ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ማዕበላዊ ኣደራዕ ኮኒኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንበት ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርዎይ ኣብ ሊብያ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝ ኣተዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣውጺኡ ነይሩ።
እዞም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑን ኣብ ጀልባ እናሃለው በቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ከም ዝተትሓዙን ተገሊጹ።
እቶም 500 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጸቓቒጦም ዝነበሩ ኮይኖም ካልእ 50 ሰባት ዝሓዘት ጃልባ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ሞተራ ተበላሺዩ ተታሒዛ።
ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም ስደተኛታት ካብ ባንግላድሽ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ሶሪያን ዝመጽኡ'ዮም ኢሉ።
እዚ፡ ብዙሓት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝርከብሉ ምዕራብ ሊብያ ፖሊስ ድሕሪ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብዙሓት ምስ ቖሰሉን ሓደ ሰብ ምስ ተቐትለን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ማእሰርቲ'ዩ።
ፖሊስ ስጉምቲ ምውሳድ ካብ ዝጅምርሉ ንነጀው ኣሽሓት ሰባት ተኣሲሮም ኣለው።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ማዕበላዊ ሓይሊ ኮኒኑ።
ክሳብ ሕጂ ዝበዝሕ ጋርጋርሽ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ከባቢ ትሪፖሊ ዝርከብ ቦታ ብዝተወስደ ስጉምቲ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለው።
ሊቢያ ካብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ዕግርግር እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑላ ሃገር'ያ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



