ሊብያ፡ ካብ ኣውስትራልያ ዝመጽኣ 3000 ኣግማል ካብ መጥቃዕቲ ድሒነን

ቃፍላይ ኣግማል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቃፍላይ ኣግማል ኣውስትራልያ ብጎደናታት ሊብያዊት ከተማ ትሪፖሊ እናሓለፋ
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣስታት 3000 ካብ ኣውስትራልያ ዝኣተዋ ኣግማል፡ ኣብ ወደብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ምስ በጽሓ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ወደብ ናይ ሮኬታት መጥቃዕቲ ተኸፊቱ።

እታ ከተማ፡ በቶም ክቆጻጸርዋ ካብ ምብራቓዊ ክፋል'ታ ሃገር ዝገስገሱ፡ ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ተኸቢባ፡ መጥቃዕቲ ክወርዳ ካብ ዝጅምር ሓያሎ ኣዋርሕ ኮይኑ'ሎ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪን ቐጠርን ዝድገፍ መንግስቲ ድማ ኣብታ ከተማ ብምዕስካር፡ ኣብ ምክልኻል ይርከብ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

እተን ኣግማል፡ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ካብ ወደብ ትሪፖሊ ገስጊሰን፡ 45 ኪሜ ድሕሪ ምጉዓዝ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዛውያ ኣትየን ኣለዋ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ገለ ካብኣተን ኣብ መንገዲ ተዘሚተን። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ 125 ኣግማል ኣብ ጫፍ ከተማ ትሪፖሊ ምስ በጽሓ ብዕጡቓት ተወሲደን።

ቃፍላይ ኣግማል ብማእከል ርእሰከተማ ትሪፖሊ ክሓልፋ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

ሰብመዚ ኣውስትራልያ፡ ነተን ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝተፋረያ ኣግማል በረኻ ንምቁጽጻር፡ ክቕተላ ምውሳኖም ኣብተን ኣግማል ብብዝሒ ዝርከባሉ ከም በዓል ሶማልያ ዝበላ ሃገራት ቁጠዐ ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

ኣግማል፡ ኣብ ገለ ሃገራት፡ ንስጋን ጸባን ጥራይ ዘይኮነ፡ መግለጺ ሃብትን፡ ማሕበራዊ ደርብን ምዃነን ይፍለጥ።