምዘርእዩ፡ ዝበዝሑ ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን መርመራ ኮቪድ-19 ንዘካይድሎም ክኢላታት ላባራቶሪ፡ ካብ ጎረረኦም እምበር ካብ ኣፍንጭኦም ቅምሶ ከይወስድሎም ስለዘገድድዎም፡ እቲ ቅምሶ ካብ ጎሮሮ ጥራይ ቅምሶ ዝተወሰዶ ሰብ ዋላ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ እንከሎ እቲ ውጽኢት ኣሉታ [ነጋቲቭ] ከርኢ ይኽእል እዩ ይብል።
ፕረዚደንት ሳልቫኩር ካብ ናይ ዶሓ መገሽኡ ምስ ተረፈ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሑሴን ዓብደልባግ ናብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ብዙሓት ምጥርጣራት ከምዝነግስ ገይሩ’ዩ።
እቲ ሓላፊ “መርመራ ኮቪድ 19 ከይገበርካ ካብቲ ሕማም ነጻ ምዃን ወረቐት ምስክር ናይ ምቅራብ ልምዲ ከነትርፎ ኢና” ኢሉ።
ብምስዓብ እተን ስኑዕ ሰርቲፌኬት ናይ ኮቪድ-19 ዝህባ ትካላት ጥዕና’ውን ብሕጊ ክሕተታ ምዃነን እዩ ገሊጹ።
ድሕሪ መደረ ሐሴን ዓንልባግ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ነዚ ዛዕባ ከገማድሐኦ ተራእየን።
ካብ ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ዝኾነ ኣያጋ ጋራንግ ደንግ ብወገኑ ገለ ሰብ-መዚ መንግስቲ መርመራ ኮቪድ-19 ከይገበሩ ናብ ደገ ይገሹ እዩም ዝብል ብሰፊሑ ስክፍታታት ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣያጋ ጋራንግ ደንግ ምስ ቢበሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትተ፡ እቲ ተግባር ‘ሃገራዊ ውርደት’ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ግቡእ ምጽራያት ይግበር ምህላዉ ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ እቶም ተጠርጢሮም ዘለዉ ሰብ መዚ መንግስቲ ጠቅሊሎም ድዮም መርመራ ዘይገበሩ ዋላ ብቅኑዕ ኣገባብ እዮም ዘይተመርመሩ ብንጹር ኣይሰፈረን ዘሎ።
ስኑዕ ምስክር ወረቐት ንምክላኻል ዝተኣተተዋ ሓዲሽ ኣገባብ
ውሃቢ ቃል ሚኒስተሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን ማብዮር ኪር ኩዶር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ ቀጠር ዝገሹ ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን ዝተሰነዐ ምስክር ወረቐት ሒዞም ከምዘይከዱ እዩ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተኾነ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ስኑዕ ምስክር ወረቐት መርመራ ኮቪድ-19 ኣዘራራቢ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወረቐት ምሃብ ደው ብምባል ሓዲሽ ብኤለትሪኒካዊ ኣገባብ ዝፍጸም መስርሕ ከምዘተኣታተዉ ገሊጹ።
እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኤለትሪኒካዊ ኣስራረሓ፡ ብኪውኣር ኮድ [QR codes] ዝውሃብ ኮይኑ ዝተሰዐ ወረቐት ብቀሊሉ ከተላልየሉ ዘኽእል ኣገባብ ምዃኑ ሚኒስተር ማብዮር ኪር ኩዶር ገሊጹ።
ኣብ ጥቃ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ዝርከብ መድ በሉ ዝተብሃለ ላባራቶሪ ናይ መጀመርታ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብር ፍቃድ ዝተውሃቦ ናይ ውልቂ ትካል እዩ።
ብመሰረት ካብ ‘ኣይ ራድዩ’ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ናይ መድ በሉ ኣርማ ዘለዎ ምስክር ወረቐት ዝሓዙ ገያሾ መስክር ወረቐቶም ስኑዕ እዩ ተባሂሎም ናብ ኡጋንዳ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ነይሮም።
መድ ብሉ ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ እቲ ወረቐት ብካልኦት ኣካላት ተሰኑዑ ዝተውሃበ ክኸውን ከምዝኽል ገሊጹ።
ዶክተር ፖልስ ሳይሞን ካብ መድ ብሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብመሰረት ሕጂ ተኣታትዩ ዘሎ ሓዲሽ ኣገባብ “ኣብዚ ትካልና መርመራ ዝገበሩ ሰባት መንነቶም ንምርግጋጽ መንነት ወረቐቶም ንሓትት ኢና፡ እቲ መስርሕ ከኣ ኩሉ ኣብ ኮምፒተር ዝተሰነደን ምእኩሉን እዩ፡ ዝርዝር ናይ ዝተመርመሩ ኸኣ ናብ መንግስቲ ይልኣኸ እዩ እዚ ኩሉ ምስ ተገበረ እቲ ኪውኣር ኮድ [QR codes] ዝሓዘ ምስክር ወረቐት ምስ ውጽኢቱ ንተመርማሪ ይውሃብ” ኢሉ።
ዶክተር ሳይሞን፡ እዚ ተኣታትዩ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኣወሃህባ ውጽኢት መርመራ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ምስናዕ ምስክር ወረቐት ዝኣሊ ምዃኑ ገሊጹ።
ዶክተር ሳይሞን ብምስዓብ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሸሞንተ መርመራ ኮቪድ-19 ዝኻየድለን ላባራቶሪታት ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ “ናይቶም ኣብ ዶሓ ስኑዕ ወረቀት ሒዞም ተረኾቦም ዝተብሃሉ ትካልና መድ ብሉ በይኑ ሓላፍነት ክወስደሉ ኣይክእለን እዩ” ኢሉ።.
እታ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ዝኾነት ደቡብ ሱዳን፡ ክሳብ ሕጂ 1.2 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ እያ ክታብት ጸረ ኮቪድ-19 ሂባ ዘላ።
መንግስቲ እታ ሃገር ክሳብ ሰነ 2022 ብውሕዱ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንክኽተብ ይሰርሕ ምህላዉ ኣያጋ ጋራንግ ደንግ ንቢቢሲ ገሊጹ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



