ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ሱዳን ካብ መዝገብ 'ፈጠርቲ ራዕዲ' ክትእለ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት [ሕሃ] ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ 'ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክትእለ ሓቲቱ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኸበ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እታ ሃገር የጓንፍዋ ካብ ዘለዉ ብድሆታት ቀልጢፋ ክትወጽእ ምእንቲ፡ ዓለም-ለኸ ሓገዝ የድልያ እዩ ኢሉ።
ነዚ ድማ፡ ሱዳን ካብቲ መዝገብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ስማ እንድሕር ተኣልዩ፡ ቤት ጽሕፈት ሕሃ እቲ ዘድሊ ዓለማዊ ድጋፍ ኣብ ምትሕብባር ክነጥፈ የኽእሎ እዩ ኢሉ።
ሱዳን፡ ናብ ሰለማዊ መድረኽ ዓለም፡ ክተመጽእ ዝግበር ዘሎ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ስዒቡ እዩ።
ኲናት ሕድሕድ-ሊብያ
እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣኼበኦም ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ሊብያ ዝረአ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዘብቀዐሉ መስርሕ ከምዝዝትዩ'ውን ነቲ ጉባኤ ዝከታተል ዘሎ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ሊብያ፡ እገዳ ኣጽዋር ዝውውር'ኳ እንተተነበረ እቲ ጎንጺ ቀጺሉ ኣሎ ዝበለ፡ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀጻሊ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ነቒፉ። ፈረንሳይ ጋዳፊ ካብ ምእላይ ጀሚራ፡ ኣብቲ ከባቢ ትንቀሳቐስ ተባሂላ ትንቀፍ።
"ገለ ሓይልታት ደገ፡ ንኽልቲኦም ወገናት በብገጾም እናሓገዙ፡ ኣብቲ ዞባ ወግእን ወረ ውግእን ክቕጽል ይገብሩ ኣለዉ" ብምባል ቁጠዐኦም ገሊጾም።
ፕረዚደንት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝተገብረ ናይ ደገ ሓይሊ ምትእትታው መራሕቲ ኣፍሪቃ ክነቐፉ ጸኒሖም እኦም። ፡ ንዐኦም ካብቲ ከይዲ ከልግሱ ገይርካ ዝፍተን ዝነበረ ግዳማዊ ናይ ሰላም ከይዲ ከምዘይሰርሐ እቲ ዋና ጸሓፊ ንቢቢሲ ኣሚኑ።
ሕዚ፡ እቲ ጸገም ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ክረክብ ድማ ጻውዒት ገይሩ።
እቶም መራሕቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣፍሪቃ ዝረአ ዘለዉ መሰል-ጎንጽታትን ኲናት ሕድሕድን ፍታሕ ንምእላሽ ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ።
ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ኮሮና ቫይረስን ከባብያዊ ለውጢ ኣየርን፡ ካልኦት ኣጀንዳታት'ቲ ጉባኤ ከምዝኾኑ ምፍላጥ ተካኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



