ፕረዚደንት ናይጄርያ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዝደንት ናይጄርያ ሙሃመዱ ቡሃሪ ኣብ ንግዳዊት ከተማ ሌጎስ ብፖሊስ ዝፍፀም ጭካነ ዝምርምር ሰብሞያ ሕጊ ዘካተተ ጉጅለ ሎሚ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ።
ሰልፈኛታት: ነቲ ኣብ ሌጎስ ብፖሊስ ዝተፈፀመ ቅትለት ዝምርምር ዘይሻራዊ ጉጅለ ክጣየሽን ነቲ ቅትለትን ዓመጽን ዝፈጸሙ ኣባላት ፖሊስ ድማ ክሕተቱ ይጠልቡ ነይሮም።
ነቶም ብፖሊስ ዝተፈላለዩ ብድዐ ዝበፅሖም ውልቀሰባት መንግስቲ ካሕሳ ክኸፍሎም ድማ ሓቲቶም።
ኣብ ናይጄርያ ካብ ሞንጎ ዘለዉ 36 ግዝኣታት፡ ሌጎስ ዘይሻራዊ ጉጅለ መርመራ ብምጥያሽ ሰባት ዘለዎም ቅሬታታት ክሕብሩ ዝገበረት ፈላመይቲ ከተማ እያ።
ፕረዚደንት ቡሃሪ ድማ ነቲ ጉጅለ መርመራ ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፁ።
ቤት-ፅሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሌጎስ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ፖሊስ መረዳእታ ተዳልዩ ክሳብ ዝቐርብ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ርኢቶ ካብ ምሃብ ከምዝቑጠብ ኣፍሊጡ ኣሎ።
"እቲ ፕረዚደንት፡ ሰላም፣ ሕውነትን ሓልዮትን ኣብቲ ማሕበረሰብ ክቕፅል ይሓትት" ዝበለ እቲ ቤት-ፅሕፈት፡ "ንሕድሕዶም ብፅልኢ ንከይረኣኣዩ" ፀዊዑ።
ፕረዝደንት ቡሃሪ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞን ዓመፅን 69 ሰባት ከምዝሞቱን እቶም 51 ንፁሃት ዜጋታት ከምዝኾኑን ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ንጭካነ ፖሊስ ብምቅዋም ኣብ ናይጄርያ ተቓውሞታት ዘካይዱ ዘለዉ ወደብቲ ወፍሪ #EndSARS ድማ፡ መራሕትን ኣማኸርትን እቲ ወፍሪ ንምምራፅ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሓደ መንነቱ ዘይተገለፀ ጉጅለ፡ መረፃ ከምዝካየድ ዝሓበረ እንትኾን፡ እቲ መረፃ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዝምላእ ቅጥዒ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ናይጄርያውያን ከኣ ነዚ ብመገዲ ጉግል መረፃ ዝካየደሉ ቅጥዒ፡ ብዋስኣፕ ይቀባበልዎ ኣለዉ። መራሕትን ኣማኸርትን ግዝኣቶምን ፌደራልን ንክመርፁ ጎስጓስ ይግበር ከምዘሎ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
እቲ ቅጥዒ ስሙያት ሰባት፣ ጠበቓታትን ተንተንቲ ፖለቲካን ከምዝሓዘ ተገሊፁ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ናይጄርያ ዝምታ (ስርቂ) ዝተፈፀመ እንትኸውን፡ ፖሊስ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ናይጄርያውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።
እቶም ውልቀ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ናብ መጋባእያ ቀሪቦም ክሲ ክምስረተሎም ትፅቢት ይግበር።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



