ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ዒራቕ ክወጽእ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ዝነበሮ ስርሒት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ከም ዝውድእ ብምሕባር እንተኾነ ብታዕሊምን ምኽሪ ብምልጋስን ምስ ሰራዊት ዒራቕ ክተሓጋገዙ ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጦፋ ኣል ካድሂሚ ኣብ ዋይትሃውስ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተ እዩ ተገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 2500 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብቲ ምስ እስላማዊ ጉጅል ኣይኤስ ዝግበር ኵናት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ዒራቕ ይዋግኡ ከም ዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።
ህላወ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ብፍላይ ድሕሪ ላዕለዋይ ሓለፊ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባቕዳድ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ናይ ኣሜሪካ ምቅታሉ ዓቢ ጉዳይ ኮይኑ እዩ ክጥመት ጸኒሑ።
ምስ ኢራን ዝደናገጻ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ዋላ'ኳ ካብ ሱኒ ጅሃዳውያን ስግኣታት ከም ዘሎ እንተገለጻ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ዒራቕ ክወጽእ እየን ክጠልባ ጸኒሐን።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ እዋን ጆርጅ ቡሽ ዝተጀመረ ስግረ ዶባዊ ኵናት ኣሜሪካ መኸተምታ ክገብረሉ እዚ ካልኣዩ'ዩ።
ጆ ባይደን ኣብ እዋን ጆርጅ ቡሽ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝወፈሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ከም ዝወጽኡ ምግባሩ'ውን ይፍለጥ።
ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ኮይኖም ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ዋላ'ኳ ናብ ሓዲሽ መድረኽ ንሰጋገር ኣንጻር ግብረሽበራውያን ንገብሮ ሓባራዊ ቃልሲ ክቅጽል'ዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሙስጦፋ ኣል ካድሂሚ ብወገኑ "ናይ ክልቴና ሃገራት ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን'ዩ ድልዱል ዘሎ። ክልትኣዊ ምትሕግጋዝና'ውን ብቁጠባ፣ ብኣከባቢ፣ ጥዕና፣ ባህልን ካልእን ክቅጽል'ዩ" ድሕሪ ምባል ነዚ ንምግባር ዝኾነ ሓገዝ ግዳማዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዘየድሊ ገሊጹ።
ኣብ 2003 ብኣሜሪካ ዝምርሑ ወተሃደራውያን ሓይልታት ነቲ ኒክሎራዊ ኣጽዋር የፍሪ እዩ ዝተባህለ ፕረዚደንት ዒራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ንዒራቕ ወሪሮማ እቲ ዝተባህለ ኒክለራዊ ኣጽዋር ግን ኣይተረኸበን።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ፡ ኣብቲ እዋን ንዒራቕ 'ነጻን ሰላማዊትን' ከም ዝገብራ እኳ ተመባጺዑ እንተነበረ ደማዊ ኵናት ሓድሕድ ናብ ዝካየደላ ሃገር እያ ተቐይራ።
ወተሃደራዊ ስርሒት ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ኣብ 2011 እኳ ተዛዚሙ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ምንቅስቓስ ኣይኤስ ምስ ገርገረ ብጠለብ መንግስቲ ዒራቕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ወተሃደራት ኣሜሪካ ናብ ዒራቕ ተመሊሶም።
ኣብ ዒራቕ ዝነበሩ ኣይኤስ ኣብ 2017 እዃ እንተተሰዓሩ፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብቲ እስላማዊ ጉጅለ ዝፍጸም ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕትታት ንምክልኻል ክሳብ ሕጂ ኣብ ዒራቕ እዩ ዘሎ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



