ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነብረ እገዳ ኣጽዋር ‘ኣይሰርሐን’ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነብረ እገዳታት ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ነቶም ተዋጋእቲ ኣካላት ይድግፋ ምህላወን ገሊጹ።
“እቲ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብፍጹም ኣይሰርሕን ዘሎ። ነቶም ኣብ’ዚ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ዝሕግዛ ሃገራት፡ ነቲ ናይ እገዳ ስጉምቲ ዕሽሽ ብምባል ርኡይ ዝኾነ ዓብዪ ጥሕሰት እየን ዝፍጽማ ዘለዋ” ኢሉ።
ሊብያ ኣብ 2011 ንሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝውለዓላ ኣትሒዙ ናይ ኣጽዋር እገዳ ተነቢሩላ እዩ።
ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ትሪፖሊን ናይ ርእሱ ሰራዊት ዝመርሕ ካሊፋ ሓፍጣርን ተኸፋፊላ እያ ትርከብ።
እቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ ንምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ክቆጻጸር እንከሎ፡ ሓይልታት ካሊፋ ሓፍጣር ድማ ንምብራቓዊ ክፋላት ይቆጻጸሩ።
ንኽልቲኦም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ድማ፡ ነናቶም ዝድግፍዎም ዞባዊ ሓይልታት ኣለዉ።
ገለ ንሓፍጣር ካብ ዝድግፋ ሃገራት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዮርዳኖስ፣ ሩስያ፣ ሶርያን ግብጽን ከምዝርከበአን ኣብ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሱ’ሎ።
ቱርክን ቐጠርን ድማ ነቶም ኣብ ትሪፖሊ ዘለዉ ሰብ መዚ ከምዝድግፋ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ’ታ ሃገር ሓድሽ ሓድነታዊ መንግስቲ ዝቖመ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ደው ዘብል ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



