ሊብያ፡ ብደላሎን ኣሰጋገርትን ዝበራበር ዘሎ ንግዲ ደቂ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ርግኣት ብርሃነ፡ "መገዲ ሊብያ ኤውሮጳ ተኸፊቱ ኣሎ" ጸገምኪ ስለንፈልጦ ከኣ፡ ምስኣተኺ ሰሪሕኪ ክትከፍልዮ ክንወስደኪ ንኽእል ኢና ኢሎም ስለ ዘእመኑዋ፡ ንወዲ 10 ዓመት ውላዳ ኣብ ሱዳን ምስ ኣዲኣ ገዲፋ ንሰሃራ መጺኣ።
ኩነታት ግን ከምቲ ዝበሉዋ ኣይጸንሓን።
ገና ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ እንከላ፡ "ንዝኾነ ትፈልጥዮ በቦኺ በዴኺ ዝብጸሓኪ ዘመድ ወይ መተዓብይቲኺ፣ መማህርትኺ ኣብ ደገ ዘለው ትፈልጥዮም ደውልሎም። ዋላ ሓሓንቲ ዶላር ኣዋጺእኩም ሓግዙኒ በልዮም፤ ሃየ ደውሊ" እናበሉ የሳቕዩዋ ብምህላዎም "በጃኹም እባ ኣድሕኑኒ" እናበለት ምስ ንብዓት አዒንታ ትበኣስ ኣላ።
"በጃኹም ናብ ወደይን ኣደይን ንሱዳን ምለሱኒ፡ እቲ እትሓቱኒ ገንዘብ ኣብ ዓዲ ሰብ ኣትየ ለሚነ ክኸፍለኩም። እዚ ኹሉ ተመባጺዕኩም ኣምጺእኩምኒ ከተብቅዑ" ኢላ እውን እንተእወየት፡ ሊብያ ዳስ ሓውያ ኮይኑዋ።
ካብ ሱዳን ዝኣቱ እምበር ንሱዳን ዝምለስ ብዘይምህላው ኣብቲ ኣጻምእ በረኻ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት እቲ ዝመጽእ እናተጸበየት ብጭንቀት ተሕልፎ ኣላ።
ክልተ ትሕቲ ዕድመኣአሕዋት፡ ወዲ-15ን 10ን ቖልዑ፡ ካብ ሱዳን ተጨውዮም ከም ዝመጽኡን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዓጽመ ስጋ ሃየ ርድኡ ተባሂሎም ዘዝዓቕሞም ገንዘብ ዝኸፈሉ መቕርብ፡ "እዚ ህዝቢ፡ ብደላሎን ነገድቲ ሰባትን ኣብ ጸገም ይኣቱ ስለ ዘሎ ሰሰብና ንምከር" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቅድሚ ሕጂ እውን ኤርትራውያን ዶብ ምስ ሰገሩ፡ ኣብ ሱዳንን መገዲ ሊብያን እናተጨውዩ ካብ ኣሕዋትን ኣዝማድን "ገንዘብ ሓውሉ" (ገንዘብ ለኣኹ) እናተባህለ ብዙሕ ሰብ ተሳቕዩ እዩ።
ኣብ ሊብያን ሲናይን ብነጋዶ ደቂ ሰባት ከቢድ ጸገምን ሽግርን ዘጋጠሞም ኤርትራውያን "ዘስካሕክሕ መከራ አሕሊፍና" ኢሎም ከዘንትው ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጻሒፉን ተሰኒዱን እዩ።
"ትማል እተፈጸመ ተመኩሮ ብዙሓት እናሃለወ፡ ሕጂ ካልእ ስቓይ ክንሰምዕ ኣይግባእን" ክብል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ጆርጅ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ሊብያ ዘለው ስደተኛታት'ከ እንታይ ይብሉ?
"ሊብያ ምድራዊት ሲኦል እያ"። ግን ሊብያ ኣብ ምድረ በዳ ስለእትርከብ ኣይኮነን ብሲኦል ተመሲላ።
ወይ ዋዕን ነድን ስለ ዘለዋ ኣይኮነትን "ገሃነብ እያ" ተባሂላ።
እንታይ ደኣ፤ ኣብ ሊብያ ሕግን ስርዓትን ስለ ዘየሎ፣ ዘርከበ በዓል ብረትን ጠበንጃን ስለ ዝዕምጸካ፣ ብሓይሊ ጨውዩ ስለ ዝሸጠካን ክነግደልካ ስለ ዝገዝኣካን እዩ "ሊብያ ምድራዊት ሲአል ተባሂሉ" ይብል መንእሰይ መድሃኔ።
እቲ መንእሰይ ኣብታ ገሃነብ ኢሉ ዝጽውዓ ብዙሕ ሽግርን መከራን ዝረኣየላ ሃገር፡ "ሎሚ'ዶ ጽባሕ ናብ ውሑስ ቦታ እግዕዝ" ክብል ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሊብያ ከርተት ኢሉ።
ኤርትራውያን፡ ኣብ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ብስቓይን ግፍዕን ስደት ከም ሕሱም ተሳቕዮም፤ ተገፊዖም።
"ሓውል (ገንዘብ ለኣኹለይ በል)" እናተባህሉ በባትርን ሓጺንን እናተገርፉ፣ ብነጠብጣብ ፕላስቲክ እናተለብለቡ ከእውዩ ዘርኢ ስእሊ ከይተረፈ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
እቶም ገፋዕቲ ኢዶም ክእክቡ፡ እቶም ግዳያት እናረኣዩ ናብ ምድረ ሲኦል ንከይኣትው፡ ክንደይ ኣውያት ክንደይ ጥርዓን ክንደይ ኣቤቱታን ምሕጽንታን ቀሪቡ።
ግን ጉዕዞ ስደትን ንግድ ደቂ ሰባትን ጠጠው ኣይበለን።
"ኣብ ዘበነ ጊላነት "ነይሩን ተገይሩን" ተባሂሉ ኣብ ዝተፈላለየ ፊልምታት እንርእዮ ኣሰቃቒ ግፍዕን ጭካነን ሎሚ ኣብ ልዕሌና ይድገም ኣሎ" ከኣ ይብል ካብ ሊብያ ዝወጽኣላ መዓልቲ ክርኢ ሃንቀው ዝብል መንእሰይ ዳዊት።
መንእሰያት ኣብ መዛንኦም እንታይ የጋጥም ከምዘሎ እናተነግሮም፡ ስቓይን ቃንዛን እቶም ኣብ ጸገም ዝወደቑ ሰባት እናተሓበሮም፡ ብጭንቅን ዓቕሊ ጽበትን መሪሩና ካብ ዝበሉዎ መነባብሮ ናብ ኣዚዩ ዝመረረን ሓንሳብ ምስ ኣተውዎ መዋጽኦ ናብ ዘይረኽብሉ ምድራዊ ገሃነም ይውሕዙ ኣለው።
"እታ ንሊብያ ዝኣተኹላ መዓልቲ እየ ዝርግም። ሕጂ ካብዚ ገሃነብ እዚ ዋላ እውን ናብ ዓደይ ዝመልሰኒ ሰብ እደሊ ኣለኹ" ይብል፡ ኣብ ሊብያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክሰጋገር ዝረብረበ መንእሰይ መድሃኔ።
ሊብያ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውድቀት መዓመር ኣልቀዛፊ፡ ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ስለዘይሃነጸት፡ ኩሉ ጠበንጃን ብረትን ዘዝሓዘ ንእሽቶ መንግስቲ እዩ ኮይኑ።
እቲ ካብ ሃድን መንግስትን፡ ኵናትን ቁጠባዊ ድቀትን ሃዲሙ ብመገዲ ሊብያ ናብ ውሑስ ሃገር ክሰግር ናብ ሊብያ ዝውሕዝ ኣፍሪቃዊ ኣብ በረኻታት ሊብያ መምስ መሻርኽቶም ዝዓስከሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ከም ምንጪ እቶትን ሃብትን ይጥቀምሎም ከም ዘለው መንእሰይ ኣብርሃም ይሕብር።
ኣብ ሊብያ፡ ደቂ ሰባት ከምቲ ቀደም ኣብ ዘበነ ጊልያነት ተገይሩን ይግበር ነይሩን ተባሂሉ ዝንገር፡ ቀትሪ ምድሪ ብጨረታ ክሽየጡ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብጋዜጠኛታት ተቓሊዑስ ኣብ ማዕከናት ሚድያ ንዓለም ተዘርጊሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኤውሮጳውያን ሊብያውያን ባሕሮም ንኽቆጻጸሩ ብዙሕ ሓገዝ ስለ ዝገበራ ንባሕሪ ዝተበገሰ ተታሒዙ ናብ ማእሰርቲ ስለ ዝምለስ፡ ንኤውሮጳ ዘማዕድዉ ስደተኛታት ተስፋ ስኢኖም።
ኣብ ርእሲኡ ንኹሉ ምንቅስቓስ ዝእግድ ኮቪድ መጺኡ እቲ ጉዕዞ ተዳኺሙ።
ሕጂ ግን ሓደስቲ ደላሎ ኣብ ኣዲስ ኣባበን ሱዳንን ተዘሪኦም ብዝዝርግሑዎ ዘለው ናይ ሓሶት ተስፋ ብዙሓት ዓቕሎም ዝጸበቦም ግሩሃት ስደተኛታት ብዘይትግበር መብጽዓ ተታሊሎም ናብ ኣጻምእ ሰሃራ ይውሕዙ ስለ ዘለው፡ ኩሎም ተጣበቕቲ መሰላት ሰባት ብናይ ሓሶት ወረ ከይታለሉ የጠንቅቑ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ህሉው ኩነታት ሊብያ ከመይ ኣሎ?
ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፡ ሓይልታት ጸጥታን ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪን ሊብያ ኣብ ዝተፈላለየ "መዝርዓ" ተባሂሉ ዝስመ ስደተኛታት ቅድሚ ንቕሎ ባሕሪ ዝተኣኻኸቡሉ ስፍራ ተፍትሽ ብምክያድ ብዙሓት ኤርትራዉያን ዝርከብዎም ኣሻሓት ስደተኛታት ከም ዝሓዙ መንእሰይ ኣብርሃም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ብደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ካብ ፈቐድኡ፡ ካብ ኣዲስ ኣባባን ሱዳንን " መገዲ ተኸፊቱ ኣሎ!" ብዝብል መእመን ቃላት ተታሊሎም ማእከላይ ባሕሪ ቖሪጾም ንጥልያን ክሰግሩ ዝሓልሙ ስደተኛታት፡ ንዓመታት ሰሪሖም ክእክቡዎ ዘይክእሉ ኣሽሓት ዶላር ከፊሎም፡ ኣብ ምድረ ሊብያ ሓዲግ መዲግ ኮይኖም ከም ዘለው እቶም ኣብ ስቓይ ዘለው ስደተኛታት ሓቢሮም።
እቶም ኣብ መዝርዓ ገማግም ባሕሪ ኮነ ኣብ ካልእ መጽንሒ ማእከላት ተዳጒኖም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብ ዝኸፍአ ኣብያተ ማእሰርቲ ይግዕዙ ከም ዘለው ንመግለጺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ንጡፍ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ጆርጅ ይሕብር።
ኣብ ሊብያ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኸርተተ ካብን ናብን መዓስከራትን መዳጎኒ ማእከላትን ዝተሰጋገረ መንእሰይ መድሃኔ " ክድቅስን ክትንስእን ጎይታይ ካብዚ ምድራዊ ገሃነብ መዋጽኦ ፍጠረልና" እናበልኩ እዩ ዝጽሊ" ክብል ነቲ ምረት ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሊብያ ዘሎ ሃዋሁው ከቢድ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ሎሚ ብሊብያ ናብ ኤውሮጳ ምስጋር ዘይከኣል ምሕላም እዩ" ብማለት ኩሉ ኤርትራዊ ንሓውን ሓፍቱን ውላዱን ናብዚ ናይ ጥፍኣት መገዲ ንኸይከዱ ክመክርን ክሕብርን ኣጥቢቑ ይምሕጸን።
ኣቶ ጆርጅ እውን "ንሊብያ ኣትዮም መውጽኢ ስኢኖም፡ ከቢድ ስነ አእሙራዊ ጸገም ዝበጽሖም ንዓመታት ዝሳቐዩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እናሃለዉ፣ ሎሚ ብሊብያ ንኤውሮጳ ክትኣቱ ምሕሳብ ከም ዘይከኣል ክንፈልጥ ይግባእ" ብምባል መገዲ ሊብያ ከምቲ ደላሎ ዘውርዮ ቀሊል ዘይምዃኑ ኣረዲኡ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



