ሌሶቶ፡ ብዘቤታዊ ቕትለት ዝተኸሰሰ ፈላማይ ኣፍሪካዊ መራሒ ከምዘይሃደመ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ነበር ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሶቶ ቶማስ ታባነ ፡ ኣብ ቆጸራ ቤት ፍርዲ ምትራፉ ስዒቡ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝሃደመ ዝገልጹ ጸብጻባት ሓቂ ከምዘይኮኑ ገሊጹ።
ብኣንጻሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ቶማስ ታባነ፡ ንሕክምና ከምዝኸደ ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ ኣሎ።
በዓልቲ ገዝኡ መስያህ ታበነ ዝተኸሰሰት ኮይና፡ ንዕኡ 'ውን እቲ ክሲ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ብዘቤታዊ ቕትለት ዝተኸሰሰ ፈላማይ ኣፍሪካዊ መራሒ ዝገብሮ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕጊ እታ ሃገር ከምዘኽብርን ካብ ሕክምና ምስተመለሰ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብን፡ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ ኣሎ።
በዓልቲ ቤቱ 'ውን ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ፖሊስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምስ ኣውጸአላ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከይዳ ነይራ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ጻውዒት ከምዝተገበረሉ ፖሊስ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ገሊጹ ነይሩ።
ምክትል ኮሚሽን ፖሊስ ሌሶቶ፡ ፓሴካ ሞከተ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፈልጥን ንሕክምና ገይሹ እንተኾይኑ ግን እቲ ክሲ ምስተመለሰ ክቕጽል ምዃኑን ሓቢሩ ኣሎ።
በዓልቲ ቤት ነበር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊፖሌሎ ታባነ፡ ንሱ ቃለ መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣብ 2017 እያ ተቐቲላ።
ንሱ፡ ብትግሃት ንህዝቡ ከምዘገልገለን፡ ሕዚ ግን ብዕድመ ምኽንያት ይደክም ከምዘሎን ብምግላጽ፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ሓምለ ስልጣኑ ከምዝገድፍ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ንሬድዮ እታ ሃገር ተዛሪቡ ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



