እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ንሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር ምቕታል ደው ከብል ፃውዒት ቀሪቡ
ኣሜሪካን መሻርኽታን፡ ጣሊባን ቅድሚ ሕዚ ሓይልታት ፀጥታ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ኣባላት ምቕታል ደው ከብል ፀዊዐን።
እዘን 22 ሃገራት ኣብ ዘውፅእኦ ሓባራዊ መግለፂ፡ እቲ እስላማዊ ምምሕዳር ቅድሚ ሕዚ ሰራሕተኛታት መንግስትን ፀጥታን ንዝነበሩ ንዘይምጉዳእ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር ሓቲተን።
እቲ መግለፂ፡ “ብዝወፅኡ ዘለዉ ፀብፃባት ጃምላዊ ቅትለት፣ ጭውያን ማእሰርትን ኣሻቒሉና ኣሎ” ኢሉ።
በቲ እስላማዊ ስርዓት ዝተፈፀሙ ቅትለታትን መጭወይትን ዝገልፅ ፀብፃብ ምውፅኡ ስዒቡ’ዩ፡ እተን ሃገራት ነዚ ፃውዒት ኣቕሪበን ዘለዋ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ጣሊባን ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነታ ሃገር ካብ ዝቆፃፀር ንነዘ፡ ልዕሊ 100 ሰብመዚ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መንግስቲ ከምዝተረሸኑን ከምዝተጨወዩን ገሊፁ።
ጣሊባን ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነታ ሃገር ካብ ዝቆፃፀር ንነዘ፡ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዘ ጥራሕ፡ ብጣሊባን ዝተማረኹ ወይ ዝተትሓዙ ኣባላት ፀጥታ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ 47 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።
ዋላ’ኳ እቲ እስላማዊ ምምሕዳር ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ መንግስቲ ይሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ዋላ ሓደ ጉድኣት ከምዘየብፅሕ እንተገለፀ፡ ቅትለት ከምዝፈፀመ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።
እቲ ብኣሜሪካ ኣቢሉ ዝወፅአ መግለፂ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት 19 ሃገራትን ክታመን ዘዕረፋሉ እዩ።
በቲ ዝወፅአ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝተሻቐላ ዝገለፃ እዘን ሃገራት፡ ኩሎም ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ቅትለታትን መጭወይትን ምርመራ ክካየድ ፀዊዐን።
እቲ መግለፂ፡ “ንጣሊባን ብተግባሮም ምምዛን ክንቅፅል ኢና” ክብል ዛዚሙ።
ቅድሚ ሕዚ’ውን ጣሊባን ምስ ዝተመፃበዖ ዝፃረር ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ቅትለትን ከምዝፈፀመ ፀብፃባት ኣቃሊዖም እዮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወፅአ ፀብፃብ፡ 300 ተዋጋእቲ ጣሊባን ወተሃደራት መንግስቲ ምስ ስድርኦም ናብ ዝነብርሉ ኣብ ጥቓ ዳሃኒ ኩል ናብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተጓዓዙ ገሊፁ።
ትሽዓተ ወተሃደራት መንግስቲ ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም ከምዝተረሸኑን ክልተ ድማ ኣብ እዋን ተኹሲ ከምዝተቐተሉን ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣቃሊዑ።
ጓል 17 ዓመት ትርከቦም ካልኦት ክልተ ሲቪላት’ውን ከምዝተቐትለ’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ።