ኣትሌት ኣግነስ ቲሮፕ፡ ፖሊስ ኬንያ ብሞት በዓልቲ ቤቱ ዝጠርጠሮ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ኣትሌት ኣግነስ ቲሮፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ኬንያ: ብውድድር ነዊሕ ርሕቐት ክብረወሰን ዝሰበረት ኣትሌት ኣግነስ ቲሮፕ ብካራ ተወጊኣ ኣብ መንበሪ ገዝኣ ድሕሪ ምርካቡ ንበዓል ቤታ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

ኢማኑኤል ሮቲች ኣብ ሞምባሳ ኣብ ቀይዲ ክውዕል እንከሎ ግቡእ መርመራን ምጽራይን ምስ ተኻየደ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ጓል 25 ዓመት ወናኒት ክብረወሰን 10 ኪሎ ሜትር ጉያ ኣግነስ ቲሮፕ ብሮቡዕ ኢቴን ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ኣትሌታት ሞይታ ተረኺባ።

እቲ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ በዓል ቤታ "ኣብ ህድማ እናሃለወ" ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሉዎ ዳይሬክተር መርመራ ገበን ጆርጅ ኪኖቲ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ኣትሌታት መሓዙታ ብሞት ኣግነስ ዝተሰምዖም ሓዘን ክገልጹ እንከለው፡ ካፒቴን ኣትሌቲክስ ኬንያ ነበር ጁሊየስ ዬጎ "ኣብ ጎኒ ኣብ ዓለም ዘለው ዓበይቲ ኣትሌታት ንክትስራዕ ጻዕሪ ትገብር ዝነበረት ንእስቲ'ያ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

Short presentational grey line

ኣትሌት ኣግነስ ቲሮፕ

  • ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ራብዐይቲ ኮይና ዛዚማ
  • ብ2017ን 2019ን ብ10 ሽሕ ሜትሮ ጉያ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ
  • ብ2019 ኣብ ቻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ዓለም 2019 ብ10 ሽሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ
  • ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ 10 ኪሎሜትር ናይ ጎደና ውድድር 'ዉመንስ ኦንሊ' ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊባ
  • ቅድም ኢሉ'ውን ብ2012ን 2014ን ኣብ ቻምፒዮንሺፕ ዓለም ብ5000 ሜትሮ ሜዳሊያ ነሓስ ክትዕወት እንከላ፡ ብ2015 ድማ ቻምፒዮንሺፕ ጉያ መሮር ዓለም [World Cross Country] ተዓዊታ
Short presentational grey line

ኣትሌቲክስ ኬንያ ንኽብሪ እታ ኣትሌት ብዝብል ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ንኽልተ ሰሙን ኩሎም ውድድራት ኣትሌቲክስ ጠጠው ክብሉ ወሲኑ'ዩ።

"ዓባይ ኣትሌት ኢና ስኢንና፤ ተራርን ውፍይትን ነይራ። ቲሮፕ ሰላማዊት፣ ለጋስን ወትሩ ሰሓቒትን ነይራ" ብምባል ኣብ ዝኾነ እዋና 'ሓዚና ወይ ተቖጢዓ ዘይትፍለጥ: ኣብ ስርሓ ትኩርቲ ዝነበረት' ሰብ እያ ክብል ገሊጹዋ።

ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኬንያ “ወናኒት መዳልያ ነሓስ ሻምፒዮና ዓለም ዝኾነት ኣትሌት ኣንገስ ቲሮፕ በዚ ዕድሚኣ ሞይታ ዝብል ዜና ምስምዑ መሪር ሓዘን ከምዝፈጠረሉ” ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኬንያ ንሓንቲ ካብ ሞንጎ መናእሰይ ቅልጡፋት ጎየይቲ ከምዝሰኣነት ድማ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ “ንሃገርና ክብሪ ዘጎናጸፈት መንእሰይ በዓልቲ ተስፋ ኣትሌት ምስኣንና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።