ስደተኛታት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ ኖርወጃዊ ሚኒስተር ተማሕጺኑ

ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ኖርወይ ጆራን ካልሚር ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዑቕባ ንምርካብ ብሊብያ ኣቢሎም ካብ ምስጋር ክቑጠቡ ተማሕጺኑ።
ንሱ ትማሊ ናብ መዓስከራት እቶም ካብ ሊብያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ሃገሩ 600 ስደተኛታት ክትቅበል ምዃናን ካብኣቶም እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩን ከም ዝርከብዎም ኣረጋጊጹ።
ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ኖርወይ ጆራን ካልሚር፡ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት፡ መሰትኦም (መሓዝቶም) ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ መንበሪ ንምርካብ ብሊቢያ ንከይጓዓዙ ክምሕፀንዎም ፀዊዑ።
እቲ ትማሊ ኣብ ምብራቓዊ ሩዋንዳ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ምብፃሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጆራን፡ ኖርወይ ካብቶም ኣብ ማእኸል ስደተኛታት ሊቢያ ኣብ ዘፀገም ጥሒሎም ዝርከቡ ስደተኛታትን ናብ ሩዋንዳ ካብ ዝገዓዙን፡ ብሓፈሻ 600 ስደተኛታት ከምትወስድ ገሊፁ።
ሩዋንዳ ካብ ሊብያ 500 ስደተኛታት ክትቅበልን፡ ነቶም ኣብኡ ክነብሩ ዝደልዩ ድማ መንበሪ ፍቓድ ክትህብን ተሰማሚዓ።
እቶም 299 ስደተኛታት ዋላ እኳ ናብታ ሃገር እንተኣተዉ፡ ዋላ ሓደ ስደተኛ ግና ኣብታ ሃገር ክነብር ኣይተርኣየን። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝመፅኡ እዮም።
ሓደ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ፡ "ኣብ ሩዋንዳ ክፀንሕ ኣይደልን፡ ህይወተይ ከውሕሰላን ዝተሳቐየ ሓንጎሎይ ከሕውየላን ዝኽእል ሃገር እየ ዝደልይ" ኢሉ ኣብ ሩዋንዳ ንዝርከብ ሪፖርተርና።
ቅድም ክብል ሰብ-መዚ እታ ሃገር፡ ሩዋንዳ ነዞም ስደተኛታት ብሓልዮት ከምዝተቐበለቶም፡ ገሊፆም ነይሮም።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮጳን ካናዳን ከምዝግዕዙ ዜና ምስ ሰምዑ ኣመና ተሓጉሶም።
ካብ ኖርወይ ብተወሳኺ፡ሃገራት ካናዳ 800፣ ፈረንሳይ 200፣ ስዊድን 150 ስደተኛታት ክወስዳ ተሰማሚዐን።
ስዊድን ንክትወስደም ካእ ሞንጎ ዝተሰማምዐት እቶም ሸውዓተ ዝገዓዙ እንትኾና፡ ካልኦት 30 ድማ ንጉዕዞ ኣብ ምድላው ይርከቡ።
ጆራን ካልሚር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኖርወይ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እንተይኮነስ ነቶም ሓቀኛ ስደተኛታት እያ ክትወስድ፤ ስለዝኾነ ድማ ምፅራይ ክትገብር እያ ኢሉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



