ሊብያ፡ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዚንታን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓደ ኤርትራዊ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዚንታን ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምዝሞተ ተገሊጹ።
ኣይኦኤም ሊብያ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ዘሎ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ኢሰብኣውን" ኩነታት ስደተኛታት ዘርእይ ምዃኑ ገሊጹ።
"ክውገድ ዝኽእል ትራጀዲ ብተደጋጋሚ የጋጥም ምህላው ቅቡል ኣይኮነን" ድማ ኢሉ።
ነቶም ካብቲ ሓዊ ዝደሓኑ 50 ዝኾኑ ስደተኛታት ሕክምናዊ ሓገዛት ንምግባር፡ ኣባላቱ ናብቲ ስፍራ ከም ዘዋፈረ ዝገለጸ ኣይኦኤም ሊብያ፤ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ስደተኛታት ዝእሰርሉ ኣገባብ ከብቅዕ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ብምባል፡ ስደተኛታት ዝተሓዝሉ ካልእ ኣማራጺ ክድለይን ኣብቲ ጎንጺ ዘለዎ ከባቢታት ዝርከቡ ሲቪላውያን ድሕነቶም ክሕሎ ከም ዝግባእን ገሊጹ።
ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣብ ዚንታን ሓድሽ ተርእዮ ከም ዘይኮነ ዝገለጸ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣብቲ መዓስከር ዝቕመጥ ኤርትራዊ ስደተኛ፤ ወጋሕታ ሰብ ደቂሱ ከሎ ከም ዘጋጠመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እታ ገዛ ናይ ሕሙማት ክፍሊ ተባሂላ ተፈልያ ዝነበረት ኮይና፡ ከባቢ 48 ሕሙማት ደቂሶም ነይሮም። ኩሉ ህይወቱ ከድሕን እዩ ሃዲሙ፤ እዚ ዝሞተ ሓውና ግና ድቃስ ጸቒጥዎ ሰብ'ውን ስለ ዘይረኣዮ ኣብኡ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ኣማውታ ሞይቱ" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹ።
ዳንኤል መድሃኔ ዝተብሃለ ነባሪ እቲ መዓስከር ብወገኑ፡ እቲ ከባቢ ሰዓት 5 ወጋሕታ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ መበገሲኡ ከም ዘይተነጸረን እቲ ኣብቲ ክፍሊ ዝነበረ ሰብ ብመስኮት ከም ዝወጸን ተዛሪቡ።
ወሲኹ'ውን በቲ ባርዕ ሓዊ ዝቖሰሉ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ሕክምና ኤምኤስኤፍ ረድኤት ከም ዝተገበረሎምን ደሓን ከም ዘለውን ሓበሩ።
ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ዝተገብረ ሓገዝ ከም ዘይነበረ ዝገለጸ እቲ ክጥቀስ ዘይደለየ ምንጪ፡ "እቲ ሓዊ ዝንደድ ኣንዲዱ ምስ ወድአ" ባዕሉ ከም ዝተፍአ ተዛሪቡ።
ነቲ ሬሳ ድሕሪ ምርኣዮም፡ ጌና ኣብ ስምባደ ዘለው ዘይተረጋግኡ ሰባት ከም ዘለው'ውን ኣረዲኡ።
ካብ ትሪፖሊ 182 ኪሜ ንደቡባዊ ምዕራብ ተደኲኑ ከባቢ 450 ስድተኛታት ተዳጒኖምሉ ዝርከብ መዓስከር ዚንታን፡ ብተዛማዲ በቲ ኲናት ሓድሕድ ከምቲ ከባቢ ትሪፖሊ ዘሎ መዳጎኒታት ብዙሕ እኳ እንተዘይተጸለወ፡ ኣብቲ መዳጎኒ ዝርከቡ ስደተኛታት ብምንዋሕ ግዜ ማእሰርቲ፡ ክቱር ጥምየትን ልዑል ተርእዮ ከም ቲቢ ዝኣመሰሉ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝርኣየሉ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



