ፌስቡክ ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ብቋንቋ እብራይስጥ ዝሓዞ ትርጉም ባጫን ላግጽን ኣስዒቡሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ገጻት ዘመሓድር ኩባንያ ወግዓዊ ዝገበሮ "ሜታ" ዝብል ሓድሽ ስም ኣብ እስራኤል ንባጫን ላግጽን ተቓሊዑ ኣሎ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ቃል ብቋንቋ እብራይስጥ ክትርጎም ከሎ "ምውት/ህይወት ኣልቦ" ዝብል ትርጉም ስለዘለዎ'ዩ።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት #FacebookDead ብዝብል ወፍሪ 'ሃሽታግ' ንትርጉም እቲ ሓድሽ ስም ይቀባበልዎ ኣለዉ።
'ዘካ' ዝተበሃለ ጉጅለ ወለንተኛታት ምድሓን ነብሲ እዋን ሓደጋ ካብ ሞንጎ ኣብ ስያመ ፌስቡክ ዘባጨው ሓደ ኮይኑ'ሎ። ኣብ ትዊተሩ "ኣይትጨነቑ 'ክነድሕኖ ንሰርሕ ኣለና ኢና" ዝብል መልእኽቲ ድማ ዘርጊሑ።
ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር ከኣ "ኩሉ ተዛራቢ እብራይስጥ ዝስሕቐሉ ምኽንያት ስለዝረኸብና ኣዚና ነመዝግን" ኢሉ።
ብርግጽ ፌስቡክ ዘውጽኦ ሓድሽ ስያመ ኣዘራራብን ንላግጺ ዝተቓልዐ ክኸውን ከሎ ፈለማይ ትካል ኣይኮነን። ካልኦት ትካላት'ውን ብሰንኪ ኣዘራረብቲ ትርጉም ስያመ ንባጫን ላግጽን ዝተቓልዑ ምንባሮም ይዝከር።
ካብ ስጋ ደርሆ ዝዳለዉ መግብታት ብምሻጥ ዝፍለጥ ዓብዪ ትካል 'ኬኤፍሲ' ሓደ ካብቶም ግዳያት ኮይኑ ነይሩ።
ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ኣብ 1980ታት ኣብ ቻይና ስራሕ ክጅምር ከሎ "ኣጻብዕቲ ዘቖርጥም" ዝብል ንመላለዪ ፍርያቱ ዝተጠቐመሉ ሓጺር መልእኽቲ ንቻይናውያን ዘዛነየ ምንባሩ ይግለጽ።
ነቲ መልእኽቲ ዝቀራረብ ትርጉም ቋንቋ እታ ሃገር "ኣጻብዕትኻ ብላዕ/ብልዒ" ናብ ዝብል'ዩ ዝቀራረብ።
ይኹን'ምበር ሽዑ እቲ ትርጉም ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዘሕደሮ ጽልዋ ኣይነበረን። ኣብ ቻይና ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ መግቢ ዘቕርቡ ትካላት ኮይኑ ቀጺሉ'ሎ።
'ሮልስ ሮይስ' ብዝብል ዝልለ መኪና ዘፍርይ ኩባንያ'ውን 'ሲልቨር ሚስት' ዝብል ስያመ ዝሃቦ መኪና ኣብ ጀርመን "ቀልቀል ወይ ፍታን" ዝብል ትርጉም ይሕዝ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ስያመ እቲ መኪና ናብ 'ሲልቨር ሾዶ' ክቕይር ተገዲዱ።
ፍርያት ኖኪያ ዝኾነ 'ሉሚያ' ብተዛረብቲ ቋንቋ ስፓኒሽ 'ፋይቶት/ነብሳ ሸይጣ ትሓድር" ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
መኪና ዘፍርይ ኩባንያ ሆንዳ ብወገኑ 'ፊታ' ዝብል ስም ክስይም ተዳልዩ'ኳ እንተነበረ፤ ብቋንቋ ሽወደን "ርሕሚ/ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ" ዝብል ስለዝኾነ ነቲ ስም ክቕይሮ ምውሳኑ ይግለጽ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



