ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ካብ ‘ፈተነ ቕትለት’ ኣምሊጡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጠፋ ኣል-ካዲሚ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጠፋ ኣል-ካዲሚ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ካብ ዝተኻየደ ፈተነ ቕትለት ከምዝተረፈ ገሊጹ፡፡

ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምቕታል፡ መንበሪ ገዝኡ ነታጒ ብዝጸዓነት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ዒላማ ከምዝተገበረ እውን ሰበስልጣን ገሊጾም፡፡

ኣብ ፈለማ ኣል-ካዲሚ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደ መራኸብቲ ብዙሃን ገሊጸን ነይረን፡፡

እቲ መራሒ ‘‘ንስለ ዒራቕ ’’ ኩሉ ሰብ ክረጋጋዕ ብትዊተር መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ኣብቲ ፈተነ ቕትለት ብውሑድ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ጸጥታ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉድኣት ከምዝበጸሖም ሰብ መዚ ገሊጾም፡፡

ነቲ ብበዝሒ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኢምባሲታትን ኣብ ዝርከቡዎ ከባቢ ዝተጸፈመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን፡፡

ነቲ መጥቃዕቲ ‘‘ተግባር ግብረ ራዕዲ’’ ክትብል ዝኾነነት ኣመሪካ ድማ፡ ኣብ ምርመራ ክትሕግዝ ፍቓደኛ ከምዝኾነት ገሊጻ ኣላ፡፡

ሓላፊ ድሕነት ዝነበረ ኣል-ካዲሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉንበት እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ቃለ-መሓላ ፈጺሙ፡፡

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ደገፍቲ ናይቶም ምስ ኢራን ምሕዝነት ዘለዎም ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ግሪን ዞን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኸየደ ናዕቢ ዝተሓወሶ ሰልፊ ድማ ልዕሊ 100 ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም እዩ፡፡