ኣብ ኣመሪካ ፊላደልፍያ፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኣብ ቅድሚ ተሳፈርቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ የዘራርብ ኣሎ

ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኣብ ቅድሚ ተሳፈርቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ የዘራርብ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images

ኣኽባሪ ሕጊ ፊላደልፍያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉዕዞ ኣብ ዝነበረት ባቡር ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ርእዮም ንፖሊስ ዘይሓበሩ ተሳፈርቲ ዘኽስስ ሕጊ ከምዘይብሎም ገሊጹ።

ሰብ መዚ መጓዓዝያ፤ እቶም ተሳፈርቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ነታ ትዕመጽ ዝነበረት ጓል ንምግልጋል ዝኾነ ነገር ከምዘይገበሩ ኣብ 'ሲሲቲቪ' ናይታ ባቡር ዘሎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርኢ ሓቢሮም።

ፖሊስ ኣቐዲም ኣቢሉ፡ እቶም እቲ ዓመጽ እናተፈጸመ ብሞባይሎም ነቲ ዓመጽ ዝስእሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት ክሲ ክምስረቶም ከምዝኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ውሽጢ ብደቡብ ምብራቕ ፐንሰልቪንያ ትውነን ባቡር እዩ ኣጋጢሙ።

ሰብ መዚ እቲ መንገዲ ባቡር ሓደ ካብቶም ተሳፋሮ ናብ 911 [ኣብ ኣመሪካ ካብ ፖሊስ ሓገዝ ንምርካብ ዝድውሎ ቁጽሪ] እንተዝድውል እቲ ጾታዊ ዓመጽ ክውገድ ይኽእል ምንባሩ ገሊጾም።

ሓደ ድሒሩ ነቲ ተግባር ዝተዓዘበ ሰራሕተኛ እታ ባቡር ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምድዋሉ'ዩ እቲ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕሪ ቀይዲ ክኣቱ ክኢሉ።

እቲ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ፊሾን ንጎይ ዝተብሃል ወዲ 35 ዓመት ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ክስታትን ተመስሪትዎ ኣሎ።

እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ ውልቀሰብ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዳ ምስ ፖሊስ ኣብ ምትሕብባር ትርከብ።

ፖሊስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ን40 ደቓይቕ እናተጋፈዐትን እናተዓመጸትን ሓደ ካብቶም ተሳፈርቲ ንፖሊስ ክድውል ዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

እቲ ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ኣብታ ባቡር ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ከምዝነበሩ ፖሊስ ኣይሓበረን።

ፖሊስ ብምስዓብ፡ እቲ ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ክንደይ ካብቶም ኣብታ ባቡር ዝነበሩ ነቲ ተግባር ብሞባይሎም ከምዝሰኣልዎ የጻርዮ ከምዘሎ ገሊጹ።.

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ደቡብ ምብራቕ ፐንሰልቪንያ ቶማስ ነስትል "ብዙሓት ሰባት ሞባይሎም ናብታ ትዕመጽ ዝነበረት ገጾም ገይሮማ ነይሮም'ዮም" ድሕሪ ምባል "ንሕና ዝኾነ ሰብ ብኸምዚ ዓይነት ተግባራት ክቁጣዕን ክጽየፍን ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ሓገዙ ከበርክት ኢና ንደሊ" ኢሉ።

እቶም ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ብሞባይሎም ዝሰኣሉ ሰባት ክሲ ክምስረቶም ከምዝኽእል ፖሊስ ምሕባሩ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።

ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፐንሰልቪንያ፡ እቶም ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ተዓዚቦም ንፖሊስ ዘይሓበሩ እንታይ ዓይነት ክሲ ከም ዝምስረቶም ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ "ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ተሳፈርቲ ክሲ ከምስርት ዝኽእል ሕጊ የብልናን" ኢሉ።

ናይ ፌድራል ኣኽባሪ ሕጊ ዝነበረ ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ዌስትርን ሪዘርቭ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኬቨን ማክሙንጋል፡ ኣብ ኣመሪካ ንገበን ዝተዓዘቡ ክሕብሩ ኮነ ንምግልጋል ኢዶም ክሕውሱ ዘገድድ ሕጊ የለን ኢሉ።

ፕሮፌሰር ኬቨን ማክሙንጋል ንኸምዚ ዘገድድ 'ፍሉይ' ነገር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ወለዲ፤ መምሃራን፤ ሞግዚትን ፖሊስን ምስ ዝኾኑ ጥራይ ከገላግሉን ንፖሊስ ክሕብሩን ከምዝግደዱ ገሊጹ።

ፕሮፌሰር ኬቨን ማክሙንጋል ብምስዓብ ካብዚ ኣብ ፊላደልፍያ ዘጋጥመ ኣብ ቅድሚ ተሳፈርቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ሳሕቲ ዘጋጥም ስለዝኾነ ንኽምዚ ዓይነት ዝርኢ ሕጊ ምንዳፍን ነቲ ዘሎ ሕጊ ምኽላስን ከምዘድሊ ገሊጹ።

"እቲ ቀንዲ ብውሕዱ ክግበር ዝነበሮ ኢልካ ኣተክሮ ትህቦ ከመይ ኢሉ ካብዞም ኩሎም ተሳፈርቲ ሓደ ናብ 911 ዝድውል ይስኣን ዝብል እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ኬቨን ማክሙንጋል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚያሚ ፕሮፌሰር ሕጊ ዝኾነት ታማራ ራይስ፡ ነቶም ተሳፈርቲ ምኽሳስ ዘይመስል እኳ እንተኾነ ክኽሰስሉ ዝኽእልሉ ነጥቢታት ከምዘሎ ትገልጽ " ኣኽበርቲ ሕጊ ነቶም እቲ ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ብሞባይሎም ዝስእሉ ዝነበሩ፡ ክኸስዎም እኹል ባይታ ኣለዎም ምኽንያቱ እቲ ተግባሮም ኣብ ልዕሊ እታ ተዓማጺት ዘሕደሮ ጸቅጥን ነቲ ገበነኛ ኣብ ምትብባዕን ተራ ነይርዎ እዩ" ኢላ።