ኣሜሪካ ተክሳስ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ተክሳስ-ኣሜሪካ፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተዅሲ ብውሑዱ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም።
መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ድማ፡ ቅድሚ ብዙሕ ጉድኣት ምውራዱ ብኡ ንብኡ ብረት ብዝዓጠቑ ኣባላት እቲ ቤተ-ክርስትያን እዩ ተቐቲሉ።
ፖሊስ ተክሳስ፡ ዕላማ እቲ መጥቃዕትን መንነት እቲ ብዓል ብረትን ገና ኣይዘርገሓን ዘሎ።
እንተኾነ ግን፡ ነቶም ነቲ ብረት ዝዓጠቑ ኣባላት እቲ ቤተ-ክርስትያን፡ በቲ ዝወሰድዎ ቕልጡፍ ስጉምቲ ኣመስጊኑ።
እቲ ዝተዘርሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከምዘርእዮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ገለ-ሰብ፡ መጀመርያ ምስ ሓደ ሰብ ተዛሪቡ ተዅሲ ከምዝኸፈተን፡ ብኡ ንብኡ ከምዝተቐትለን የመልክት።
እቶም ክልተ ምእመናን ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ፖሊስ ተክሳስ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣማሓደሪ ክፍለ-ሃገር ተክሳስ ነቲ መጥቃዕቲ "እከይ ተግባር" ክብል ኮኒንዎ። ነቶም ቅልጡፍ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣባለት እቲ ቤተ-ክርስትያን'ውን ኣመስጊኑ።
ተክሳስ ኣብዚ ዓመት ብዙሕ ቅትለት ካብ ዝተፈጸመለን ግዝኣታት ሓንቲ እያ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፤ ኣብ ኤል ፓሶ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ 22 ሰባት ከምዝሃለቑን ካልኦት 24 ሰባት ከምዝቆሰሉን ይፍለጥ።
ኣብቲ ወርሒ፡ ካልእ ብረት ዝዓጠቐ ውልቀሰብ 7 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ 20 ሰባት ኣቑሲሉ።
ኣብ 2017 ድማ፡ ሓደ ብረት ዝዓጠቐ ሰብኣይ፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ብዝኸፈቶ ተዅሲ 26 ሰባት ቀቲሉ ምንባሩ ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



