ኣብ ፓኪስታን ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸውዓተ ሞይቶም

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሓደ ሃይማኖታዊ ቤተ ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፓኪስታን ሓቢሩ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፖሊስ ፓኪስታን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሕጻናት ከምዝርከብዎም ስሙ ከይርቋሕ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓኪስታን እትርከብ ከተማ ፐሽዋር ዘጋጠመ መጥቓዕቲ፡ 50 ሰባት’ውን ቀሊልን ከቢድን መውጋእቲ ከምዘጋጠሞም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቓዕቲ 'ኣነ እየ ፈጺመዮ' ብምባል ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ፖሊስ ብወገኑ ፈጸምቲ እቲ ናይ ቡንባ መጥቓዕቲ ንምርካብ መርመራታት ከምዝጀመረ ገሊጹ ኣሎ።

ወቓር ኣዚም ዝተብሃለ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ፓኪስታን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓደ ሰብ ቦርሳ ሒዙ ናብቶም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝወስዱ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ከምዝኣተወን ገዲፍዎ ከምዝወጽአን ገሊጹ።

ከተማ ባሽዋር ጥቃ ዶብ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ፓኪስታናዊት ከተማ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት እስላማዊ ጉጅለ ጣሊባን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከካይዱላ ጸኒሖም እዮም።

ቅደሚ ሽዱሽተ ዓመት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ብምክያድ ዝበዝሑ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ምማቶም ይዝከር።