ቤት ፍርዲ ለንደን፡ ጁሊያን አሳንጅ ንኣሜሪካ ከይወሃብ ወሲኑ

ጁልያን ኣሳንጅ ለንደን ጥሪ 13 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንምስጢራት መንግስታት ከቃልዕ ዝጸንሐ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁሊያን አሳንጅ፡ ንኣሜሪካ ንኸይወሃብ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ፍርድ ወሲኑ።

ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብጉዳይ ጥዕና አእምሮ ጁልያን ስለዘይተኣማመነ፡ እቲ ክሱስ ነብሱ ክቐትል ሓሳብ ከምዘለዎ ምስ ፈለጠ "ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ኣሳንጅ ተስፋ ምቑራጽን ጽልኣት ምንባርን እዩ ዘንጸባርቕ" ብማለት ንኣመሪካ አሕሊፍካ ክወሃብ ከምዘይብሉ ወሲኑ።

ወዲ 49 ዓመት ኣሳንጅ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ዝተፈላለዩ መንግስታት "ጥብቂ ምስጢር" ኢሎም ዝለኣኣኹዎ ንዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢሜይላት ኣብ ድሕረ ገጹ ብምሕታም ናብ ህዝቢ ስለዘቃለዐ እዩ ብኣመሪካ ብጽኑዕ ዝድለ ዘሎ።

ኣመሪካ፡ እቲ ኣሳንጅ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝለጠፎም ምስጢራዊ ሰነዳት ንህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለዘውደቐ ብጽኑዕ ትደልዮ ከምዘላ እያ ትገልጽ።

እቲ 'ዊኪሊክስ' ዝተሰምየ፡ ንምስጢራዊ ሰነዳት መንግስታት ዝጸናጸን መርበብ ዝመስረተ ጁሊያን አሳንጅ፡ ኩሉ ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታት ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ናብ ኣመሪካ ንከይመሓላለፍ ኣጥቢቑ ክከራኸር ጸኒሑ ኣሎ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ነቲ ብዳኛ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋህበ ፍርዲ ከምዝቃወምዎን ይግባይ ከምዝብሉን ተዛሪቦም ኣለው። ጠበቓታት ጁሊያን ኣሳንጅ፡ ጁሊያን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ አሜሪካ ቀሪቡ በደለኛ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ፡ ክሳብ 175 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክፍረድ ከምዝኽእል ክዛረቡ እንከለው፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ግን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ጥራሕ እዩ ክእሰር ዝኽእል ይብሉ።

አሳንጅ፡ ኣብ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ማሕፉዳ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣትዩ፡ ምስ ኵናት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝትሓሓዝ ጥብቂ ምስጢራት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ብምዝርግሑ እያ ኣመሪካ ብጽኑዕ ትደልዮ ዘላ። ብሰንኪ እቲ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ከኣ ዝተፈላለየ ክስታት ክቐርቦ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣሳንጅ ግን፡ እቶም ናብ ህዝቢ ዝተቓልዑ ምስጢራዊ ሰነዳት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣመሪካ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ዘቃልዕ እዩ ክብል'ዩ ዝከራኸር።

ይኹን እምበር ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ እቲ ዝወጽአ ምስጢራዊ ሰነዳት ንህይወት ሰባት ንሓደጋ ዘቃልዐ ብምዃኑ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቤልማርሽ ተታሒዙ ዘሎ ኣሳንጅ ክወሃቦም እዮም ዝሓቱ ዘለው።

ኣሳንጅ እቲ ብዋሕስ ክወጽእ ዝተዋህቦ ዕድል ምስተመሓላላፈ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ናይ ኤኳዶር ኤምባሲ ተሓቢኡ ብምጽንሑ እዩ ተኣሲሩ። ኣሳንጅ ኣብ 2012 ናብ ኤምባሲ ኤኳዶር ዑቕባ ሓቲቱ፡ ንሸውዓተ ዓመት ኣብቲ ኤምባሲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብኡ ክወጽእ ክፍትን እንከሎ እዩ ብ2019 ብፖሊስ ተታሒዙ።

ናብ ኤምባሲ ኤኳዶር ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ሃገረ ስዊድን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ዝብል ክሲ ብምምስራት ኣሳንጅ ንክወሃባ ሓቲታ ነይራ። ንሱ ግን ኣብ እዋኑ ነቲ ክሲ ከምዝይወዓሎ እዩ ገሊጹ። ዳሕራይ እውን እቲ ክሲ ተሰሪዙ እዩ።