ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዓማዊሉ ዜና ንኽዝርግሑ ሰልዲ ከኽፍሎም ክጅምር’ዩ

ፌስቡክ

ምንጪ ስእሊ, NIALL CARSON/PA WIRE

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዓማዊል ፌስቡክ ዜናዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ ጽሑፋት ዓንቀጻትን ንምዝርጋሕን ንምንባብን ሰልዲ ክኸፍልሉ ዘገድድ ሕጊ ይንደፍ ኣሎ።

ተቖጻጸርቲ ኣካላት ኣብ ፌስ ቡክን ኣብ ጎግልን ዝዝርጋሕ ዜናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋት ፉስቡክን ጎግልን ክኸፍላሉ ኣለወን እዮም ዝብሉ።

ፌስ ቡክ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ ዜናታት ኣብ ፌስ ቡክ ክዝርግሑ ዝፈተኑ ሰባት ክዓጽዎም ምስ ጀመረ ኣብ ሞንጎ ፌስ ቡክን ተቆጻጸርቲ ኣካላትን ምፍሕፋሕ ክረአ ጸኒሑ’ዩ።

ፌስ ቡክ፡ እዚ ሕጂ ዝነድፎ ዘሎ ሕጊ እንተጸዲቑ ኣውስትራልያውያን ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ከይከፈሉ ዜና ክዝርግሑን ዜና ከንብቡን ኣይክኽእሉን’ዮም።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ክፍሊ ፌስቡክ ነቲ ሕጊ የርቅቖ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ሞንጎ ኣሕተምትን ፌስቡክን ምዕሩይ ዝኾነ ምርብባሕ ንኽህሉ ከምዝሕግዝ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ኣውስተራልያን ኒውዝላንድን ዳይረክተር ፌስቡክ ዝኮነ ዊል ኢስቶን “እቲ ሕጊ ዳይናሚካዊ ሓይሊ ናይ ኢንተርኔት ኣብ ግምት ዘይተወ ክመስል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ቀዳማይ ምርጫና ዘይኮነስ ናይ መወዳእታ ምርጫና ገይርና ኢና ንወስዶ” ኢሉ።

ዊል ኢስቶን ፌስ ቡክ፡ ኣብ ኣውስተራልያ ንዝርከባ ማዕከናት ዜናታት ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽት ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት 2.3 ቢልዮን ‘ክሊክ’ ከምዘምጽኣለንን እዚ ብሰልዲ ክትመን እንከሎ ኣስታት 148 ሚልዮን ዶላር ከምዝኾነ እዩ ዘረድእ።

ውሃቢ ቃል ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ ነዚ እገዳን ክፍሊትን ዝምልከት ኣብ ቀረባ ግዜ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክንህብ ኢና” ኢሉ።