ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-20 ቁጠባዊ ውድቀት ንምእላይ ተመባጺዐን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-20 ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ዕንወት ንምእላይ ቃል ኣትየን።
መራሒት ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ እታ ሃገር "ናብ ቅልውላው ክትኣቱ ክነፍቅድ ኣይግባእን" ኢላ።
እቲ ብማንዛ (ቨርቹዋል) ዝተኻየደ ርክብ መራሕቲ እተን ሃገራት፡ ቁጠባ ኣፍጋኒስታን ቢልዮናት ዶላራት ከም ዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ሓገዝ ብመገዲ ዘይሻራውያን ዓለምለኻዊ ትካላት እምበር ብቐጥታ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጣሊባን ክወሃብ ከም ዘይግባእ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግና ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ መጠን ገንዘብ ብሚልዮናት ዝቑጸር ኮይኑ፡ ንህጹጽ ረድኤት መግብን መድሃኒትን ዝውዕል እዩ።
ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን ኡርሳላ ቮን ደር ለየን ንኣፍጋኒስታንን ነተን ኣብ ጎረባብቲ ዝርከባ፡ ስደተኛታት ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት 1 ቢልዮን ዩሮ ክትህብ ቃል ኣትያ ኣላ።
እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዘይተሳተፈት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓድሽ መንግስቲ ምስተመስረተ ካብ መዝነታ እትወርድ ኣንገላ መርከል'ውን ጀርመን 600 ሚልዮን ዩሮ ክትልግስ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊጻ።
ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ምዕናው ስርዓተ ገንዘብ ኮነ ስርዓተ ፋይናንስ ኣፍጋኒስታን ንዓና ዘርብሖ የብሉን" ኢላ።
ወሲኻ'ውን "እቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ክወሃብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ካብ ቀደሙ'ውን ቀሊል ኣይነበረን፤ ግና ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ኤለክትሪክ ወይ ፋይናንስያዊ ስርዓት 40 ሚልዮን ህዝብ ናብ ቅልውላው ክኣቱ ምርኣይ ኣይከኣልን። ሸቶ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ'ውን ክኸውን የብሉን" ኢላ።
ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ድሕሪ ምውዳቓ ነቲ ከይደልደለ ዝጸንሐ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ነውጺ እዩ ፈጢሩሉ።
ባንክታት ንብዙሕ መዓልትታት ተዓጽዮም ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ተኸፊቶም እኳ እንተ'ለው ሕጽረት ገንዘብ ተኸሲቱ ኣሎ።
ወነንቶም ንህይወቶም ብምስጋእ ካብታ ሃገር ብምህዳሞም ብዙሓት ትካላት ጌና ተዓጽየን ኣለዋ። ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ንኣዋርሕ መሃያኦም ኣይወሰዱን።
ብሰንኪ እቲ ሕጽረት ገንዘብ፡ ዋጋታት መዓልታዊ ብምውሳኽ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እቲ ብኲናትን ድርቅን ተኸሲቱ ዝጸንሐ ከቢድ ኩነታት ኣብዚ እዋን ዝኸፍአ ኮይኑ ይርከብ።
ደቂ ኣንስትዮ ሰሪሐን ንስድራቤተን ይሕግዛ እኳ እንተነበራ፡ ሕጂ ክሰርሓ ስለዘይክእላ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምጽወታ ክምርኮሳ ተገዲደን ኣለዋ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



