ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሊብያ ብሓይልታት መንግስቲ ተገፊፎም ዝተኣሰሩ ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘለዉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገሊጾም፡፡

ኤጀንሲ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ፡ ሰራሕተኛታቱ ብስደተኛታት ኣብ ዝተጻበቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ደቂ ተባዕትዮ ጠጠው ክብሉ ተገዲዶም ከምዝረኣዩን ገሊኦም እውን ንመዓልቲታት እኽሊ ከምዘይለኸፉ ከምዝተዛረብዎምን ሓቢሩ፡፡

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ብወሑድ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ተኣሲሮም እዮም፡፡

ኣብ ካልእ መዳጎኒ ማእከል'ውን ሓያል ጎንጺ ዘስዓበ ናይ ምህዳም ፈተነ ከም ዝነበረ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት ማህረምትን ጾታዊ ዓመጽን ክበጽሖም እንከሎ ሓደ ስደተኛ ከምዝሞተ'ውን ተረጋጊጹ።

ሰብ መዚ ሊብያ፡ እቲ ማእሰርቲ ዘይሕጋዊ ስደትን ምዝውዋር እጸ ፋርስን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ኢሎም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ሊብያ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ማዕበላዊ ኣደራዕ ኮኒኑ እዩ።

እዞም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑን ኣብ ጀልባ እናሃለው በቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ከም ዝተትሓዙን ተገሊጹ ነይሩ።

እቶም 500 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጸቓቒጦም ዝነበሩ ኮይኖም ካልእ 50 ሰባት ዝሓዘት ጃልባ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ሞተራ ተበላሺዩ ተታሒዛ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም ስደተኛታት ካብ ባንግላድሽ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ሶሪያን ዝመጽኡ'ዮም ኢሉ።

ሊቢያ ካብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ዕግርግር እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑላ ሃገር'ያ።